Monday , May 13 2024

ዜና

ኣብ ዝጠሓለት ጃልባ M/S ኢስቶንያ ሓድሽ መርመራ ክካየድ እዩ

ን ዝጠሓለት ጃልባ ተጓዓዝቲ ኢም/ኤስ ኢስቶንያ ዝድህስስ ሓድሽ ዳህሳስ ስካን ኣብ ውሽጢ መዓልታት ክካየድ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኩነታት ኣየር እንተፈቒዱ፡ እቲ መርመራ ሶናር፡ ካብታ ጃልባ ዝወደቐ ነገራት ክድህስስ ክፍትን እዩ። እታ ጃልባ ቅድሚ ምጥሓላ ዝነበራ ናይ መርዳእታ ደቓይቕ ምሉእ ስእሊ ንምግባር ጻዕርታት ክካየድ እዩ። ሰብመዚ ሽወደንን ኢስቶንያን ነቲ ካብ እትጥሕል 30 ዝገበረት ጃልባ ኣመልኪቶም ኣብ ታሕተዋይ ባሕሪ …

Read More »

ሓተትቲ ዕቚባ “ቅንዕና ዝመልኦ ህይወት” ክነብሩ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣመሓደርቲ ውድባትን እንተላይ ሰልፊ ደሞክራሲ ሽወደን ሓተትቲ ዑቕባን ካልኦት ወጻእተኛታትን ኣብ ሽወደን ናይ ምጽናሕ መሰሎም ብዝመርሕዎ ኣገባብ ህይወት ክሰን ከም ዝደልዩ ገሊጾም። ኣብ ሽወደን ዕቚባ ዝሃተቱ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ዑቕባ ንኽወሃቦም ወይ መንበሪ ፍቓድ ንኽሕዙ “ቅንዕና ዝመልኦ ናብራ” ክመርሑ እዞም ሰልፍታት ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። ነዚ ዘማልእ ረቛሒታት እንታይ እንታይ እዩ ኣብ ዝብል ሕቶ ሓድሽ መንግስታዊ መርመራ ክግበር ምዃኑ ሬድዮ ሸወደን ወሲኻ …

Read More »

ብዛዕባ ውሳነ ወለድ ማእከላይ ባንክ ሽወደን ዘይርጉጽነት ይነግስ

ጽባሕ ሓሙስ ማእከላይ ባንክ ሽወደን “ሪክስባንክ” ኣብ ዝሓለፉ 18 ኣዋርሕ ካብ ዜሮ ናብ 4.0% ዝዓረገ ዋና ወለድ ዝምልከት ናይ መወዳእታ ውሳነኡ ከፍልጥ እዩ። ገለ ክኢላታት ስነ-ቑጠባ ተወሳኺ ናይ 0.25% ወሰኽ ክህሉ እዩ ዝብል ግምቶም ኣቐሚጦም ኣለዉ። ገለ ድማ እቲ ናይ መወዳእታ ጥርዚ ወሰኽ ስለዝተበጽሐ ዝኾነ ወሰኽ ኣይክህሉን እዩ ክብሉ ተሟጊቶም ኣለዉ።

Read More »

ውልቃዊ ሓገዝ ዝህባ ኩባንያታት ዓሎቕ ምክያድ ይቕጽላ ኣለዋ ተባሂሉ

ዋላ’ኳ ፍቓድ ንግዶም እንተተሰረዘ፡ ስንክልና ስራሕ ንዘለዎም ሰባት ውልቃዊ ሓገዝ ኣብ ምሃብ ዝሰርሓ ሓያሎ ኩባንያታት፡ ንገዛእ ርእስን ‘ምምሕዳር’ ኩባንያታት ኢለን ብምጽዋዕ ፡ ብዝተፈለየ ጉልባብ ስርሐን ቀጺለን ምህላአን ኣገልጎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ሓደ ብ ኣገልግሎት ዚና ሬድዮ ሽወደን ዝተራእየ ጉዳይ ከም ዘመልክቶ፡ ሓደ ህጹጽ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዝተጠቕሰ ዓሚል፡ ኣብቲ ዝተጠቕሰሉ እዋን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምንባሩ ከም ኣብነት ተላዒሉ’ሎ። “ነዚ ንምእራም …

Read More »

ዶብ ኖርወይ ምስ ሩስያ ክዕጾ ይኽእል’ዩ።

ሚኒስተር ፍትሒ ኖርወይ ኤሚሊ ኤንገር ሜህል፡ ኣብ ጫፍ ሰሜን ዝርከብ ዶብ ሩስያ ክትዓጽዎ ድልውቲ ምዃና ገሊጻ። “ነቲ ኩነታት ብቐረባ ንከታተሎ ኣለና፡ ከምኡ ምግባር ኣድላዪ ኮይኑ እንተተራእዩና ድማ ነቲ ዶብ ኣብ ሓጺር ግዜ ክንዓጽዎ ንኽእል ኢና” ክትብል ሜህል ንቢሮ ዜና ኤንቲቢ ገሊጻ። ሜህል ፊንላንድ ካብተን ትሽዓተ መሳገሪ ዶባት ሩስያ ኣርባዕቲአን ክትዓጽወን ዝወሰነት ብዘይተለምደ ኣገባብ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ናብ ፊንላንድ ድሕሪ ምእታዎምን …

