Sunday , May 12 2024

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክሮና

ሰራሕተኛታት ካሮሊንስካ ኮሮና ቫይረስ እናሃለዎም እውን ምስራሕ ይቕጽሉ ኣለዉ ተባሂሉ።

ንጹር ምልክታት ኮሮና ዘየርእዩ ሰራሕተኛታት ክሰርሑ ይሕተቱ ምህላዎም ውሽጣዊ ሰነዳት ሆስፒታል ካቶሎንስካ ብምጥቃስ SVT ሓቢሩ። እዚ ሰነድ ናብ ሰራሕተኛታት ሆስፒታል ከም እተላእከን ከም ኣካል ናይቲ መጽናዕቲ ድማ ሳምፕላት ከም እተወስደሎም ተገሊጹ። እቲ ሕማም ከም ዘለዎም እተነግሮም ሰራሕተኛታት ናብ ቤቶም ክምለሱን እቶም ምልክታት ድሕሪ ምቕሃሞም ተመሊሶም ክሰርሑ ይሕበሩ ምህላዎምእቲ ሰነድ ኣቃሊዑ’ሎ። ስሞም ክጥቀስ ዘይደለዩ ሰራሕተኛታት እዚ ስጒምቲ ” ፍጹም ተቐባልነት ዘይብሉ …

Read More »

በዓልመዚ ጥዕና ስቶክሆልም ሽማግለታት ንምክልኻል ንጹር መምርሒ ይጠልብ።

ሰብመዚ ከተማ ስቶክሆልም ሽማግለታት ንምክልኻል ንጹር ናይ ሕጊ መምርሒ ከም ዘድልዮ ንበዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሓቲቱ። ለበዳ ኮሮና ምስቲ ዝነበሮ ብምንጽጻር ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቕነ ዘገምታ ምርኣዩ ተፈሊጡ’ሎ። “እዞም ሰብመዚ ንጹር ሓበሬታ ክቕርቡ ዘይምኽኣሎም ዓቢ ጒድለት እዩ” ክብል ከንቲባ እታ ከተማ ኣና ገርልመር ሎሚ ንኣገልግሎት ዜና TT ሓቢራ። በዓልመዚ ጥዕና ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሽማግለታት ማስክ ክወድዩ ከም ዘለዎም ድማ …

Read More »

መንግስቲ ብ ኣገባብ ኣመራምራ ኮቪድ-19 ከምዘይዓገበ ገሊጹ።

መንግስቲ ኣብ ዞባታት ዝካየድ ዘሎ መርመራ ኮቪድ-19ን ዝኸዶ ዘሎ ፍጥነትን ዘገምተኛ ብምዃኑ እቲ ፍጥነት ክውስኽ ይግባእ ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሌና ሃሊንገር ምልባዋ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ሃሊንግረን ሎሚ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሎሚ 29 ሽሕ መርመራ ምክያዶምን እዚ ድማ ምስቲ ዝድለ ዝወሓደ ምዃኑን ሓቢራ’ላ። መንግስቲን በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕናን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኣብ መፋርቕ ግንቦት ኣብ ሰሙን ልዕሊ 100ሽሕ ሰባት …

Read More »

ፍልስፍና ኣብ እዋን ኮቪድ-19።

ፈላስፋታት ብግብሪ ኣብ ቅድመ ግንባር ምምካት ለበዳ ኮሮና ተሰሊፎም ከይረኣዩና ይኽእሉ እዮም፥ ይዂን’ምበር ዝጻወትዎ ኣገዳሲ ተራ ኣለዎም። ኣብ እዋን ጸበባ ፍልስፍና ገለ እትብሎ ነገር ይህልዋ እዩ። ለበዳ ኮሮና ንዓለምና ኣጨኒቕዋ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ብፍላይ ጥበብ ፍልስፍና” ስቶይሲዝም” ዝያዳ ኣገዳስነት ረኺቡ’ሎ። ” ካብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝኾኑ ነገራት እንከጋጥመካ ምጭናቕ ኣቋርጽ” ዝብል ኣባህላ ሰነካ እታ ልምድቲ መትከል እያ። ሃይማኖተኛታት ብወገኖም ” ኦ …

Read More »

ኣብ ትሕቲ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝእለዩ ሰባት ቁጽሮም ይጎድል።

ቅልውላው ኮሮና ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ 1672 ሰባት ኣብ ትሕቲ ኣሃዱ ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ተኣልዩም። ኣብዚ ሕጂ እዋን ግን ንፈለማ ግዜ 481 ሰባት ጥራይ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣሃዱ ይእለዩ ከምዘለዉ ኣብ ምምሕዳር እቲ ኣሃዱ ሓላፊት ህጹጽ ረዲኤት ዝኾነት ታሃ ኣሌክሰንደርሾን ሓቢራ። ዝርገሐ ለበዳ ናይ ምጭባጥ ምልክት የርኢ’ኳ እንተሃለወ እቲ ቅልውላው ግን ኣይተወደአን። እቶም ኣብ ኣሃዱ ጽዑቕ ምክትታል ተሪፎም ዘለዉ ሰባት ውን …

Read More »

