Monday , April 29 2024

ገበን

ኣብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ፡ ብዘጋጠመ ነትጒ፡ 3 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም

እቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ሄልሲንቦሪ ዘጋጠመ ነትጒ ዘስዓቦ ሓያል ዕንወት፡ ልዕሊ 4 ዓመታት ኣቑጺሩ ከምዘሎ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምስ’ዚ መጥቃዕቲ ብዝተተሓሓዘ ኢድ ኣለዎም ብዝብል ጥርጣረታት፡ 3 ሰባት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለው ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም ሰለስተ ሰባት፡ ደቂ 23፡ 26ን ኮምኡ ድማ 32 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኮይኖም፡ ቅሉዕ ህዝባዊ ዕንወት ፈጺምኩም ብዝብል ከምኡ …

Read More »

ጊስሌይን ማክስዌል፡ ክሳ ዳግማይ ክረአ ሓቲታ

ብጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሳ ዝጸንሐት ጊስሌይን ማክስዌል ድሕሪ ፍርዳ ሳምንታት ጸኒሓ ጒዳያ ዳግማይ ክረአ ብዕሊ ምሕታታ BBC ሓቢራ። 60 ዝዕድሜኣ ጊስሌይን ናብ መዋቲ ኣመሪካዊ በዓል ሃብቲ ነበር፡ ጀፍሪ ኤፕስቴይን፡ መናእሰያት ደቀንስትዮ፡ ንጾታዊ ዓመጽ ትድልል ኔራ ብዝብል እያ ተኸሲሳ። ጊስሌን ብዝፈጸመቶ ገበን ክሳብ 65 ዓመታት ማእሰርቲ ክጽበያ ይኽእል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ሓደ ናይ ሕጊ ሰብ ናይ ባዕሉ ተመኲሮ ጾታዊ ዓመጽ ተጠቒሙ ንነባሮ ቤት …

Read More »

ግብጺ . . . ብሞት ባሳንት ኻልድ እተጠርጠሩ ክልተ ሰባት: ተታሒዞም

ሓንቲ ግብጻዊት መንእሰይ ብሰንኪ ብዲጂታላዊ ስእሊታት ዝመጻ ምፍርራህ: ነፍሰ ቕትለት ድሕሪ ምፍጻማ: ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ተገሊጹ። 17 ዓመት ዝዕድሜኣ: ባሳንት ኻልድ: ካብ ሓደ መንእሰይ ዝቐረበላ ናይ ፍቕሪ ሕቶ ብምንጻጋ ብዲጂታላዊ ኣገባብ እተሰንዐ ስእሊታት ብቐጻሊ ይስደደላ ምንባሩን በዚ ተበሳጭያ ነፍሰ ቕትለት ምፍጻማን ሓብታ ን ማዕከናት ዜና ግብጺ ገሊጻ’ላ። እዞም ስእሊታት: ብፍላይ ብመሓዙታ ምስ ተራእየ ብከኒና ንነብሳ መሪዛ ህይወታ …

Read More »

ሰራሕተኛ ቅድመ-ትምህርቲ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ ፈጺሙ

ካብ ከተማ ስቶክሆልም ብሸነኽ ምዕራብ ኣብ እትርከብ ምምሕዳር ከተማ ኤኬሮ (Ekerö) ኣብ ዝርከብ ቅድመ-ትምህርቲ፡ ዝሰርሕ ዝነበረ ሓደ ሰብኣይ፡ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ትማሃር ዕሸል ቆልዓ ጾታዊ ምትንኻፋት ብምፍጻሙ ን 1.5 ዓመት ማእሰርቲ ከምዝተፈረደ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። መርመራ ናይ ፖሊስ ምስ ጀመረ፡ እቲ ሰብኣይ ካብ ስርሑ ክእለ ከም ዝተገብረን፡ ንሱ ግና ነቶም ክሲታት ከምዝነጸጎምን ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። …

Read More »

ምብራቕ ቲሞር … ሓደ ቀሺ: ህጻን ብምድፋር ተኸሲሱ

ኣብ ምብራቕ ቲሞር ሪቻርድ ዳሽባኽ ዝተባህለ ኣመሪካዊ ቀሺ ኣብ ትሕቲ ሓላፍነቱ ዝነበራ ዘኻትም ህጻናት ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻሙ ን 12 ዓመታት ማእሰርቲ ከም እተፈርደ ኣልጀዚራ ሓቢራ። ዝበዝሐ ካብ ህዝባ ተኸታሊ እምነት ካቶሊክ ዝኾነ ምብራቕ ቲሞር ን 84 ዓመት ዝዕድሜኡ ቀሺ ብ ምኽንያት ጾታዊ ምድፋር ክትከስስን ናብ ቤት ፍርዲ ክትወስድን እዚ ንፈለማ ግዜኣ ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ 1990ታት ን ዘኽታማት ዝኸውን መዕቆቢ ዝሃነጸ …

Read More »

ብርክት ዝበሉ ሽወደናውያን፡ ዝተተምየነ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት፡ ሒዞም ተረኺቦም

ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልታት፡ ብርክት ዝበሉ ሸወደናውያን፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኮፐንሃገን፡ ዝተተምየነ ናይ ኮቪድ ፓስፖርት ሒዞም ከምዝተረኽቡ ተፈሊጡ። ፖሊስ ኮፐንሃገን፡ እዞም ሰባት እዚኦም ብትምየና ተጠርጢሮም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ይርከቡ ኣለዉ ክብል ንማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ ከምዘሎ ተገሊጹ። ብሰሉስ መዓልቲ፡ 4 ሰባት፡ ብቕድሚ ኣብ ዝነበረ መዓልቲ ድማ 5 ሰባት ብተመሳሳሊ ምኽንያት ኣብ ትሕቲ ከምዝኣተዉ ይዝከር፡፡ ካብዚኦም ድማ ክልተ ስድራ ቤታት ምስ …

Read More »

ክልተ ኣባላት ፖሊስ፡ ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ብምሃቦም፡ ተኸሲሶም

ክልተ ኣብ ምምሕዳር ስኮነ ዝርከቡ ኣባላት ፖሊስ፡ ንሓደ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም፡ እቲ ሰብ ብቅትለት ከምዘፈራርሆም ዝብል ሓበሬታ ኣብቲ ጸብጻቦም ኣስፊሮም። ድሒሩ ብተቖጻጸርቲ ካሜራ (surveillance camera) ከም ዝተረጋገጸ፡ እዞም ኣባላት ፖሊስ፡ ነቲ ብቕትለት ምፍርራህ ዝበልዎ ዛንታ ባዕላቶም ከምዝሰረሕዎን፡ ክልቲኦም፡ ብዘይቅኑዕ ሓበሬታ ምሃብ፡ ዘይግቡእ ቀይዲ፡ መጥቃዕቲ፡ ዜቤታዊ ዓመጽን ስርሰራ ኮምፕዩተርን ተኸሲሶም ከምዘለዉ ጋዜጣታት HD ን ሲድስቨንስካን ገሊጸን ክብል ማዕከን …

Read More »

ናይጀርያ . . . ኣብ ሓደ መስጊድ፡ 16 ሰባት ተቐቲሎም

ኣብ ናይጀርያ፡ ክልል ኒጀር፡ ኣብ መስጊድ ኣብ ሰግደት ዝነበሩ 16 ሰባት፡ ብዕጡቓት ከም እተቐትሉ ቢቢሲ ሓቢራ። ብርክት ዝበሉ ካልኦት እውን ኣብ ገጠር በዓረ ከባቢ ማሸጉ ብተመሳሳሊ መጥቃዕቲ፡ መቚሰልቲ ከም ዝበጽሖም ተፈሊጡ። እዞም ዕጡቓት ብረቡዕ እዮም ኣብ ናይ ወጋሕታ ሰግደት ተዂሲ ብምኽፋት ነዞም ሰባት ቀቲሎም ክብል ኣመሓዳሪ ክልል ኒጀር፡ ኣሕመድ ኢብራሂም ማናተ፡ ንቢቢሲ ሓቢሩ። እዞም ሞቶርሳይክል ዝዝውሩ ዕጡቓት እናሃደሙ ኣብ ጎደና …

Read More »

ኣብ ቕትለት ጅማል ኻሾጊ፡ ኢድ ኔርዎ ዝተባህለ ዝጥርጡር ሰብ ተታሒዙ

ኣብ ቕትለት ስዑዳዊ ጋዜጠኛ ጀማል ኻሾጊ ኢድ ኔርዎ ተባሂሉ ዝጥርጠር ሰብ ኣብ ፈረንሳ ከም እተታሕዘ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጾም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኻልድ ዔድ ኣልጠይቢ ዝተባህለ ሱዑዳዊ ዜጋ፡ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ቻርለስ ደ ጎል ፓሪስ እዩ ትማል ሰሉስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ክብሉ ምንጪታት ፖሊስ ሓቢሮም። ብቱርኪ ካብ ዝህደኑ ዘለዉ 26 ስዑዳውያን ሓደ ምዃኑ እኳ እንተተገልጸ፡ ስዑዳውያን ሰብመዚ …

Read More »

ብቅትለት ማልኮም ኤክስ ገበነኛታት ኮይኖም ዝተፈረዱ ክልተ ሰባት፡ ካብ ገበኖም ነጻ ተባሂሎም

ቅትለት ናይቲ ውሩይ ተጣባቓይ ሲቪላዊ መሰላት፡ ማልኮም ኤክስ፡ ልዕሊ 50 ዓመታት ኣቑጺሩ እኳ እንተሃለወ፡ ኣብቲ ሽዑ እዋን ብቕለቱ ገበነኛታት ኮይኖም ዝተፈርዱ ክልተ ጸለምቲ ኣሜሪካውያን ኣስላም፡ ነቲ ገበን ከምዘይፈጸምዎን፡ ካብቲ ገበን ነጻ ምዃኖምን ቤት ፍርዲ ማንሃታን፡ ኒው ዮርክ፡ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቶም መሓመድ ዓዚዝን ኣብ ቀረባ እዋን ዝሞተ ኸሊል ኢስላምን ዝተባህሉ ክልተ ሰባት፡ ነቲ ፍጻሜ ከምዘይወዓልዎን፡ ኣብቲ ሽዑ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com