Friday , April 26 2024

ኩነታት ኣየር

ብዛዕባ ክሊማ ሽወደን መጠንቀቕታ ተዋሂቡ።

ሽወደን፡ ከምቲ ናይ 2018 ዝመስል ኲነታት ሳመር ከጋጥማ ይኽእል እዩ፡ ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮተበሪ ተመራማሪ ክሊማዊ ኲነታት ሃንስ ሊንደርሆልም ገሊጹ። ኣብዚ ሃሩርን ነቕጺ ዝመልኦን ሳመር፡ እታ ሃገር ባርዕ ጫካ ከም ዘጋጠማን፡ መጠን ዕቚር ማይ ድማ ብምንቊልቋሉ ግርሁ ምሕራሮምን ዝፍለጥ እዩ። ነቕጺ ዝመልኦ ኲነታት ጽድያ፡ ንሽወደን ናብ ካልእ ጫፍ ዝኸደ ሃሩር ሳመር ከቃልዓ ይኽእል እዩ፡ ክብል ሊንደርሆልም መጠንቀቕታኡ ኣመሓላሊፉ’ሎ።

Read More »

ኣብ ኖርወይ ዝሕል ዝበለ ክሊማ ክህሉ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ።

ኣብ ዝበዝሐ ቦታታት ኖርወይ፡ ሃሩርን ጸሓይን ዝመልአን መዓልታት ተወዲአን፡ ሕጂ ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዝሕል ዝበለ ክሊማ ክስዕብ እዩ ዝብል ትንቢት ምህላዉ ተገሊጹ። “ኣብዚ ሰሙን ዛሕሊ ክወርድ እዩ። ሰሜን ስታድ ግና፡ ምዝሓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ባህርያት ወቕቲ ዊንተር እውን ከርኢ እዩ” ክብል yr.no ናይ ትዊተር መልእኽቲ ሰዲዱ’ሎ። እዚ ዝሑል ኲነታት ኣየር፡ ንገለ ግዜያት ክጸንሕ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኖርወይ፡ …

Read More »

ትካል ሜትሮሎጂ ኖርወይ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ።

ትካል ሜትሮሎጂ ኖርውይ ኣብ ናንፍየላ ኣብ ልዕሊ ሃርዳንገርቪዳን ኤያንን ውርጪ ኣበርቲዑ ይነፍስ አሎ ዝብል መተሓሳሰቢ ድሕሪ ምውጽኡ፡ እዚ ምጽቕቓጥ ትራፊክ ክፈጥር ከም ዝኽእል ብምሕሳብ ምምሕዳር ህዝባዊ ጎደናታት ኖርወይ ብጫ መጠንቀቕታ ምውጽኡ ተገሊጹ። “ቀትሪ ብዙሕ ትራፊክ ክህሉ እዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎና፡ ስለዚ ድማ ሰብ ተሽከርከርቲ ነቲ ኲነታት ኣየር ክትዳለዉን ብጥንቃቐ ክትዝውሩን ነተሓሳስብ” ክብል ኣብ ምምሕዳር ህዝባዊ ጎደናታት ኖርወይ ኦፐሬተር ትራፊክ ማግኑስ ኒልሰን ን ጋዜጣ …

Read More »

ብሰንኪ ውርጪ ሽግር ትራፊክ ተኸሲቱ።

ብሰንኪ ሎሚ ንግሆ ዝወደቐ ከቢድ ውርጪ ኣብ ማእከላይ ሽወደን ናይ ትራፊክ ዕልቕልቕ ክኽሰት፡ ከምኡውን ኣውቶቡሳትንባቡራትን ጒዕዞአን ክስርዛ ምኽንይት ምዃኑ ተገሊጹ። ብዘይካዚ ኣብ ጽርግያ ተሽከርከርቲ ናይ ትራፊክ ጻዕቂ ከም እተኸስተ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ውርጪ ንሰሜን ወገን ይንቀሳቐስ ምህላዉ ዝገለጸት ሬድዮ ሽወደን ሰብ ተሽከርከርቲ ዘድሊ ጥንቃቐታት ክገብሩ ኣተሓሳሲባ’ላ። ኣብ ዞባ ኡሬቦ ብርክት ዝበላ ዓበይቲ መካይን ብሰንኪ በረድ ተንሸራቲተን ካብ ቀንዲ ጽርግያ ከም ዘንደልሃጻ እታ ማዕከን …

Read More »

ክሊማዊ ለውጢ ኣቓልቦ ዝደሊ ብድሆ እዩ ተባሂሉ።

ብዛዕባ ምልዋጥ ክሊማ ዓለምና ተግባራዊ ስጒምቲ እንወስደሉ፡ ዋዒ ዓለምና ናብ ቅድሚ ኢንዱስትርያዊ ደረጃ ማለት 1.5° C ክውሰን እንገብረሉ ግዜ ሕጂ እዩ ክብል ውድብ ሕቡራት ኣገራት ኣፍሊጡ። ኣህጒራዊ ዘተ ክሊማዊ ለውጢ ዝተባህለ ኮሚተ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ንምግታእ ዋዒ ዓለምና ኣመልኪቱ ጸብጻብ ምቕራቡ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ’ላ። ኣብ ዓለምና ሕጂ ዘሎ ኣታሕዛ ጸዓት እንድሕሪ ዘይተቐዪሩ መጻኢና ኣዝዩ ኣሻቓሊ ክኸውን እዩ ክብል ዋና …

