Saturday , May 11 2024

ዜና

ምንቅስቓስ ኣህጉራዊ ቀዪሕ መስቀልን ቀዪሕ ሰርቂ ወርሕን

ቀዪሕ መስቀልን ቀዪሕ ሰርቂ ወርሕን እተን ዝዓበያ ናይ ሓደጋ ውድባት ዓለም እየን፡ ነቶም ኣብ ብረታዊ ግርጭትን ኣብ ሓደጋታትን ግዳይ ዝኾኑ ሰባት ድማ ይድግፋን ይሕግዛን። እቲ ስራሕ ኣብ ሸውዓተ መትከላት ይምስረት፡ ኣብ መላእ ዓለም ድማ ይዝውተር (ሰብኣውነት፡ ዘይኣድላውነት፡ ገለትነት፡ ናጽነት፡ ወለንተኛነት፡ ሓድነት፡ ዩኒቨርሳላውነት)። -ምንቅስቓስ ኣህጉራዊ ቀዪሕ መስቀልን ቀዪሕ ሰርቂ ወርሕን ነዚ ይጥርንፍ፥ ኣህጉራዊ ፈደረሽን ቀዪሕ መስቀልን ቀዪሕ ሰርቂ ወርሕን (IFRC)- -190 …

Read More »

መጽናዕቲ፥ ናይ ወለዲ ሞባይላዊ ወልፊ ምስቲ ናይ ህጻናት ናይ ጠባይ ጸገማት እተኣሳሰረ እዩ

ብመሰረት ምርመራዊ መጽናዕቲ፡ ንሞባይል ካብ ኣእዛኖም ዘየልግሱ ወለዲ፡ ጠባይ ዘይብሎም ህጻናት እዮም ዘፍርዩ። እቲ ናይ ወለዲ ምስ ደቆም ዚህሉ ትሑት ምዕላል፡ ኣብቶም ህጻናት ናይ ዘረባን ቋንቋ ጸገማት ከስዕብ ይኽእል እዩ። ብኒኖስ ሃምራ 24 መስከረም 2018  ተሓቲሙ። እቲ መጽናዕቲ ን183 ወለዲ ተኸታቲሉ፡ ኣብዚ ድማ 40 ሚእታዊት ኣደታት፡ 32 ሚእታዊ ኣቦታት ንሞባይላቶም ዓቢ ትዅረት ከም ዚህቡ ተኣሚኖም፡ ናይ ሚሺጋን ዩኒቨርሲቲን ናይ ኢሊኖይ …

Read More »

ኣብ ኸለፍተዮ ሰለስተ ሰባት ብናይ ምጭዋይ ገበን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣትዮም

ገበን ኣብ ኸለፍተዮ ዝሓለፈ ሰሉስ ሰለስተ ኣብ 20 ዓመት ዕድመ ዚርከቡ ሰባት ብናይ ምጭዋይ ገበን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣትዮም፡ ይሕብር ዞባዊ ምንጪ እዚ ምጭዋይዚ ኣብ ሓደ መንእሰይ እዩ ተፈጺሙ። ንሱ ብዘይ ድልየቱ ብማኪና ተወሲዱ። እቶም ስለስተ ጥርጡራትን እቲ እተጨውየ ሰብን ካብ ነዊሕ ጀሚሮም ዳርጋ ይፋለጡ እዮም፡ ይብል ፖሊስ ኸለፍተዮ ዮኣኪም ኦያ ኣብቲ ንኖራን ዝሃቦ ሓበሬታ። እቶም ሰለስተ ሰባት ኪተሓዙ ዝኸኣሉ …

Read More »

14 ዓደግቲ ፍትወተ-ስጋ ተታሕዞም

ኣብ ዞባ ሚት 14 ብምዕዳግ ፍትወተ-ስጋ እተጠርጠሩ ብፖሊስ ተታሒዞም። እዚ ድማ ውጽኢት ናይቲ ሓደ ሰሙን ዝወሰደ ኤ.ሕ (EU) ዘበገሶ ንመሸጣ ግብረስጋ ዚምልከት ጻዕሪ እዩ።  ፖሊስ ኣብቲ ናይ ኡፕሳላን የቭለቦርይን ቨስትማንላንድ ዚጥርጥሩዎ ኣድራሻታት ስሊዮም፡ ነቶም ዚጥርጥሩዎም ኪኣትዉ ምስ ረኣዩዎም ድማ ኪወጹ ኸለዉ ሒዞምዎም። ነቶም ጥርጡራት ምስ ሓዝናዮም መርሚርናህዮም፡ ይሕብር ሚካኤል ኤሪክሶን፡ ኣተሓባባሪ ምርመራ፡ ን TT። ፖሊስ ምስ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብምዃን ንብዙሓት …

Read More »

ኤርዶጋን ናብ ጀርመን ኢዱ ይዝርግሕ

ናይ ቱርኪ ፕረሲደንት ረ ጀፕ ጣይብ ኤርዶጋን ኣብ በርሊን ኣትዩ፡ ኣብኡ ድማ ንቻንሰለር ኣንገላ መርከል ኪረኽባን ምስቲ ፕረሲደንት ፈደራላዊት መንግስቲ ጀርመን፡ ፍራንክ ቫልተር ሽታይንማየር ከኣ ኪድረርን እዩ። ድሕሪ ነዊሕ ናይ ወጥሪ ዝምድና በርሊንን ኣንካራን፡ ኤርዶጋን ሓድሽ ዝምድና ኪፈጥር ደልዩ። እታ 82 ሚልዮን ነበርቲ ዘለዉዋ ጀርመን፡ 3 ሚልዮን ቱርኪ ዝዓሌቶም ነባሮ ኣለዉዋ። ኣብዚ ቱርኪ ምስ ኣመሪካ ተባኢሳትሉ ዘላ ግዜን፡ ቁጠባኣ ኸኣ …

