Thursday , May 9 2024

ጥዕና

ሓደስቲ ሕጊታት፡ ባራትን ኣብያተ መግቢን ናይ ጣውላ ኣገልግሎት ጥራይ ክህባ ተወሲኑ።፡

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምምካት ባራት ኣብያተ መግቢን እንዳ ሻሂን ናይ ጣውላ ኣገልግሎት ጥራይ እዩ ዝወሃብ ይበሃል ኣሎ።” እዚ ኲነታት ኣዝዩ ጽንኩር ብምዃኑ ውሳነ ዘድልዮ እዩ” ክትብል ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሊርና ሃለንግረን ሓቢራ። እዞም ሓደስቲ ውሳነታት ብሰሉስ ኣብ ዝተገብረ ግዜጣዊ መግለጺ ኣብ ባንኮ ዝግበር እንግዶት ክቋረጽ ምዃኑን ናይ ጣውላ ኣገልግሎት ጥራይ እዩ ክወሃብን ተባሂሉ ኣሎ። ሰባት ካብ ጣውላ ሓሊፎም ኣብ ባንኮን …

Read More »

ብምኽንያት ለበዳ ኮሮና ሽወደን ኦንላይን ስርዓተ ቀብሪ ተተኣታቱ።

ብምኽንያት ፍርሂ ለበዳ ኮሮና ሓዘንተኛታት ብኦንላይን ኣብ ቀብሪ ዝሳተፉሉን መጸናንዒ ቃላት ናብ ዝለዋወጥሉን ኣገባብ ይመርሕ ምህላዉ ተፈሊጡ። ኣዳልዊ እዚ ስርዓተ ቐብሪ ፎኑስ ነዚ ቴክኖሎጂ ኣብ ምድላው ክንጥፍ ምጽንሑን ብምኽንያት እዚ ለበዳ ኣቐዲሙ ክፍንዎ ምግዳዱን ገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ ኣካላዊ ርሕቀት ምሕላው ብጥብቂ ዝትግበር ምኽሪ ምዃኑ’ውን ተመልኪቱ።

Read More »

ለበዳ ኮሮና ኣብ ክረምቲ ኣብቂዑ ዳግማይ ኣብ ጽድያ ክኽሰት ክርምዝኽእል ኪኢላታት የጠንቕቁ።

ለበዳ ኮሮና ኣብ ክረምቲ ኣብቂዑ ዳግማይ ኣብ ጽድያ ክነትጒ ይኽእል እዩ ክብል ፕሮፌሰር ቪሮሎጂ ፍሬድሪክ ኤል ንጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢሩ’ሎ።፡ እዚ ሕማም ብዓለም ደረጃ ይላባዕ ምህላዉን ዛጊት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት በዚ ምልካፎን ክስራታ ድም ኣብ ሽወደን ኣብ ምቕዛፍ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ። ንሱ ዓለምለኻዊ ለበዳ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ናይ ምቅልቓል ባህሪ ከም ዘለዎ ብምጥቃስ ኣብ ክራማት ኣብቂዑ ኣብ ጽድያ ደጊሙ ክውለድ ይኽእል …

Read More »

ማሕበር ሓከምቲ የጠንቅቑ፥ ኣብ ስቶክሆልም ብዙሓት ሽወደናውያን-ሶማልያውያን ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም ።

ካብቶም  15 ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ 6 ሽወደናውያን-ሶማላውያን እዮም።  — እቲ ሕማም ኪጅምር ከሎ፡ ሓበሬታ ብቛንቋ ሶማሊ ኣይነበረን፡ ስለዚ ብዙሓት ከም ቀደሞም ይነብሩ ነይሮም፡ ትብል ጂሃን ሞሓመድ፡ ቦርድ ኣባል ማሕበር ሓካይም -ሶማልያውያን፡ ን ኤስቪቲ። – መብዛሕትኦም ሕዱር ሕማም ዝነበሮም እዮም። ግን ሓደ ካባታቶም፡ ትማሊ ዝሞተ ወዲ 60 ዓመት፡  ንብዙሓት ኣሰምቢዱና። ብዙሓት ብሞቱ ሰምቢዶም፡ ትብል ጂሃን ሞሓመድ።  ሰኑይ ምሸት ብተወሳኺ 6 ሰባት ከም …

Read More »

Swedish News in tigrigna -ዜና ሽወደን ብትግርኛ 23 መጋቢት 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ኣርእስታት ዜና፡ 1. መራሒ መንግስቲ ሽወደን ንመላእ ህዝቢ ሽወደን ሃገራዊ መልእኽቲ ኣማሓላሊፉ። 2. ሕብረተሰብ ነጋዶ ሽወደን ፋይናስያዊ ሓገዝ ክግበረሎም ጠለብ ኣቕሪቦም። መደባትና ብሰፊሕ ንምክትታልን ከምኡ እዉን፣ ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ።

Read More »

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ሓድሽ ቦታ መሐከሚ ግዳያት ለበዳ ክሮና ይኽፈት።

