Monday , April 29 2024

ዜና

ምይይጥ ሰላም የመናውያን ሎሚ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ቀጺሉ::

እቶም ተቐናቐንቲ ወገናት ኣብቲ ናይ ትማሊ ምይይጥ ምሩኻት ኲናት ንምልውዋጥ ብምስምምዖም እቲ ዘተ ሰላም ጩራ ተስፋ ዝተራእየሉ እኳ እንተኾነ ኣብዛ ብኲናት ተመናኒሃ ዘላ የመን ሰላም ንምርግጋጽ ግን ነዊሕ ጉዕዞ ከም ዝሓትት ይግለጽ። እቶም ዓለወኛታት ካብታ ኣብ ምዕራብ የመን እትርከብ ከተማ ሑዴዳ ዘየንሳሕቡ እንተኾይኖም ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከም ኣማራጺ ከም ዝውሰድ ኣባል ልኡኽ መንግስቲ የመን ዝኾነ በዓል ስልጣን ኣብቲ ብሓልዮት ሕቡራት ሃገራት …

Read More »

ክሊማዊ ለውጢ ጠንቂ ጥዕና ኣእምሮ ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ::

ክሊማዊ ለውጢ ኣብ ልዕሊ ኣከባቢ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ጥዕና ኣእምሮ ደቂ ሰብ እውን ሳዕቤን የኸትል ምህላው ተገሊጹ። መራሕቲ ዓለም ብዛዕባ’ቲ ኣሻቓሊ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ክሊማዊ ለውጢ መፍትሒ ንምንዳይ ከም መቐጸልታ ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ፖላንድ ተጋቢኦም ኣብ ዝርከቡሉ እዋን ከይተረፈ እዚ ሽግር’ዚ በብግዚኡ ጭንቀት ይፈጥረሎም ከም ዘሎ ዝተፈላለዩ ሰባት ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። ካሪን ካሊ ኣንደርሰን፡ ክሊማዊ ለውጢ ንዘስዕቦ …

Read More »

ኣብ ቴሌፎን ዝተጻዕነ መተግበሪ (App) ብምጥቃም ዝዝውተር ኣገባብ ኣተኣላልያ ጐሓፍ ካብ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ተቓውሞ ገጢምዎ::

ልዕሊ 100,000 ነበርቲ ስቶክሆልም ብክፍሊት ናይ ገዛ ጐሓፍ ዝወስዱ ውልቀሰባት ብኦንላይን ደልዮም ንኽረኽቡ ዝሕግዝ ዘሎ ናይ ቴሌፎን መተግበሪ (App)፡ ሕጊ ኣተኣላልያ ጐሓፍ ዝጥሕስ ኣገባብ ምዃኑ ብምግላጽ ቤት ምኽሪ እታ ከተማ ተቓዊምዎ። እቶም ነበርቲ ኣብቲ ቲፕታፕ ብዝብል ስም ዝፍለጥን ኣብ 2016 ዝተጀመረን መተግበሪ (App)፡ ኣሳእል ናይቲ ዘየድልዮምን ካብ ገዝኦም ክእለየሎም ዝደልዩዎን ዓይነት ኣቚሑ ብምልጣፍ ናይ ጽዕነት መኪና ምስ ዘለዎም ሰባት ብገንዘብ …

Read More »

ስቶክሆልም ናይ ሎሚ ዓመት ተሸለምቲ ኖበል ትቕበል::

እቲ ዕለተ ሕልፈት መስራቲኡ ንምዝካር ዓመት መጸ ብ10 ታሕሳስ ዝካየድን ብ “መዓልቲ ኖበል” ዝፍለጥን ጽንብል ምዕዳል ሽልማት ኖበል ከም ወትሩ ሎሚ ዓመት እውን ዝመጽእ ሰኑይ ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ። እቲ ጽንብል ብዓውዲ ሳይንስ ኣኽሊል ክብሪ ዝደፍኡ ዕውታት ዝሽለሙሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብቕንያቱ ንከተማ ስቶክሆልም ብክብ ዝበለ መዓርግን ድምቀትን ዝተሰነየ ድግስ ሒዙላ ክመጽእ ትጽቢት ይግበር።

Read More »

ዜና ብቛንቋ ትግርኛ 07 ታሕሳስ 2018

Read More »

ዝበለጸ ተጸዋታይ ኩዕሶ እግሪ ዓለምና መን እዩ ?

ንቡዙሕ ዓመታታት ዝተጓዓዘት ግን መልሲ ዘይረኸበት ሕቶ ኩዑሶ እግሪ ዓለምና ፔለ፣ ማራዶና ወይስ ናይዚ ዘመን ነጋውስ ሮናልዶ ወይስ መሲ መኖም ይበልጽ ? ብንጉስ ኩዑሶ እግሪ ዓለምና ተባሂሉ ዝስመ ብራዚላዊ ፔለ : ማርዶና ካብ መሲ ይበልጽ ክብል ዝሃቦ መልሲ ሕጂ ውን መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ይርከብ። ኮዋኽብቲ ክለብ ባርሳ ዝኾኑ ዛቭን ኢነስታን ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ዓለምና ካብ ዝተራእዩ መሲ ዝበለጸ እዩ ክብሉ ድሕሪ …

Read More »

ናይ ቤልጁምን እንግሊዝን ዜግነት ዘለዎም ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተፈሊጡ::

ናይ ቤልጁምን እንግሊዝን ዜግነት ዘለዎም ሰባት ናብ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ስቶክሆልም ብወገን እኩባት ደሴታት ሙስኮ ብዘይ ሕጋዊ ኣገባብ ኣቲኹም ብዝብል ጠርጠራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ተፈሊጡ። ሰራሕተኛ ቤት ጽሕፈት ኣኽባር ሕጊ ካሪን ሮዛሮንድ እቶም ሰብኡት ሕጊ ገዛእቲ ትሕተ ቅርጺ ብምጥሓስ ተጠርጢሮም ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተዉ ገሊጻ። እቶም ሰብኡት ቅድሚ ምትሓዞም ብተደጋጋሚ ናብ ሙስኮ ተምላሊሶም እዮም። በዚ ድማ ንክልተ ዓመት …

Read More »

ክልተ ተጻረርቲ ሰልፍታት የመን ንዝርርብ ኣብ ሃገረ ሽወደን ኣትዮም::

ኣልኮምፒስ -ስዊድን: ክልተ ዓበይቲ ሙዃኖም ዝንገረሎም ተቃውምቲ ሰልፍታት የመን ንዝርርብ ኣብ ከተማ እስቶኮልም ኣትዮም ከምዘሎዉ ማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ገሊጸን ። ሰሉስ 04 ታሕሳስ ምስ ወኪል ውዱብ ሃገራት ብሓንሳብ ኣብ ሽወደን ዝተረኽቡ ተቃወምቲ ሁቲ ድሮ ቦትኦም ከም ዝሓዙ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣረዲኡ ። ወግዓውያን ወከልቲ መንግስቲ የመን ኣብ ቀረባ መዓልታት ከምዝኣትዉ ዝገለጸ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ፡ ክልቲአን ውድባት ኣብ ዝተረኽብሉ …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ኣብ መሸጣ ዕጸፋርስ ክዋፍሩ ዝጸንሑ ጉጂለ ይሃድን ከም ዘሎ ተገሊጹ

ኣብ መሸጣ ዕጸፋርስ ስርሐዩ ኢሉ ተተሓሕዝዎ ዝርከብ፡ ናይ ገበነኛታት ዕሉል ጉጂለ ፡ ንብዙሓት ኣብ ትሕቲ ዕድመ ዝርከቡ ንእሽቱ መንእሰያት ስደተኛታት ብምውዳብ ግዳይ ይገብር ከም ዘሎ ፖሊስ ሽወደን ሓቢሮም ። ኣብ ኡፕሳላን ዩቶቦርን ዘጋጠመ ፈጽሚ ምርኩስ ብምግባር ጉዳ’ዩ ዘልዓለ ፖሊስ ሽወደን ፡ መብዛሕትኦም ደቂ ኣፍጋኒስታን ዝርከብዎ እልቢ ዘይብሎም መንእሰያት ግዳይ ይኾኑ ከምዘሎው ብተደጋጋሚ ዝገልጹ ዘሎዉ ። ብኑጹር ዝተታሕዘ ኣሃዛዊ ቁጸረይ ዘሰዓቦ …

Read More »

ዘተ ሰላም የመን ሓሙስ ኣብ ስዊድን ክጅመር እዩ::

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ዘተ ሰላም የመን ሓሙስ ክጅምር ምዃኑ ኣረጋጊጹ። እቲ ዘተ ካብ ስቶክሆልም ውጽእ ኢልካ ኣብ ዝርከብ ቤተመንግስቲ ዮሃንስበርግስ እዩ ክካየድ። ተወከልቲ ሑቲ ዝሓለፈ ሰሉስ ምስ ኣህጒራዊ ዓጃቢ የመን ማርቲን ግሪፊን ኣትዮም ኣለዉ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ማርጎት ዎልስትሮም ቅድሚ ምጅማር እቲ ዘተ ብዓወት ክዛዘም ዘለዋ ተስፋ ገሊጻ’ላ። “እዚ ዘተ ነዚ ኲናት ኣብ ምዝዛም ኣገዳሲ ስጒምቲ እዩ” ዝብል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com