Saturday , April 27 2024

ጥዕና

ሓበረታ ንተቐማጦ ምምሕዳር ሳላ !!

ነበርቲ ምምሕዳር ሳላ ንዝሰትይዎ ኮነ ንመግቢ ዝጥቀሙሉ ማይ ቅድሚ ምጥቃሞም ኣፍሊሖም ክሰትይዎ ከምዘለዎም ምምሕዳር እቲ ከባቢ ይሕብር። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብመሰረት ኣብ ቤት ፈተነ ማለት ላባራቶሪ ዝተገብረ መርመራ ማይ ናይቲ ከባቢ ብ ባኽተርያ ከምዝተበኸለ ብምርግጋጾም እዮም። ስለዚ ተቐማጦ ከባቢ ምምሕዳር ሳላ ግዳይ ዘየተደልየ ሕማም ካብ ሙዃን ኩሉ እቲ ጥቀምሉ ማይ ከተፍልሕዎ ከምዘለኩም እዚ ምምሕዳር ብምምካር ብፍላይ ኣብ ከባቢታት Västerfärnebo ፣ …

Read More »

ዘይፈልሐ ጸባ ንጥዕና ጠቓሚ ድዩ ጎዳኢ?

ዘይፈልሐ፡ ብስነፍልጠት ድማ ‘ፓስቸራይዝ’ ዘይኮነ ጸባ ምስታይ፡ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማም ናይ ኣካላትና ክብ ኪንዮ ምባል፡ ዝተፈላለዩ ኣለርጂታት ምክልኻልን ንስርዓተ ምሕቓቕ መግቢን ሓጋዚ እዩ። እንተኾነ ግን ጸባ ምፍላሕ፡ ናቱ ኣድላዪነት ኣለዎ። ኣብ ዘይፈልሐ ጸባ ዝርከቡ ባክቴርያ ንምቕታልን፡ ጸባ ከይተበላሸወ ንውሕ ንዝበለ ግዜ ክጸንሕን ሓጋዚ እዩ። ኣብ እንግሊዝ፣ ዌልስ፣ ስኮትላንድን ሰሜን አየርላንድን ፓስቸራይዝ ዘይኮነ ጸባ፡ ኣብ ማዕከላት ዕዳጋ ኮነ ንኣሽቱ ድኳናት ምሻጥ …

Read More »

ናይ ቤት ትምህርቲ መግቢ ኣብ ሽወደን

መሰል ንትምህርቲ ኣብ ናይ ትምህርቲ ዓይነታት መውዓሊ ህጻናት ክፍሊ ቅድመ ትምህርቲ መባእታ ቤት ትምህርቲ ወይ ፍሉይ መባእታ ቤት ፍሉይ ቤት ግዜ ግዜ ክትምሃር መሰል መሰል ኣሎካ። ሓታት ዕቝባ እንተ ዄንካ ኣብ ናይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ወይ ፍሉይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ መሰል ኣሎካ ትምህርትኻ ቅድሚ 18 ዓመት ምምላእካ እንተ ጀሚርካዮም። መንበሪ ፍቓድ እንተ ኣሎካ ኾይኑን ኣብ ሓደ ኮሙን ህዝባዊ …

Read More »

በዓልመዚ ጥዕና ሕማም ዓባይ ሰዓል ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከም ዝርከብ ይሕብሩ።

ኣብ ሽወደን ሕማም ዓባይ ሰዓል ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ ከም ዝርከብብ ሰሙናዊ ጸብጻብ ሃገራዊ በዓልመዚ ጥዕና ኣመልኪቱ። ብመሰረት ኣፈናዊ ኣሃዛት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 2019 ኣስታት 226 ጥርዓናት ከም እተጸብጸቡ’ውን ሓቢሩ። ካብዚ ቊጽሪ ዝለዓለ መጠን ዝሓሰት ጎትላንድ ኮይና ብማእከላይ ገምጋም ዝበዝሑ ሰባት እተረኽቡዋ ግና ኖርልንድ እያ ተባሂሉ። ካብ ዝሓለፉ ወቕቲታት ዝተፈኽቡ ተመኲሮታት ከም ዘመልክትዎ ናይ ኢንፍሉዌንዛ ንጥፈታት ኣብ እዋን መገሻታት በዓል ልደት …

Read More »

ኣገልግሎት መድሃኒት(ፋርማሲ) ሽወደን ብሕጽረት ኣፋውስ ይሽገር ምህላዉ ይገልጽ።

ኣብ ብርክት ዝበላ ዞባታት ሽወደን ዝርከባ ኲባንያ ኣገልግሎት መድሃኒት ብሕጽረት መድሃኒት ንዝጎነፎ ሽግር ንምውጻእ ገለ ድጎማ ከም ዝጠልብ ጋዜጣ ዳገንስ ንሄይተር ሓቢራ። እታ ኲባንያ ኣብ ፈለማ ስርዓት ሓበሬታ ቴክኖሎጂ ምፍሻሉ ግጉይ ሓበሬታ ከም ዝሰራጮ ምግባሩ እዩ ከም ምኽንያት ኣቕሪብዎ ኔሩ። ጸኒሑ ግና እቲ ኲባንያ ብሰንኪ ኣብ ማእከላት ጥዕና ዘሎ ጠለብ ኢንቨንትሪን ሕጽረት ኣፋውስን ኣሎ ዝብል ዘይቅትዑይ ሓበሬታ እዩ ዝብል መብርሂ …