ሰልፊ ሰንተር ንኣረጋውያን ዚምልከት ንጹር መምርሒ ይደልዩ።

ሰልፊ ሰንተር፡ ኣረጋውያን ከመይ ገይሮም ኮሮና ከይለኸፎምም ምስ ቤተሰቦምን ብጾቶምንኪራኸቡ ከም ዚኽእሉ መምርሒ ኪህብ ነቲ ወኪል ህዝባዊ ክንክን ጥዕና ኪሓቶ ሙዃኑ ይሕብር። ምክትል ሓላፊ ሰንተር ፓርቲ ኣንደሽ ዮንሶን ንራድዮ ሽወደን ከም ዝበሎ፡ እቲ ማሕበራዊ በይናውነት ንኣረጋውያን ካልእ ዘይተደልየ ሕማማት ከስዕበሎም ይኽእል እዩ።ንሱ ነቶም 70ን ካብኡ ንላዕሊ ዝዕድመኦም ሰባት ኣብ ግዜ ለበዳ ዘካይዱዎ ማሕበራዊ ርክባት ብዚምልከት፡ ንጹር መምርሒታት ኪወሃቦ ይደሊ፡ ይብል።

Read More »

መንግስቲን መሻርኽቲ ሰልፊታትን ናይ 15 ቢልዮን ክሮነር ሓድሽ እማመ ኣቕሪቦም።

ካብቶም ብዙሓት በዚ እማመ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ዝተኸስተ ልዑል መጠን ሽቕለት ኣልቦነትን ካሕሳኡን ክኾኑ እዮም። ” ብመሰረት እዚ እማመ ፋይናንሳዊ ሓገዝ ዝግበረሎም ሰባት እናበዝሑ እዮም ክኸዱ” ክብል ሚኒስተር ፋይናንስ ሚኒስተር ማግዳሊን ኣንደርሰን። እዚ ወሰኽ ካብ 760 ክሳብ 1000 ክሮና ኣብ መዓልቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ተመልኪቱ። እዚ ወሰኽ ግዜያዊ ኰይኑ ካብ ሰነ 2020 ክሳብ ጥሪ 2021 ክጸንሕ እዩ። ናይ መጸበዪ …

Read More »

ስቶክሆልም ተራ ሽማግለታት ብምዕዛዝ ምልባዕ ለበዳ ኮሮና ኣብ ምዕጋት ተዓዊታ ተባሂሉ።

ዋና ኣማኻሪ ሕማማት ለበዳ ኣንደርስ ቲግኔል ኣብ ኣባይቲ ሽማግለታት ዝኽሰት ምልባዕ ለበዳ ብምግታእ ዝወሰደቶ ስጒምቲ ከም ኣብነት ክውሰድ ዝግብኦ እዩ ኢሉ። ” ብፍላይ ድማ መሰረታዊ ጽሬትን ኣሰራርሓ ምምካንን በቲ ዝድለ መጠን እናሰራሕናሉ ክንቅጽል ኢና” ክብል ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብሪሁ’ሎ። ሕጂ ኣብ ኣባይቲ ሽማግለታት ስቶክሆልም ዘሎ ዝወሓደ መጠን ለበዳ ናይዚ ዝተወስደ ስጒምቲ ኣዎንታዊ ውጽኢት እዩ ድማ ኢሉ። ዳይረክተር ኣውራጃዊን ቆንስል …

Read More »

ኣብ ስቶክሆልም ወርቂ ክብሪ ዋጋ የርኢ።

ኲነታቶም ከውሕሱ ዝንቀሳሳቐሱ ዘለዉ ኣውፈርቲ ዋጋ ወርቂ ንዝሓለፈ ሸውዓተ ዓመታት ተራእዩ ናብ ዘይፈልጦ ወሰኽ ዋጋ ከርኢ ምግባሮም ተፈሊጡ። ወርቂ ከም ህያብ ምግዛእ ልሙድ ምስ ምዃኑ ኣብ ሳመር ዝህሉ መርዓን ናይ መመረቕታ ስነስርዓትን ናብ ወሰኽ ዋጋ ወርቂ ክወስዱ ምዃኖም ገለ ኣመታት እኳ እንተነበረ ምስ ምምጻእ ቅልውላው ኮሮናን ፍርሂ ምንቊልቋል ባጤራን ግና እዚ ወሰኽ ናብ ዝለዓለ ጠር በጺሑ ይርከብ ኣሎ ተባሂሉ።

Read More »

ናይ ሽወደን ዕዳጋ ስራሕ፡ ኣብ ታሪኹ እቲ ኣዚዩ ዝጸንከረ ቀውሲ የጋጥሞ።

ሚኒስተር ዕዮ ኤቫ ኖርድማርክ፡ ኣብ ሽወደን ብዝሒ ስራሕ ኣልቦነትን ምድስካልን ኣጸጋጋሚ ኩነታት ፈጢሩ ከም ዘሎ ገሊጻ። ኣብዚ ግዚ እቲ ቤትጽሕፈት ዕዮ ካብ መጋቢት 1 ጀሚሩ ተወሰኽቲ 122,000 ስራሕ-ኣልቦ ከም ዝመዝገበ ሓቢሩ።  “እቲ ድስከላ ኣብ ወርሒ መጋቢት 42,000 ነይሩ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ 268000፡ እዚ ድማ ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ ትብል ኖርድማርክ። ኣብ 1992 እቲ ዝለዓለ 22,000 እዩ ነሩ። ኣብዚ ግዜ እዚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com