Read More »

ኣብ ሆላንድ፡ ሸውዓተ ሰባት እተተለመ ግብረ ሽበራ ንኸካይዱ ተጠርጢሮም ተታሒዞም

ኣብ ሆላንድ፡ ሸውዓተ ሰባት እተተለመ ግብረ ሽበራ ንኸካይዱ ተጠርጢሮም ተታሒዞም ኣለዉ፡ ይብል ውሽጣዊ ዜና ማዕከን። ንሳቶም ካብ 21-34 ዕድመ ዘለዎም ኮይኖም ኣብ ከተማ ኣርንሀምን ቨርትን እዩ ሓሙስ ድሕሪቀትሪ እተታሕዙ። ኣብቲ እተታሕዙሉ ግዜ ኸኣ ሓሙሽተ ቀለልቲ መሳርያታት ተረኺቡሎም ኣሎ። ሓደ ካባታቶም ዜጋ ኢራቕ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኣይ.ኤስ ተሓባቢርካ ተባሂሉ ንብዙሕ ኣዋርሕ ኣብ ምርመራ ዝነበረ ከም ዝኾነ እቲ ናይ ሃገር ሆላንድ …

Read More »

ሰልፊ ዕዮ ዓባይ ብሪጣንያ ሓድሽ ምርጫ ይደሊ – ከምኡውን ረፈረንድም

ብሪጣናውያን ከም ብሓድሽ ብዛዕባ ብረክሲት ኪውስኑ ዲዮም?” ወይስ በቲ ካልእ ኣማራጺ ብምኻድ ነቲ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘውጽኣ ፍትሕ ደው ከብሉዎ እዮም? ። እዚ እቲ ተቓዋሚ ሰልፊ ኣብቲ ናይ ሊቨርፑል ኣኼባኡ ኪፈትሖ ዘለዎ ዓቢ ብድሆ እዩ። ዓባይ ብሪጣንያ ካብቲ ኤ.ሕ ንኽትወጽእ ፍርቂ ዓመት ተሪፉዋ ኣብ ዘላትሉ ግዜ ኣብ ቀውሲ እያ እትርከብ ዘላ። ቀዳመይቲ ሚኒስተር ተረዛ መይ ከመይ ኢላ ከም …

Read More »

ጸጋማይ ሰልፊ ምስ ናይ ስቨርየ ደሞክራተርና SD ሕጹይ ፕረሲደንት ይበኣስ

ፖለቲካ TT ጸጋማይ ሰልፊ ነቲ ናይ ባይቶ ካልኣይ ምኽትል ፕረሲደንት ቦታ ንምውሳድ ምስ ናይ ስቨርየ ደሞክራተርና SD ሕጹይ ፕረሲደንት ይቃለስ። ዮናስ ሸስተድ ንማእከላይን ንሊበራልን ሰልፍታት፡ ነቲ ናይ ጸጋማይ ሕጹይ ኪመርጹ ይምሕጸን። ዮናስ ሸስተድ ኣብቲ ምስ ጋዜጣ ዝገበሮ ዝርርብ፡ እቲ ጸጋማይ ሰልፊ ነቲ ናይ ስቨርየ ደሞክራተርና ብዮርን ሶደር ከም ናይ ባይቶ ምክትል ፕረሲደንት ከም ዘይቅበሎ ሓቢሩ። ከም ልሙድ፡ እቲ ሳልሳይ ዝዓበየ …

Read More »

ሕጊ 2ይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ፍቓድ ረኺቡ – ”ደስ ዘብል እዩ”

Migration TT እቲ ሓድሽ ናይ 2ይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ሕጊ ኣብ ግብሪ ኪውዕል እዩ፡ ይብል ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ሚግረሽን። ስለዚ ኣሽሓት በይኖም መጻእቲ ህጻናት ኣብ ሃገር ሽወደን ንምጽናሕን 2ይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ንምእታውን ዕድል ኣለዎም። ጽቡቕ ሕጊ እዩ ግን ንምትግባሩ ቅሩብ ኣጸጋሚ እዩ። ግን ከኣ ዘይቅዋማዊ ኣይኮነን፡ ይብል ቶማስ ሮለን ናይ ሚግረሽን ላዕለዋይ ቤትፍርዲ ኣባል። እቲ ሕጊ ነቶም ኣብ ሽወደን ኪጸንሑን ኪመሃሩን ዚደልዩ …

Read More »

ሓድሽ ኣገባብ ንምሕዋይ ሓደገኛ ድኻም

ጥዕና ኣብ ስራሕ ቦታ ዚርከቡ ጉጅለ ዝርርብ ድኻምን ጭንቀትን ኪቕንሱ ይኽእሉ። እዚ ድማ ኣብቲ ብሊነ ዩኒቨርሲቲ ብሽወደናውያን ኮሙናትን ወረዳን መጽናዕቲ እተመርኮሰ ርኽበት እዩ፡ ይብል ናይ ሽወደን ራድዮ ኤኮት። ኣብቲ መጽናዕቲ እተኻፈሉ እቶም ኣብ ገምገም ናይ ድኻም ሕማም ዚርከቡ እዮም፡ ንሳቶም ን 10 ሰሙናት ኣብቲ ናይ ስራሕ ቦታ ኮይኖም ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚ ክልተ ሰዓት ጸገማቶም ተመክሮኦምን ብምንጋርን ነንሓድሕዶም ብምድግጋፍን ተዋሲኦም። እቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com