Read More »

ካብ ዙርያ ስቶክሆልም ዝርከባ ኣብያተ ጥዕና ሞያውያን ዶክተራት የብለንን ክብል ዳህሳስ ቲቪ 4 ኣቃሊዓ።

ኣብ ዙርያ ሽወደን ዝርከባ ኣብያተ ጥዕና ኣብ ክንዲ ኣብ ሞያውያን ሓካያም ኣብ መባእታዊ ተንቀሳቐስቲ ሓካይም ከም ዝምርኮሳ ድማ ተመልኪቱ። ብዘይካ ሓንቲ ዞባ ኲለን ብዛዕባዚ ተሓቲተን እወ ኢለን ምምላሰን ድማ ተሓቢሩ። ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ምስቲ መደበር ተሌቪዥን ጻንሖት ዝገበረት ሚኒስተር ማሕበራዊ ጒዳያት ሊና ሃለንግረን ኣብ ተንቀሳቐስቲ ሓካይም ክሳብ እትበጽሕ ምጽናሕ ኣዝዩ ዘሰንብድ ተርእዮ እዩ ኢላ’ላ። “ቀወምቲ ሓካይምን ነርስታትን ክህልዉ እየ ዝደሊ፥ ሕሙማት …

Read More »

ኣብ 2030 ኣካላት ርእሲ ካብ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ምስግጋር (ሄድ ትራንስፕላንት) ክዉን ክኸውን እዩ ተባሂሉ።

ብምኽንያት ሓድሽ ቴልኖሎጂያዊ ምዕባለ ኣብ ዝመጽእ ዓሰርተ ዓመታት ኣካላት ርእሲ ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ምስግጋር ክውን ክኸውን እዩ ክብል ክኢላ መጥባሕቲ መትኒታት ርእሲ ገሊጹ። ዘ ሳን ዝተባህለ ጋዜጣ ብሪጣንያ ን ሓላፊ ክሊኒካዊ ኒውሮሰርጀሪ ዶክተር ብሩስ ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ዶክተር ብሩስ ምስ ጸሓፊ ዛንታ ሚካኤል ሊ ብሓባር ብምምካር ኣብዚ መደምደምታ ምብጽሑ ገሊጹ’ሎ። ማቴዎስ “መጀመርታ ሃቐናና ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ሓሳባት …

Read More »

ብበንዚንን ዲዘልን ዝንቀሳቐሳ መካይን ንምእጋድ መንግስቲ መርመራኡ ይጅምር።

ኣብ መንጐ መንግስትን ማእከላይ ሰልፊን ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ካብ 2030 ጀሚሩ ብበንዚንን ናፍታ ዝንቀሳቐሳ መካይን ብሕጊ ንምእጋድ ዘኽእል እማመ ንምቕራብ መንግስቲ ምርምር ምጅማሩ ተገሊጹ። “ብባዮጋዝ፥ ኢታኖልን ካልእ ተሃዳሲ ኬሚካልን ዝንቀሳቐሳ መካይን ንምትብባዕን በቲ ካልእ ሸነኽ ብበንዚንን ናፍታ ዝንቀሳቐሳ መካይን ንምእጋድ እዩ ዕላም እዚ እማመ” ክብል ኣፈኛ ክሊማ ሰልፊ ማእከል ሪቻርድ ኖርደን ምስ ሬድዮ ኤኮት ኣብ ዝገበሮ ጻንሒት ሓቢሩ። እዚ እገዳ …

Read More »

ደቀንስትዮ ዝሓሸ ህክምናዊ ክንክን ክረኽባ ኣለወን ተባሂሉ።

ሚእቲ ሽሕ ዝኾና ደቀንስትዮ ሽወደን ዛጊት ብልሓቱ ዘይተፈልጠ ሕማም ከም ዘለወንን በዚ ድማ እቲ ዝድለ ሕክምና ክረኽባ ኣጸጊሙ ምህላዉን ተገሊጹ። ሓደ ካብዚ ሕማማት ኣብ ታሕተዋይ ከስዐ ቃንዛ ዘስዕብን ቨስጊቡላይት ተባሂሉ ዝጽዋዕን እዩ። ካልእ ሊፒስ ኢደማ ዝተባህለ ዛጊት ዘይፍለጥ ሕማም እውን ኣብ ደቀንስትዮ ይረአ ምህላዉ ተገሊጹ። እዘን ደቀንስትዮ ኣብ ኣካላተን ብዘሎ ስብሒ ይሽገር ምህላወን ድማ ተፈሊጡ። መንግስቲ ብዛዕባ እዚ ሕማማትን ዝግብኦ …

Read More »

ዝሓሸ ኣገልግሎት ሕክምና ንኽህሉ ብምጥላብ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ኣሽሓት ሰባት ዝሓሸ ሕክምናዊ ክንክን ክህሉ ብምጥላብ ