Friday , May 3 2024

ዜና

ፊንላንድ ኣባል ምዃና ን ኔቶ ዓብዪ ረብሓ ምዃኑ ተገሊጹ

ፊንላንድ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ውድብ ውዕል ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ክትጽንበር ምውሳና ኣብ ፖሊሲ ወጻኢን ጸጥታን እታ ሃገር ርኡይ ለውጢ ከም ዘምጽእ ኣምባሳደር ፊንላንድ ኣብ ህንዲ ኪሞ ላህደቪርታ ገሊጹ። እዚ ስጉምቲ’ዚ፡ ፊንላንድ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዝኾነት ኣባል ሃገር ኔቶ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ከም መጥቃዕቲ ኣንጻር ኩሉ ዝቑጸር መሰረታዊ መትከል ሓባራዊ ምክልኻል ዘለዋ ተወፋይነት ዘጉልሕ ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ኣምባሳደር ላህደቪርታ ምስ ኤኤንኣይ ኣብ …

Read More »

SVT: መራሒ ጕጅለ ገበን ራዋ ማጂድ ኣብ ኢራን ተታሒዙ ተባሂሉ

መራሒ ሽወደናዊ ጕጅለ ገበን ራዋ ማጂድ ኣብ ኢራን ከም ዝተኣሰረ፥ ሓያሎ ነጻ ምንጭታት ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ተለቪዥን ሽወደን SVT ሓቢሩ። ፖሊስ ሽወደን፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ይኹኑ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ ክሳብ ሕጂ እቲ ሓበሬታ ቅኑዕ ምዃኑ ከረጋግጹን ከም ዘይከኣሉ፥ እንተኾነ ግና ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ንምርካብ ይሰርሑ ከምዘለዉን ገሊጾም ኣለዉ። 37 ዝዕድሜኡ መራሒ መርበብ ጒጅለ ገበን ፎክስትሮት ራዋ ማጂድ፥ ኣብ ሽወደን ንሱ ኣብ …

Read More »

ሕግታት ፍቓድ ስራሕ ብተቓወምቲ ውድባት ይንቀፍ–ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ግና ደገፉ ይህብ።

ብዘይካ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኲለን ካልኦት ተቓወምቲ ውድባት ሽወደን፥ ነቲ መንግስቲ ዘውጽኦ ፍቓድ ስራሕ ንምሕዳስ ዘዲ ዘድሊ ዝተሓተ ደሞዝ ከም ዝቃወማ ገሊጸን። ሰልፊታት ማእከልን ሓምለዋይ፡ እቲ ውሳነ ብፍላይ ንንግዳዊ ትካላት ሕማቕ ጽልዋ ዘለዎ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፥ ነቶም ኣብ ሽወደን ዘለዉ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት ዘይፍትሓዊ ምዃኑ ተሟጊቶም ኣለዉ። እዚ እናኾነ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ነቲ ወሰኽ ከም ዝድግፎ፡ እቲ መጠን ካብዚ ተወሲኑ ዘሎ እንተዝልዕል …

Read More »

ኣብ ፓሪስ ወራር ትዃን ስንባደ ይፈጥር፥ ኣብ ሽወደን ግና ምንካይ የርኢ

ኣብ ፓሪስ ኣብ መርበባት መጓዓዝያ ቱኻን ተራእዮም ዝብል ዜና ኣብ ተጓዓዝቲ ከቢድ ስንባደ ፈጢሩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ወራር ትዃን ኣብ ሽወደን እናነከየ ይኸይድ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ድሕሪ ምህዳእ ለበዳ ኮሮና ወራር ቱኻን ብዘፊሑ ክረአ ይኸውን እዩ ዝብል ስግኣታት እኳ እንተነበረ፥ እዚ ግና ከም ዘይተኸስተ ተቖጻጻሪ ባልዕ ኣንቲሲሜክስ ይገልጽ። “ወራር ባልዕ ቱኻን ኣብ ከባቢ 2019 ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ኔሩ” ይብል …

Read More »

ተቓወምቲ ውድባት ንምምሕዳራት ከተማ ዝያዳ ባጀት ክስላዕ ጸዊዖም

መንግስቲ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ባጀቱ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኣብዚ ሰሙን ተቓወምቲ ውድባት ሽወደን እማመ ክልሰ-ሓሳባዊ ባጀት ኣቕሪቦም። ኣብኢ ብተቓወምቲ ውድባት ቀሪቡ ዘሎ እማመ ክልሰሓሳባዊ ባጀት ሓደ ናይ ሓባርነገር እንተሎ፡ ኣብ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ዝያዳ ወፍሪ ክግበር ምሕታቶም፡ ከምኡ’ውን መንግስቲ ኣንጻር ገበን ጕጅለታት እኹል ስራሕ ኣይዓመመን ዝብል ነቐፌታን እዩ። ይኹን እምበር ሰልፊ ማእከላይ ኣብዚ ቁጠባዊ ፖሊሲ ካብ ምስታፍ ተቖጢቡ’ሎ።    