Read More »

ሰደድ ሃብቲ ዓሳ ኖርወይ ገዚፍ ዕቤት ኣርእዩ ተባሂሉ። 

ምስ ናይ ዓመተ 2021 እንክወዳደር ናይ ሎሚ ዓመት ሰደድ ሃብቲ ዓሳ ኖርወይ ዓብዪ ወሰኽ ምምዝጋቡ ጸብጻብ ርብዓዊ ዓመት ኣመልኪቱ።.  ሰደድ ሃብቲ ዓሳ ኖርወይ ከም ናይ ሎም ዓመት ጌሩ ዓብዩ ከም ዘይፈልጥ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ ኣብ ወርሓት ጥሪ ለካቲትን መጋቢትን ኖርወይ ካብዚ ሰደድ ናይ 34 ቢልዮን ክሮና ኣታዊ ምርካባ ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ። እዚ ምስ ዓሚ ኣብ ተመሳሳሊ ኣዋርሕ ዝተረኽበ ናይ 6.2 ቢልዮን …

Read More »

ብሰንኪ መንደራጋሕ በረድ ዓቕሚ ሆስፒታላት ሰሜን ኖርወይ ጸቕጢ ከም ዝበጽሖ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰንኪ ሓደጋታት መንደራጋሕ በረድ ዓቕሚ ሆስፒታላት ሰሜን ኖርወይ ጸቕጢ ከም ዝበጽሖ ተሌቪዥን TV 2 ኣቃሊሓ።  “ኣገልግሎት ቱሪዝም ንምሃብ ናብዚ ዝመጹ ውልቀሰባት ረኺብና ዘድሊ ሓበሬታ ክንህቦምን የድልየና ኣሎ” ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሆስፒታል ሰሜን ኖርወይ ዋና ሓኪም ማድስ ጂልበርት ነታ ተሌቪዥን ገሊጹ’ሎ። ሓደጋ መንደራጋሕ በረድ ንምውጋድ እዚ ክግበር ናይ ግድን እዩ ምብሉ እታ ተሌቪዥን ወሲኻ ኣመልኪታ።  “ብሰንኪዚ ሓደጋ ስርሒታት …

Read More »

ሃገራት ምፍናው ካርቦን ንምውጋድ ዝከኣአን ክገብራ ጻውዒት ቀሪቡ። 

ሰብ ዝጠንቁ ክሊማዊ ለውጢ ዓለምና ክኽሰት ቀሪቡ ምህላዉ ኣብ ጒዳይ ክሊማ ዘተኰረ በይነ መንግስታዊ ፓነል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ሻዱሻይ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ። ኣብ ጒዳይ ክሊማ ዓለምና ዋና ኣዛታዪ ሽወደናዊ ማትያስ ፍሩምየር ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መተሓሳሰቢ ኲለን ሃገራት ምፍናው ካርቦን ንምውጋድ ዝከኣአን ዘበለ ክገብራ ኣለወን ኢሉ’ሎ። ብዘይካዚ ሃገራት ኣብ ምጒዳል ምፍናው ካርቦን ጥራይ ከይተደረታ ን ካርቦን ካብ ከባቢ ኣየር …

Read More »

ሃገራት ምፍናው ካርቦን ንምውጋድ ዝከኣአን ክገብራ ጻውዒት ቀሪቡ። 

10ሰብ ዝጠንቁ ክሊማዊ ለውጢ ዓለምና ክኽሰት ቀሪቡ ምህላዉ ኣብ ጒዳይ ክሊማ ዘተኰረ በይነ መንግስታዊ ፓነል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ሻዱሻይ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ። ኣብ ጒዳይ ክሊማ ዓለምና ዋና ኣዛታዪ ሽወደናዊ ማትያስ ፍሩምየር ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መተሓሳሰቢ ኲለን ሃገራት ምፍናው ካርቦን ንምውጋድ ዝከኣአን ዘበለ ክገብራ ኣለወን ኢሉ’ሎ። ብዘይካዚ ሃገራት ኣብ ምጒዳል ምፍናው ካርቦን ጥራይ ከይተደረታ ን ካርቦን ካብ ከባቢ ኣየር …

Read More »

ክሊማዊ ሸቶ ሽወደን ዕላማኡ ክወቅዕ ከም ዝቐረበ ተገሊጹ። 

ሽወደን ክሊማዊ ሸቶኣ ንምውቃዕ ካብ ዓሚ ብዝሓሸ ተቓሪባ ምህላዋ ኤጀንሲ ምክልኻል ኣከባቢ ኣመልኪቱ። ኣብቲ ኢጀንሲ ተንታኒት ክሊማ ሳራ ኣልምክቪስ ምስ ዓሚ ብምውድዳር ኣብዚ ጒዳይ ጽቡቕ ገስጋስ ከም እተራእየ ንሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ።  ዓሚ ዝነበረ ትንበያ ኣብ 2045 ሽወደን ናብ ኣየር ኣትፍንዎ መጠን ክርቦን ናብ 38 ሚልዮን ቶን ክጐድል እዩ ተባሂሉ እኳ ተገሚቱ እንተነበረ ናይ ሎሚ ዓመት መጠን ፈነወ ኣዝዩ ብምጒዳል ናብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com