Friday , May 3 2024

ዜና

ሃገረ ጀርመን፡ ኣብ ዶባት ዝካይድ ምቁጽጻር ተትርር

ናብ ሃገረ ጀርመን ዝኣትዉ በጻሕቲ፡ ኣሉታዊ ውጽኢት ኮቪድ-19፡ ዝሓዙ ምዃኖም ንምርግጋጽ ተባሂሉ፡ እታ ሃገር፡ ንኣብ ዶባታ ዝካየዱ ምክትታላት ከም ዘትረረት፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉድያት፡ ሆርስት ሲሆቨር (Horst Seehofer) ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ። ካብ ፖላንድ፡ ፈረንሳይ፡ ዴኒማርክ ይኹን ካብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዝመጹ በጻሕቲ ብዘይ ኣፋላላይ፡ ኣብ ዶባት ዝካይድ ምቁጽጻር ዝምልከቶም ምዃኑ ፡ ሲሆቨር፡ ብምውሳኽ ገሊጹ። እቲ ኣብ …

Read More »

ናብ ሃገረ ጣልያን ዝኣትዉ ገያሾ፡ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ውሸባ ክገብሩ ተሓቢሩ

ናብ ሃገረ ጣልያን ዝኣትዉ ገያሾ፡ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ውሸባ ክገብሩ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ ሓቢሩ። እዚ መምርሒ፡ ንዜጋታት ዓዲ ጣልያን ውን ዝምልከት ምዃኑ እቲ ሚኒስትሪ ምሕባሩ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ክሳብ ክንደይ ግዜ ክጸንሕ ምዃኑ ግን ኣይተፈልጠን ክብል ሚኒስተር ጥዕና ጣልያን፡ ሮቤርቶ ስፔራንዛ፡ ገሊጹ። ካብ …

Read More »

Harmony Media News 29/03/2021

Read More »

ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ፡ ንፍርያቱ ዝኾነ ክታበት፡ ሓድሽ መለለይ ስም ገይርሉ

ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት፡ ብቫክዘቭርያ ዝብል መለለይ ስም ከምተዋህቦ፡ እቲ ኩባንያ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት፡ ሓድሽ መለለይ ስም ምርካቡ፡ ካብቲ ብስም ክታበት ኣስትራ ዘነካ ዝፍለጥ ዝነበረ ዝኾነ ዓይነት ለውጢ ከምዘይብሉ በዓል መዚ ውጽኢት መድሃኒት ሽወደን ሓቢሩ።

Read More »

ማናቱ ጉጅለ ጀድዎርድ፡ ጸጉሪ ርእሶም ንወፈያ ካንሰር ይላጽዩ

ኣየርላንዳውያን ማናቱ ደረፍቲ ጀድዎርድ፡ ንዝኽሪ መዋቲት ወላዲቶም ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት፡ ጸጒሮም ንሓገዝ ምክልኻል ሕማም ካንሰር ክውዕል ላጽዮም ኣረኪቦም ኣለዉ። ማናቱ ጆንን ኤድዋርድን ዘካየድዎ ምርኢት ብቐጥታ ብ ተሌቪዥን ኣየርላንድ ከም እተመሓላለፈ እውን ተፈሊጡ። ጸጒርና በዚ ቊንጮ ቅዲ ካብ እንሰርሖ ዓሰርተ ዓመት ጌርና ኣሎና። ዳርጋ ሕላገትና እዩ ኮይኑ” ክብል ኤድዋርድ ምስ ሌት ሌት ሾው ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ’ሎ። ሓዉ ቅድሚኡ ክላጸ ዝረኣየ …

Read More »

ኣብ ቬስትራ ጎትላንድ፡ መልከፍቲ ኮሮና ይውስኽ

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ 79 ሰባት፡ ናብ ሆስፒታል ብምእታዎም፡  መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ብናህሪ ይውስኽ ከምዘሎ በዓል መዚ ጥዕና ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሆስፒታል ዝእለዩ ዝነበሩ ሕሙማት ኮሮና፡ 288፡ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ቀዳመ ሰንበት፡ እቲ ቁጽሪ፡ ብ27% ብምውሳኹ ናብ 367 ክብ ምባሉ ይፍለጥ። ሆስፒታላት፡ ከዕለቕልቓን መጠን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ምዕባዩን ኣብ …

