Wednesday , May 1 2024

ገበን

ሽወደን ዜጋታታ ካብ ዩክሬይን ክወጹ ጸዊዓ።

ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ዜጋታቱ ካብ ዩክሬይን ክወጹ ጸዊዑ። ኤምባሲ ሽወደን ኣብ ኪዬቭ ሽወደናውያን ብህጹጽ ካብታ ሃገር ክወጹ ሓጺር መልእኽቲ ከመሓላልፍ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ኣብ ዩክሬይን ካብ 200-300 ዝኾኑ ዜጋታት ሽወደን ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ኤምባሲ ሽወደን ኣብ ኪዬቭ ይሕብር። ኣብ ዩክሬይን ብሰንኪ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ሚኒስትሪ ጒዳያት ወጻኢ እውን ዜጋታቱ ካብታ ሃገር ክወጹ ብሰንበት መጠንቀቕታ ምትሕልላፉ ኖርዌይ ቱደይ ጸብጺቡ።

Read More »

ንገበነኛታት ንምስጓጒ ዘኽእል እማመ ቀሪቡ።

  ዜጋታት ሽወደን ዘይኮኑን ብገበኖም ዝተፈርዱን ሰባት ብቐሊሉ ንምስጋጒ ዘኽእል እማመ ብመንግስቲ ቀሪቡ። ሚኒስተር ምውህሃድን ስደትን ኣንድረ ይገማን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መገለጺ እዚ እማመ ኣብ ክንዲ በዚ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ናይ ሓደ ዓመት ገበን ን 6 ወርሒ እውን እተፈርዱ ዘይሽወደናውያን ገበነኛታት ካብታ ሃገር ንኽስጐጒ ዓቕሚ ዝህብ ክኸውን እዩ። ብፍላይ ከም ኣብ ልዕሊ ቆልዑ ዝወርድ በደል ዝመሰሉ ገበናት ንምስጓጒ እኹላት …

Read More »

ክልተ ኣዋልድ ድሕሪ ስርቂ ቤት ትምህርቲ መሰኻኽር ኪዀና ይድለያ፣

ብዛዕባ እቲ ኣብ ቨስተሮስ እተገብረ ዘረፋ ቤት ትምህርቲ ዝተጀመረ መርመራ ይቕጽል ኣብ ዘሎወሉ እዋን፣  ፖሊስ ዝያዳ መሰኻኽር የናድዩ ኣለዉ ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ካብቶም ጥርጡራት ገበነኛታት ሓደ፣ ብመደየቢ ሊፍት እንዳተጠቀመ እንከሎ ክልተ ተማሃሮ ኣዋልድ ምስኡ ይጐዓዛ ስለዝነበራ፣፣ እተን ኣዋልድ ብገበን ምፍጻም ዘይጥርጠራ ኮይነን፣ የግዳስ ንምስክርነት ይደልያ ከምዘሎዋ ተገሊጹ። ፖሊስ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈነዉ ናበይ ከም ዝኸዱ ዝረኣዩ መሰኻኽር ንምርካብ ጻዕሪ የካይድ …

Read More »

ሃገረ ታይላንድ ዕጸ – ፋርስ ብወግዒ ንምፍቃድ ትቀራረብ

ሃገረ ታይላን ነቲ ብማሪዋናን ካናቢስን ዝፈለጡ መደንዘዚ ዕጸፋርስ ሕጋዊ ዝርግሐ ንኽህልዎ ዝድንግግ ሕጊ ወግዓዊ ንምግባሩ ብዙሕ ስድጉምቲ ንቕድሚ ከይዳ ከምዘላ ሰበ ስልጣን ጥዕና እታ ሃገር ሓቢሮም ክብል ኣገግሎት ዜና ተተ ይሕብር። ሚኒስተር ህዝባዊ ጥዕና ኣኑቲን ቻርኒቪራኩል ካናቢስ እተፈላለየ ሕክምናዊ ረብሓታት ኣለዎ ካብ ካልእ ኣትክልትን ከኣ እተፈልየ ኣይኰነን ህዝቢ ታይላንድ ካብ ሕክምናውን ቍጠባውን ረብሓታት ንኽረኽቡ ድማ ዝከኣለና ዅሉ ንገብር ኢና" በለ። …

Read More »

ብዓሌታዊ ጽልኢ ዝጠንቁ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ተፈሪድዎ። 

ኣብ ላንድቨተር ሓደ ወዲ 5 ዓመት ሰብኣይ ንሓደ ወዲ 30 ዓመት ብተኹሲ ብረት ዝፈጸመሉ መጥቃዕቲ ብናይ ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን ማእሰርቲ ክቕጻዕ ከምዝተወሰነ ተሓቢሩ።  እቲ ተኳሳይ ዋላ እኳ ብጌጋ ተኩሱ ንግዳይ ከምዝሃረሞ እንተተኣመነ፣ ኣብ እዋን ፍጻሜ ግዳይ ተሃሪሙ ኣብ ዝወደቐሉ እዋን ስለምንታይ ኢሎም ንዝሓተተዎ መቕርብ ናይቲ ብጥይት ዝተሃሰየ ግዳይ፣ ብሕብሮምን ዓሌቶምን ከምዝዘሎፎምን ዘዋረዶምን ብምስክርነት ከምዝተረጋገጸ ነቲ ጉዳይ ዝሓዘ ኣኽባር ሕጊ ኣፍሊጡ።  …