Read More »

ሓምላይ ሰልፊ ሓድሽ መራሒ መሪጹ፡፡

ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ኦረብሮ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰልፊ፡ ሓምላይ ሰልፊ ንዳንኤል ሄልደን ሓድሽ ሓባራዊ መራሒኡ ገይሩ መሪጽዎ። ንመወዳድርቱ ማግኑስ ፒ ዋህሊን ብሓንቲ ድምጺ ጥራይ ( 131 ን 130) ብምርታዕ እዩ ተመሪጹ ዘሎ ። ዳኒኤል ሄልዴን፡ እቲ ሰልፊ ብዝያዳ ብግልጺ ኣብ ፖሊሲታት ክሊማን ከባብን ከተኩር ከምዝደሊ ይገልጽ። እቲ ውዑይ ናይ መሪሕነት ጎስጓስ፡ ከምኡ’ውን ምቅርራብ ናይቲ ድምጺ ኣብ ግምት ብምእታው፥ እቲ …

Read More »

ካብቶም ዝናኽሱ ኣኽላባት ናይ ባህሪ መርመራ ዝግበረሎም ዝወሓዱ እዮም ተባሂሉ

ኣብ ሽወደን ንሰባት ወይ እንስሳታት ዝናኸሱ ኣኽላባት ኣመልኪቱ ዝግበር ገምጋማት ባህሪ እዞም እንስሳ ዘቤት ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ተፈሊጡ። ብዘይካዚ ፖሊስ ከምዚኦም ኦኣይነት ኣኽላባት ክሰኑ ዝህብዎ ለበዋታት ከም ዘይትግበር ተሓቢሩ። ”ተናኸስቲ ኣኽላባት” ኣብ ዝብል ተኸታታሊ መደባት ሬድዮ ሽወደን ፒ 1 ዝተሳተፉ ክኢላታት ነዚ ርእይቶ ኣጣሊሎም ኣለዉ። ብሰንኪ ስእነት ግቡእ ክንክን ናብ ቤተ ክንክን ዝኣትዉን ሰብ ወይ እንስሳ ዝነኽሱ ኣኽላባት ብፖሊስ ናይ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ስልማት ልደት መዓስ ይጀመር?

ኣብ ሽወደን ን በዓል ልደት ኣመልኪቱ ዝግበር ምስላም መዓስ ክጅመር ኣለዎ ኣብ ዝብል ኣብ ሰባት ፍልልይ ምህላዉ ተገሊጹ። ብያታ ኣብ ሽወደን ስልማት ልደት ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ታሕሳስ ማለት ቅድሚ ልደት ኣርባዕተ ሰናብቲ ኣትሒዙ ዝጅምር ኮይኑ፡ ገለ ሰባት ግን ኣዝዮም ኣቐዲሞም ገዝኦም ብባህላዊ መብራህቲ ከስልሙን ናይ በዓል ሃዋሁ ክፈጥሩን ከም ዝመርጹ ሬድዮ ሽወደን ተዓዚባ። ካብዚ ሓሊፎም ገሊኦም ን ወርሒ ሕዳር ከም …

Read More »

ድጎማ ዝግበረሎም ዕዮታት ዘሎ ምቊጽጻር ልሕሉሕ እዩ ተባሂሉ

መንግስቲ ንገለ ክፋል ደሞዝ ኣብ ዝኸፍለሉ ብ ድጎማ ዝካየድ ስራሕ ዝግበር ቊጽጽር እኹል ኣይኮነን ተባሂሉ። ነዚ ዝገለጸ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ኦዲት ኮይኑ፡ ኣስራሕቲ ነቲ ስርዓት ንረብሓኦም ብዘይግቡእ ክጥቀሙሉ ከምዝኽእሉ ኣብ ሓድሽ ጸብጻቡ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። መብዛሕትኡ ጸገማት ነቲ ንነዊሕ እዋን ስራሕ ኣልቦ ንዝጸንሑ ሰባት ዕላማ ብምግባር ዝተበገሰ “ምጅማር ሓድሽ ስራሕ” ዝበሃል ውጥን እዩ። መራሒት መርመራ ቤት ጽሕፈት ኦዲት ይቮን ቶርሰን፡ ኣስራሕቲ ንሓደ …

Read More »

ሽወደን፥ ግዳያት ወቕዒ ብቚጽሪ ይንክዩ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቁጽሪ ናይቶም ብወቕዒ ዝሳቐዩ ሰባት ከምዝነከየ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ 78% ሕደጋ ወቕዒ ዘጋጠሞም ካብ ሞት ምድሓኖም ተገሊጹ። እዚ ምንካይ ብኸፊል ሳላ ዝሓሸ ናይ ምክልኻል ኣገባባት ምዃኑ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ክኢላ ወቕዒታት ኣናስታስያ ሲሚ ገሊጻ። ከም ምጒዳል ልዑል ጸቕጢ ደምን ስብሒ ሻንብቆ ደምን ነዚ ውጽኢት ምኽንያታት እዮም ብመሰረት መግለጺ ሲሚ። ዝሓለፈ ዓመት 25100 ሰባት ሕማም ወቕዒ ከም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com