Read More »

ላሪ ማክሙርትሪ፡ ኣብ መበል 86 ዓመቱ፡ ዓሪፉ

ውሩይ ኣመሪካዊ ጸሓፊ ፊልምን ደራሲ ዓበይቲ ልበወለዳትን፡ ላሪ ማክሙርትሪ፡ ኣብ መበል 86 ዓመቱ ትማሊ ቀዳም ዓሪፉ። ላሪ፡ በተን ላስት ፒክቸር ሾው ን ተርምስ ኦቭ ኢንዲርመንት ዝተባህላ ሽልማት ኦስካር ዝረኸባ ፊልምታት፡ ዝና ዝረኸበ ደራሲ እዩ። ላሪ፡ ኣብ 1936 ኣብ ቴክሳስ ተወሊዱ። ኣብ 2005 ምስ ብሮክባክ ማውንትን ብሓባር ብዝደረሳ፡ሎንሳም ዴቭ፡ ዝተባህለት ናይ ፊልም ጽሕፍቲ ሽልማት ኦስካር ወሲዱ እዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ሆርስማንን ደሓር ብ …

Read More »

እነሓጎ ባራክ ኦባማ ኣብ ኬንያ ዓሪፈን

ሳራ ኦባማ፡ እነሓጎኡ ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር፡ ባራክ ኦባማ፡ ኣብ ሆስፒታል ክእለያ ድሕሪ ምጽናሕ ከም ዝዓረፋ ዜናታት ውሽጢ ሃገር ኬንያ ሓቢረን። እነሕጎ ባራክ ኦባማ፡ ሎሚ ሰኑይ፡ ኣብታ ምዕራባዊት ከተማ ኪሲሙ እትርከብ ሆስፒታል ጃራሞጊ ኦጊንጋ ኦዲንጋ ዓሪፈን ኣለዋ ክትብል ጓለን ንጋዜጣ ዴይሊ ኔሽን ገሊጻ’ላ። ስድራቤት መዋቲት፡ ሎሚ ሰኑይ ስርዓተ ቀብረን ንምፍጻም ኣብ ምሽብሻብ ምህላወን ከኣ ተሓቢሩ። ኦባማ፡ ዓባየይ ሳራ፡ እናበለ ብፍቕሪ ይጽውዐን …

Read More »

መንግስቲ ሱዳንን ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን–ሰሜንን ንዘተ ሰላም መንገዲ ዝጸርግ ስምምዕ ይኽትሙ።

መንግስቲ ሱዳንን ብዓብዱልዓዚዝ ኣልሒሉ ዝምራሕ ዕጡቕ ተቓዋሚ ጒጅለ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን–ሰሜንን ሓደ ካብተን ምስቲ ኣብ 2019 ዝቖመ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ስምምዕ ሰላም ክኽትማ ተዳልየን ዘለዋ ዕጡቓት ጒጅለታት እዩ። እዚ ትማል ሰንበት ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሱዳን–ጁባ እተዳለወ “ኣዋጅ መትከላት” ኲሎም ሰራዊታት ዝወሃሃዱሉን ሱዳን ናብ ዓለማዊት (ሴኩላር) መንግስቲ እትሰጋገረሉን ኣገባባት ክዝቲ እዩ። ሰብ ዝደለዮ ሃይማኖት ክኽተል፣ እዚ መሰል ክሕለወሉ፥ እታ …

Read More »

ፋሽታ. . . ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኣቋሪጹ

ሎሚ ሰኑይ፡ ናይ ንግሆ፡ ኣብ ፋሽታ፡ ስቶክሆሎም፡ ዝርከቡ 3000 ዝኾኑ ህንጻታት፡ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከም ዘቋረጸን ናይዚ ምቁራጽ ምኽንያት ድማ ብሰንኪ እቲ 10 ሽሕ ቮልት ዘመሓላልፍ ነሓስ ዝዓይነቱ ናይ ኤሌክትሪክ ስልኪ (ገመድ) ብሰረቕቲ ተቖሪጹ ተወሲዱ ክኸውን ከምዝኽእል ናይቲ ከባቢ ዜናዊት ጋዜጣ ሚት (Mitt) ሓቢራ ክብል፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ። ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ፡ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ክጅምር ትጽቢት ይግበር።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com