Saturday , May 4 2024

ውህደት

ምስትንታን ጭንቀት ከምዘፋዅስ ተገሊጹ

ንገዛእ ርእስኻ ኣብ ቅልል ዝበለ ኣስተንትኖ ምስታፍ፡ ምልክታት ጭንቀትን ሻቕሎትን ከምዘጕድል ሓዲሽ መጽናዕቲ ኣረዲኡ። ብመሰረት ሓበሬታ ናይቲ መጽናዕቲ፡ መዓልታዊ ንዓሰርተ ደቒቕ ኣስተንትኖ ምግባር ንዝነበረካ ጭንቀት ኣዝዩ ከምዘጕድሎ’ዩ ተገሊጹ ዘሎ። ናይ ምጭናቕ ጸገማት ክበሃል ከሎ፡ ብተደጋጋሚ ዝርአ ምስልቻውን ሻቕሎትን ከምኡ ድማ፡ ብብዝሒ ዘጋጥሙ መሰረት ዘይብሎም ሓሳባትን ብዛዕባ መጻኢ ፍርሒን ከምዘጠቓልል ክኢላታት ይገልጹ። ነቲ መጽናዕቲ ዘካየዱ ካናዳውያን ተመራመርቲ፡ ኣብ ሂወት ሓደ ካብ …

Read More »

ወይቦ ኣብ ህጻናት

ኣብ ግዜ ጥንሲ ዕሸላት ኣብ ኣካላቶም ብብዝሒ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ይርከቦም። እቶም ዝበዝሑ ክፋል ናይዞም ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም እቲ ህጻን ውልድ ምስ በለ ኣድላይነት ኣይህልዎምን። ስለዚ ድማ እቶም ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ተሰባቢሮም ካብ ጥቕሚ ውጻኢ ክኾኑ ኣለዎም። እዞም ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ምስ ተሰባበሩ ቢሊሩቢን (bilirubine) ዝበሃል ንጥረ ነገር ይፍጠር። ጸላም ከብዲ ድማ ነዚ ቢሊሩቢን ዝበሃል ንጥረ ንገር ካብ ኣካላት ናይቲ …

Read More »

ሕጊ ስድራን ጕዳያት መጕዚትነትን

ከም መዕበያ: መንበሪ ገዛን ምውሳእን ኣብ ዝኣመሰሉ ጕዳያት: ጥቕሚ ቈልዓ ቀዳምነት ኪወሃቦ ይግባእ። ንዕድመን ብስለትን ኣብ ግንት ብምእታው: ኵሉሳዕ ንድላይ ቈልዓ ሓልዮት ኪግበሮ ይግባእ። ንጥቕሚ ቈልዓ ዘርብሕ እንተኾይኑ: እቲ ዕላማ ሓባራዊ መጕዚትነት ኪኸውን ኣለዎ። መጕዚትነት ቈልዓ መጕዚትነት ቈልዓ ማለት እቶም ኣለይቲ፡ ዝበዝሕ ግዜ ወለዲ፡ ኣብቱ ቈልዓ ሕጋዊ ሓላፍነት ኣለዎም ማለት’ዩ። ቈልዓ ክትኣሊ መሰልን ግቡእን ምህላው ማለት’ዩ። ብመሰረት ሕጊ ቈልዑ ክሳብ …

Read More »

ፍርሂ ዓይኒ-ሰብ

ፍርሂ ዓይኒ-ሰብ ሓደ ካብ ዓይነታት ፍርሂ ወዲ ሰብ ኢዩ። እዚ ዓይነት ፍርሂ ኣብ ቃልዕ ቦታ ዘጋጥም ፍርሂ ኰይኑ ዝተወሳሰበ ኣሉታዊ ኵነት ኣእምሮ ዝፈጥር ክስተት ኢዩ። ካብቲ ኣብ ቃልዕ ቦታ ዘጋጥም ፍርሂ ዓይነት ሰብ – . ኣብ ናይ ህዝቢ መጓዓዝያ  . ንጋሻ ሰብ ሰላም ኣብ እትብለ . ኣብ ዕዳጋ  ሓደ ሰብ ብሕማም ፍርሂ ዓይኒ-ሰብ ኣብ ኣዝዩ ወጣሪ ኵነት እንተኣትዩ መብዛሕትኡ ግዜ …

Read More »

ጥቕምታት ጥረታት

ጥረታት ምምጋብ መወዳእታ ዘይርከቦ ጥዕናዊ ረብሓታት ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ ጥረታት ትሑት ዓቐን ስብሒ፡ ምንጪ ፕሮቲን፡ ኣኻል ታርፍ ጽሕጎ፡ ቪታሚናትን ማዕድናትን ብብዝሒ ይርከቡ። ብመንጽር ዋጋ እንተመጺእና እውን ኣመና ሕሱራት’ዮም። ስለዚ ጥረታት ምስ ፍረታትን ኣሕምልትን ካብ’ቶም ንመዓልቲ 5 ግዜ ክብልዑ ዘለዎም መግብታት ይሰራዕ። ጥረታት ዝበሃሉ ባልደንጓ፡ ዓተር፡ ኣዳጉራ፡ ዓይኒ ዓተር፡ ብርስንን ፋጆሊን የጠቓልል። ጥረታት ንምንታይ ንበልዕ? ጥረታት ቀንዲ ምንጪ ፕሮቲን’ዮም። እዚ ነቶም …

Read More »

ዓመታዊ ኣታዊታት ናይ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ሽወደን ክንደይ እዩ?

