Monday , April 29 2024

ባህሊ

ሊጄይን ኣልሓጥሉል፡ ዝፎኸሰ ፍርዲ ክብየነላ ትጽቢት ትገብር

እታ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት ብቃለ-ፈጽሚ (parole) ካብ ቤት ማእሰርቲ ዝወጸት፡ ተጣባቒት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝኾነት ሱዑዳዊት፡ ሉጄይን ኣልሓጥሉል፡ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ክትቀርብ ምዃናን ዝፎኸሰ ፍርዲ ክብየነላ ትጽቢት ገይራ ከምዘላ ገሊጻ። ኣልሓጥሉል፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2018፡ ኣብታ ሓንቲ ካብተን ብዓብላልነት ደቂ ተባዕትዮ ዝፍለጣ ሃገራት ዝኾነት፡ ሱዑዲ ዓረብ፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ መኪና ንኽዝውራ መሰለን ክኽበረለን ኣለዎ ብምባል ምንቅስቓስ ድሕሪ ምጅማራ፡ ኣብ ቀይዲ …

Read More »

ስዊዘርላንድ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ገጽ ዝሽፍን መቕንዓት ምጥቃም ኣጊዳ

51.2% ካብቶም ድምጾም ዝሃቡ፡ ነዚ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት፡ ገጽ ዝሽፍን መቕንዓት ዘይሕጋዊ ዝገብር እማመ ደገፎም ሂቦም ኣለዉ ክብል ኣልጀዚራ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ። በዚ ድማ ብጸቢብ ዝበዝሐ ድምጺ እቲ እማመ ጸዲቑ’ሎ። ብርክት ዝበሉ ካልኦት፡ ነቲ እማመ ጽልኢ እስልምናን ደቀንስትዮን ዘበገሶ እዩ ክብሉ ተቓውሞኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም። ብኣሃዛት እንክቕመጥ 1,426,992 ነቲ እማመ ክድግፍዎ እንከለዉ 1,359,621 ድማ ተቓዊሞሞ እዮም። ካብቲ ክመርጽ ብቚዕ …

Read More »

ኢጣልያ… መዝገበ ቓላት፡ ጾታዊ ኣድልዎ ከወግድ ይሕተት።

100 ዝኾኑ ውሩያት ኢጣልያውያን ዜጋታት ናብ ትረቺያኒ መዝገበ ቓላት፡ ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ሰበይቲ ዝብል ቃል፡ ትርጒሙ ክቕየር ሓቲቶም ኣለዉ። እቲ ወፍሪ ከምኒ ፑታና (ኣመንዝራ) ዝበሉ ምስ ሰበይቲ ዝብል ቃል ተመሳሳሊ ትርጒም ተባሂሎም ዝኣተዉ ትርጒማት ክእለዩ ጸዊዑ’ሎ። ከምዚ ዓይነት ቃላት ንደቀንስትዮ ናብ ጾታዊ ኣቕሓ ብምቕያር ካብ ሰብኣውነት ዘነኣእሱ እዮም ብምባል ድማ ብትሪ ኰኒኖሞም ኣለዉ። ካብዞም ነዚ ደብዳበ ዝኸተሙ ህቡባት ሰባት፡ ኣክቲቪስትን …

Read More »

ሃገረ ዩክሬን፡ ንባህላዊ ጸብሒ፡ ብዩኔስኮ ተፈላጥነት ክወሃቦ ትጽዕር።

ሃገረ ዩክሬን፡ ትማሊ ዓርቢ ብ ኦንላይን ኣብ ዝፈነወቶ ናይ ምኽሻን በዓል፡ ነቲ ቦርሽ-ቢትሩት፡ ዝበሃል ዓይነት ባህላዊ መግቢ ብዩኔስኮ ተፈላጥነት ክወሃቦ ድርኺት ጌራ’ላ። እዚ ዓይነት መግቢ፡ ብዘይካ ኣብ ዩክሬን፡ ኣብ ሩስያ እውን ልሙድ ምዃኑን ብወገን ፖላንድ ድማ ባርዥ እናተባህለ ከም ዝጽዋዕ ይፍለጥ። ትካል ዕቃበ ዘይድህሰሱ ቅርስታት ው.ሕ.ሃ. ናይ ገለ ሃገራት ባህላዊ መግቢ ከም ቅርሲ ዓለም ኣፍልጦ ክህብ ከምዝጸንሐ ይግለጽ። ሚኒስተር ባህሊ …

Read More »

ደቀንስትዮ ደቡብ ኣፍሪቃ፥ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ ዘተባብዑ ባህልታት ይቋወማ

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ልዕሊ ዲጄ ፍሬሽ፡ ከምኡውን ዩፎኒክ ክሲታት ጾታዊ ዓመጽ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ጾታዊ ምድፋር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘስዕቦ ዘሎ ዕንወትን ንእኡ ዘሳሲ ዘሎ ባህልን ብዝምልከት ዘተ ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ፡ ሓንቲ ተቐማጢት ጆሃንስበርግ፡ ህቡባት ደቡብ ኣፍሪቃውያን ዲጄታት፡ ፍሪውሽን ዩፎኒክ፡ ኣብ ልዕሊኣን ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰለስተ ደቀንስትዮን ጾታዊ ዓመጽ ምፍጻሞም ክሲ ኣቕሪባ ከምዝነበረት ይዝከር። እቶም ዲጄታት፡ …