Read More »

ኣብ ከተማ ቦረስ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሞያታ ተረኺባ። 

ኣብ ከተማ ቦረስ ኣብ ሓደ መንበሪ ገዛ ሓንቲ ሰበይቲ ሞይታ ከምዝተረኽበትን፣ ፖሊስ ንኣማዉታ እታ ግዳይ ኢደሰብ ኣሎዎ ብዝብል ጥርጠራ፣ ንሓደ 55 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ብምእታዉ ይምርምሮ ከምዘሎ ተፈሊጡ።  ብመሰረት መግለጺ ፖሊስ እቲ ጥርጡር ብመሰረት ኣብ ኣካላት መዋቲት ብዝተረኽበ መጉዳእቲ ብዝታሓሓዝ ስለዝተጠርጠረ ብትእዛዝ ኣኽባር ሕጊ ኣብ መርመራ ክጸንሕ ከምዝተገብረ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ምኽንያትን ዝርዝራዊ ሓበሬታ ብዛዕባ እቲ ፍጸመ ሓበሬታ …

Read More »

ሓምላይ ሰልፊ ሽወደን ንመርገጺ ሕሉፋት የማናዉያን ይቃወም።

ኣብ ሽወደን ዘሎዉ የማናዉያን ሰልፍታት ክርስትያናዊ ደሞክራሲ፣ ሞደራት፣ ከምኡ እዉን ሽወደናዊ ደሞክራሲ፣ ፖሊስ ሽወደን ተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ምክትታል ገበንን ገበነኛታትን ተወሳኺ ስልጣን ናይ ምክትታል፣ ምፍታሽን ካልኦት ስጉምትታት ዝህብ ሕጊ ክህሉ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ኣብ ገለ ገለ ዞባታትን ከባብን ፈሊኻ ናይ ምፍታሽ ስልጣን ክዋሃቦ ዝብል ርይቶ እቶም ሰልፍታት፣ ዓሌታዊ ኣድልዎ ዘሎዎ ጽያፍ ተግባር እዩ ክብል ሰልፊ ሓምላይ ኮኒንዎ ኣሎ።  እዚ ኣብ …

Read More »

ጀርመን … ኣብ ዞባ ኩስል: ክልተ ፖሊስ ተቐቲሎም  

ኣብ ምዕራባዊ ጀርመን ክልተ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ልሙድ ናይ ትራፊክ ፈተሻ እናሃለዉ ከም እተቐትሉ ተገሊጹ። እዞም 24 ከምኡውን 29 ዓመት ዝዕድሜኦም ኣባላት ፖሊስ ኣብታ ኣብ ዶብ ፈረንሳ እትርከብ ራይንላንድ-ፓላቲኔት ወረዳ ኩሰል ሓንቲ መኪና ደው እናበሉ እዮም ተቐቲሎም። ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ጎደና ዕጹው ምዃኑን ሰብመካይን ተጐራበትቲ ክማልኡን ዝኽልክል ሕጊ ከም ዘለዎም ዝፍለጥ ኮይኑ ዛጊት ሓደ ጥርጡር ዕጡቕ ምንባሩ ሓበሬታ ምርካቦም ፖሊስ …

Read More »

ኮንጎ ንቀተልቲ ክኢላታት UN: ብሞት ፈሪዳ

ኮንጎ: ነቶም ኣብ ቅትለት ክኢላታት UN ኢድ ኔርዎም ብዝብል እተኸሱ ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ኣባላት ሚሊሻ: ብሞት ፈሪዳ። ዜጋ ሽወደንን ቺሊን ዝኾነት ዛይዳ ካታላን ከምኡውን ኣመሪካዊ ሚካኤል ሻርፕ ኣብ 2017 ኣብ ዞባ ካሳይ እናዓየዪ ተጨውዮም ከም እተቐትሉ እዩ ዝግለጽ። እዞም ክኢላታት: ኣብ መንጎ መንግስቲን ዕጡቓትን ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናት ኣብቲ ከባቢ ኣለዉ ዝበሃሉ ጅምላዊ መቓብራት ኣብ ምምርማር እናሃለዉ እዮም ተቐቲሎም። ብዘይካዚ ኣብ ስራሕ …

Read More »

ብስም ዞባ; ናይ ሓሶት ደብዳቤታት ተላኢኹ

ኣብዚ ሰሙን ዚ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ዝምልከት ግጉይ ሓበሬታ ዝሓዘ ደብዳቤታት እንተወሓደ ናብ ሓደ ኣብ ሸለፍቲዮ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ ከም ዝተላእከ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መራኸቢ ብዙሃን ጸብጺቡ፡፡ ዋላ `ኳ እቲ ለኣኺ ካብ ዞባ ቨስተርቦተን እንተመሰለ፡ ሓሶት ምዃኑ ግን ተረጋጊጹ እዩ ክብል እቲ ማዕከን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ እቲ ብግልጺ ናብ ናይ`ቲ ከባቢ ርእሰ-መማህራንን ናይ ቤት-ትምህርቲ ኣለይቲ ሕሙማትን ብናይ`ቲ ዞባ ናይ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com