ኣታዊታት ደቂ ተባዕትዮ ምስ ኣታዊታት ደቂ ኣንስትዮ ዝዛየደ ምዃኑ ሓድሽ ስታቲካዊ ጸብጻብ ሓቢሩ። እዚ ናይ ኣታዊታት ጋግ በብእዋኑ ኣናጸበበን ካብ ምምሕዳር ናብ ምምሕዳር ዝተፈላለየን እዩ። ዝሓለፈ ዓመት ገምጋም ኣታዊታት ደቂ ኣንስትዮ 77% ካብቲ ጠቕላላ ድምር ኣታዊታት ደቂ ተባዕትዮ ከምዝነበረን እዚ ቁጽሪ’ዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዓመተ 1999 ዝነበረ ናይ 72% ብውሑድ ከም ዝወሰኸ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ስታቲስቲክስ ሓቢሩ። ዝሓለፈ ዓመት ጠቕላላ …

Read More »

ብዘዐባ ማህተማ ጋንዲ

ማህተማ ጋንዲ፡ ቀንዲ ስሙ ሞሃንዳብ ካራምቻንድ ጋንዲ እዩ። ማህተማ ጋንዲ፡ ኣብታ ንኽብሩ ተባሂላ ብ “ራኪንድራናዝ ታጎረ” ዝተደርሰት ፊልም እዩ፡ “ማህተማ” ማለት “ዓቢ መንፈስ” ዝብል ስም ዝተዋህበ። ጋንዲ፡ ኣብ ህንዲ ብ “ባፑ” ማለት ኣቦ ዝብል ስም እዩ ዝፍለጥ። ማህተማ ጋንዲ፡ ብ2 ጥቅምቲ 1869 ኣብ ወደባት ከተማ ፓርባንዳር – ኣብዚ ሕጂ እዋን ብ ጉጃራት ትፍለጥ ከተማ ህንዲ ተወሊዱ። ኣብ ግንቦት 1883፡ ወዲ …

Read More »

ወልፊ ንመደቀሲ ዝውሰድ መድሃኒታት

– ሓደ ሰብ ናይ ድቃስ ጸገማት ምስ ዘህልዎ:ሓኪም መደቀሲ ካኒና ክእዝዘሉ ይኽል:: እዚ መድሃኒት ድማ ንዝተወሰነ መዓልታት ይውሰድ:: – እዚ መደቀሲ መድሃኒት ንነዊሕ ግዜ ምስ ዝጥቀመሉ: ነብሱ ይወሃሃዶ እሞ እቲ ንቡር ዓቀን ኣይጠቅሞን:: ስለዚ ንክሰርሓሉ (ንክድቅስ) ብዙሕ ካኒና ክወስድ የድልዮ:: በዚ ድማ ኣብቲ መድሃኒት ውሉፍ ይኸውን:: – እቲ ዝበኣሰ ጸገም ድማ ብዝሒ ምጥቃም መድሃኒት ዘምጽኦ ጎናዊ ሳዕቤናት(ተወሰኽቲ ሕማማት) እዩ:: እቶም …

Read More »

ክንክን ቆልዑ (Barnomsorg)

ኣብ ኲላተን ኮምዩናት፡ በቲ ኮምዩን ዝምእከል ኣገልግሎት ክንክን ቆልዑ ኣሎ። ብውድባት ወይ ብማሕበራት ዝካየድ፣ ናጻ ወይ ብሕታዊ ክንክን ቆልዑ’ውን ኣሎ። ካብ 1-5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት፣ ናብ መውዓሊ ህጻናት ወይ ስድራቤታዊ መጽንሒ ህጻናት ክኸዱ መሰል ኣሎዎም። ኣናደይቲ ስራሕ ወይ’ውን ናይ ወላዲ ዕረፍቲ ወሲድኩም ኮፍ ዝበልኩም ምስ እትኾኑ፡ ካብቲ ሒዝኩሞ የዕሪፍኩምሉ ዘለኹም ህጻን ዝዓቢ ወይ ዝዓብዩ ደቅኹም፡ ኣብ መዓልቲሰለስተ ሰዓታት፡ ማለት ኣብ …

Read More »

ፐርሾንበቪስ..ወረቐት መንነት

ፐርሾንበቪስ፡ ማለት ውልቃዊ መለለዪ ሰነድ (Personbevis) ውልቃዊ መለለዪ ሰነድ፡ ማለት ፐርሹን በቪስ፡ (personbevis)፡ ብዓል መዚ ግብሪ፡ ብዛዕባኹም መዝጊቡዎ ዝርከብ ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ንኣብነት፡ ስም፡ ኣድራሻን ኩነተ መርዓን ዝብል ዝሓዘ ሰነድ እዩ። እዚ ሰነድ’ዚ ንኣብነት ፍቓድ መዘወሪ ማኪና ከተውጽኡ እንከለኹም የድልየኩም። ፐርሹንበቪስ፡ ማለት ውልቃዊ መለለዪ ሰነድ ግን፡ ከም ታሴራ ወይ መረጋገጺ መንነት ከገልግል ከምዘይክእል ምስትውዓል ኣገዳሲ እዩ። ውልቃዊ መለለዪ ሰነድ፡ ማለት ፐርሹን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com