Read More »

ልዑል ሞያ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ፍቓድ ስራሕ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ክሳለጠሎም እዩ

ከም ኣካል ናይቲ መንግስቲ ልዑል ሞያ ኣብ ዘለዎም ሰራሕተኛታት ኢሚግሬሽን ዝሃቦ ፍሉይ ኣተኲሮ፡ ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ንገለ ኣመልከትቲ ብፍላይ እዚ መስርሕ ከቀላጥፎን ከቃልሎን ትእዛዝ ተዋሂብዎ’ሎ። ካብ ዝመጽእ ዓመት ወርሒ ጥሪ ኣትሒዙ፡ ላዕለዋይ ትምህርቲ ንዘድልዮም ስራሓት ዝቐርብ መመልከቲ ፍቓድ ስራሕ፡ ካብቶም ዝተረፉ ብቕጽበት ከም ዝፍለ ተጌሩ፡ እዚ መመልከቲ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ከም ዝሳለጥ ክግበር እዩ። “እዚ ንኻልኦት ጉዳያት ኣብ ዝግበር ኣታሕዛ …

Read More »

ሽልማት ኖቤል ሰላም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንእትርከብ ኢራናዊት ናርጊስ ተዋሂቡ

ሽልማት ኖቤል ሰላም 2023፥ ንኢራናዊት ናርጊስ መሓማዲ ተዋሂቡ። ናርጊስ “ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ኢራን ዝወርድ ጭቆና ኣብ ምቅዋም ከምኡ’ውን ኣንጻር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፥ ብሓፈሻ ኣብታ ሃገር ናጽነት ንምድንፋዕ ብዝገበረቶ ቃልሲ ነዚ ሽልማት ከም ዝበቕዐት ተገሊጹ’ሎ። ናርጊስ መሓመዲ ብምኽንያት እዚ ብመትከል እተካይዶ ቃልሲ፡ 13 ግዜ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ኮይና፡ ብድምር ን 31 ዓመታት ማእሰርትን 154 መግረፍቲን ከም እተፈርደት ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ይገልጽ። …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ 05-10-2023

Read More »

ኤጀንሲ ሚግሬሽን ንሕጊ መመልከቲ ስራሕ ፍቓድ ኣነጺሩ

ካብ ባሕቲ ሕዳር ጀሚሩ፡ ሓድሽ ደረት ደሞዝ ፍቓድ ስራሕ ኣብ ሽወደን ካብ ማእከላይ ደሞዝ 80% ክኸውን እዩ። እዚ ብስታቲስቲክስ ሽወደን ዝተገልጸ ወግዓዊ ማእከላይ ደሞዝ ኮይኑ፥ ነቶም ድሮ ቅጥዕታቶም ዝሰደዱን ውሳነ ዝጽበዩን ሓዊሱ ነዚ ክግንዘብዎ ኣገዳሲ እዩ ክብል ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ብኣጽንኦት ተላብዩ’ሎ። “እዚ ኤጀንሲ ሚግሬሽን ሽወደን፡ ኣብ ውልቃዊ ጉዳይ ውሳነታት ንምውሳድ፡ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ኣለዎ ኣብ ዝብል ዝምርኮስ ክኸውን የብሉን” …

Read More »

መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ SAS ሓድሽ ኮንሰርትዬም ዋንነት ይእውጅ

ዓብዪ ፋይናንሳዊ ጸገም ኣጓኒፍዎ ዘሎ መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ፡ ምስ ኤር ፍራንስ-ኬ ኤል ኤም፡ መንግስቲ ዴንማርክን ክልተ ናይ ወፍሪ ትካላትን ዝበዝሑ ሰብ ብርኪ ዝኾኑሉ ሓድሽ ኮንሶርትየም ዋንነት ኣዊጁ። መንገዲ ኣየር ስካንዲናቭያ ካብ ዝምስረት ንደሓር ንመጀመርታ ግዜ መንግስቲ ሽወደን ዝጸንሖ ክፋል ዋንነት ከብቅዕ እዩ ማለት እዩ። ወሃቢ ርእይቶ ቁጠባ ሬድዮ ሽወደን ክርስቲያን ኦስትሮም እዚ ስምምዕ ንህላወ እቲ መንገዲ ኣየር ኣድላዪ ምንባሩ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com