Read More »

ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት (Social)፡ ካብ ስርሑ ተባሪሩ

ኣብ ሓንቲ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፡ ሓደ ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ብሰንኪ ኣብ ወርሒ የካቲት ናይ ዓመተ 2021፡ ዝፈጸሞ በደል፡ ካብ ስርሑ ከምዝተባረረ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳር ከተማ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ሓላፊ፡ ኣባል ናይቶም ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝሰርሑ እኳ እንተዘይኮነ፡ ቀዳማይ ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19 ከምዝወሰደ ድሕሪ ምፍላጡ፡ እቲ ምምሕዳር ከተማ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓላፊ መርመራ ኣካይዱ፡ ካብ ስርሑ ናይ …

Read More »

ናይ ኢድ ሰላምታ፡ ስራሕ ኣብ መርካብ፡ ከም ቅድመ ኩነት ክኸውን እማመ ቀሪቡ

ኣብ ምምሕዳር ከተማ ትሬሌቦሪ፡ ዝርከብ ሰልፊ ስቬርያ ዴሞክራትና፡ ኣብቲ ምምሕዳር ከተማ ስራሕ ክረክብ ዝደሊ ሰብ፡ ናይ ግድን ናይ ኢድ ሰላምታ ክለዋወጥ ዝግድድ እማመ ኣቕሪቡ። እዚ ማለት ድማ፡ ዝኾነ ሰብ ብሃይማኖታዊ ይኹን ብባህላዊ ምኽንያት፡ ናይ ኢድ ሰላምታ ዘይለዋወጥ ሰብ፡ ስራሕ ንኸይረክብ ዝሕብር እዩ። እዚ ሓድሽ እማመ፡ ምስቲ ብቕዋም’ታ ሃገር ዝሕሎ ምኽባር ሃይማኖታዊ መሰላት ዝጻረር ብምዃኑ ብብዙሓት ሰልፍታት ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ተገሊጹ።   …

Read More »

ሃብቲመ ግና. . .

ሓቐኛ ዛንታ ብጸጋብርሃን ጎይትኦም ካልኣይን መወዳእታን ክፋል “ጓል ዓሰርተ ትሽዓተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣብ 1986 እዩ ዝኸውን ዘሎ። ልዕሊ ዓቐን ሰሪሐ ክህብትም ጥራይ’ዩ ዝረኣየኒ ነይሩ። ንሱ እናሓሰብኩ’የ ድማ ተጓዒዘ” ኣኽመስመሰት። “እሞ ሰሊጡኪ’ዶ?” ፍሽኽታኣ ብምዕዛብ – ተዓዊታ’ያ ዝብል ግምት ኣሕደርኩ። “ኣብ ሱዳን’ሞ ዋላ ሓደ ክሰልጠኒ ኣይክኣለን። ኮፍ ኢልካ ትውዕል – ኮፍ ኢልካ ትሓድር’ዩ ነገሩ። ብዘይ ስራሕ ከባቢ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ተኸላቢተ። …

Read More »

ስፖርታዊ ቅነን ስግኣታት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮናን

ስፖርታዊ ቅነ፡ እናቐረበ ኣብ ዝመጻሉ ዘሎ እዋን፡ ስግኣታት ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና፡ ብኡ መንጽር እናዓበየ ይመጽእ ምህላዉ ኣባል በዓል መዚ ጥዕና፡ ሳራ ቢፎሽ፡ ድሕሪ ምግላጽ፡ ምስ ብዙሓት ሰባት ምርኻብ ማለት፡ ንተኽእሎታት ለበዳ ምዕባይ ማለት እዩ ኢላ። ናብ ዝደለኻዮ ቦታ እንተ ገሽካ፡ ወይ ድማ ኣብ ዘለኻዮ ዓዲ እንተ ሃለኻ፡ ምስ ቀጻሊ ዘይትራኸቦም ሰባት ክትራኸብ ከምዘይብልካን መምርሒታት በዓል መዚ ጥዕና ክትኽተልን ከምዝግባእ ኣዘኻኺራ። …

Read More »

ሽወደናውያን መረጽቲ፡ ንጉዳይ “ውህደት” ከም ካልኣይ ኣገዳሲ ነጥቢ ይሰርዕዎ

ካብ ማእከል ኖቨስ ዝተረኽበ መጽናዕታዊ ሓበሬታ፡ ሽወደናውያን መንረጽቲ፡ ንጉዳያት ጥዕናን ክንክን ሽማግለታትን ቅድሚ ጉዳያት ኢሚግሬሽንን ውህደትን ብምስራዕ ብኣገዳስነቱ ኣብ ቀዳማይን ሓሙሻይን ደርጃታት ኣንቢሮሞ ምህላዎም ሓቢሩ። ጉዳያት ኢሚግሬሽንን ውህደትን፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ’ኳ እንተ ተሰርዑ፡ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ዝነበረ መጠን ተገዳስነት ብ6% ምቕናሱ እቲ መጽናዕቲ ገሊጹ። ክንክን ሽማግለታት፡ ኣገዳሲ ረቛሒ እናኾነ ይመጽእ ምህላዉ ዝሓበረ ጠቕላሊ ሓለቓ ኖቨስ፡ ካብቲ ኣብ ወርሒ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com