ካብ ሎሚ ሰኑይ ኣትሒዙ ተወሳኺ ሆስፒታል ንምህናጽ ኣብ ዞባ ስቶክሆልም ስራሕ ምጅማሩ ተገሊጹ’ሎ። ዳይረክተር ጥዕና ዞባ ስቶክሆልም ብዦርን ኤሪክሰን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝኸፍአ እንተመጸ ኢልና ግና ብሩህ ተስፋ እናማዕደና ኢና ንዓዪ ዘሎና ኢሉ። እዚ ሆስፒትል ብምትሕብባር ሓይልታት ምክልኻል ሽወደንን ዝስራሕ ዘሎ ኮይኑ ብኮሮና ንዝተጠቕዑ ሕሙማት ጽዑቕ ክንክን ኣብ ምሃብ ክሰርሕ እዩ።፡ ሕጂ ዘለዉና ናይ ጽዑቕ ክንክን ቦታታት ባዶ እኳ …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ለበዳ ኮሮና ኣመልኪቱ ንሽወደን መደረ ሂቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቲፋን ሎፍተን ኣብ ዝሃቦ መደረ ኣብዛ ጸባብ እዋን ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ነዚ ለበዳ ኣብ ምክልኻል ተራኡ ክጻወት ተላብዩ። ንሱ ብተወሳኺ በብግዜኡ ሓደስቲ ስጒምቲታት ክውሰዱ ከም ዝኽእሉ ኣስሚሩሉ’ሎ። ኲሉ ሰብ ብኣእምሮ ተዳልዩ ክጸንሕ ናይ ቀረባ መጻኢ ጥዕና፥ ህይወትን ሽቕለትን ሽወደን ጽንክር ዝበለ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ኣመልኪቱ’ሎ። ብዙሓት ክሓሙን ስድራኦም ክሰናበቱን ከም ዝኽእሉ ድማ ሓቢሩ። ንሱ ነዚ ሕማም …

Read More »

መሉእ ምሳለጢ መድሃኒትን ጸረ ተሃዋስያን ዝጸዓነት ነፋሪት ኣትያ።

1.5 ቶን ጸረ ተሃዋስያን ዝጸዓነት ነፋሪት ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ንምሕጋዝ ካብ ኲባንያ ባክቲጋርድ ናብ ሽወደን ምእታዋ ተገሊጹ።፡ እዛ ነፋሪት ካብ ኣህጒር ኤስያ እያ ተበጊሳ። እዚ ነቲ ኣብ መላእ ሽወደን ዘሎ ሕጽረት እዚ ኣገዳሲ ናውቲ ሕክምና ከቃልል እዩ ዝብል እምነት ተነቢርሉ’ሎ። እዚ ጸረ ተሃዋስያን ኣዝዩ ፍቱን መካላኸሊ ምትሕልላፍ እዚ ለበዳ ምዃኑ ዋና ኣካያዲት እቲ ትካል ሲሲልያ ኤድስትሪም ሓቢራ’ላ። ካብ ሆንግኮንግ ጥርሓ …

Read More »

ቀዳማይ ሚኒስተር ስቲፋን ሎፍቨን ሎሚ ሰዓት 21:00 ፍሉይ ህዝባዊ መደረ ክህብ እዩ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ስቲፋን ሎፍቨን ሎሚ ምሸት ካብ ሰዓት 21:00 ጀሚሩ ፍሉይ መደረ ንህዝቢ ሽወደን ኣብ SVT (ቴለቬዝን ስቨቴ )ክህብ ምኻኑ ተፈሊጡ። ሃገራት ብሰንኪ ክሮና ቫይረስ ኣብ ዓቢ ሽግር ኣብ ዝወድቃሉ ዘለዋ እዋን ኣገዳስነት ናይ ከምዚ ዝበለ መደረ ኣዝዩ ልዑል ምኻኑ ሂለና ላርሰን ካብ SVT (ቴለቬዝን ስቨቴ )ገሊጻ። ኣልኮምፒስ ክፍሊ ትግርኛ ንኾሎም ተኸታተልትና እዚ ኣገዳሲ መደረ ክከታተልዎን ስዒቡ ዝወሃብ መምርሕታት …

Read More »

ፍርቂ ናይቶም ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ፍሉይ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሰባት ዕድሚኦም ትሕቲ 65 ምዃኑ ተፈሊጡ።

ምዕባለታት ሓማም ክሮና ኣብ ሽወደን፡ ፍርቂ ናይቶም ኣብ ፍሉይ ሕክምናዊ ምክትታል ዝርከቡ ሰባት ዕድሚኦም ትሕቲ 65 ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ሽወደን ተኸሲቱ ዘሎ ሕማም ክሮና ቫይረስ ካብ ትጽቢት ወጻኢ እቶም ፍርቂ ካብቶም ኣብ ፍሉይ ሕክምናዊ ምክትታትል ዝርከቡ ሕሙማት ዕድሚኦም ትሕቲ 65 ዓመት ከምዝኾኑ ተለቪዥን ሽወደን ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ። ብሕማም ክሮና ዝተለኽፉ መንእሰያት ኣብ ፍሉይ ሕክምናዊ ምክትታል ክኣትዉ ንቡር ኣይኮነን፡ ናይዚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com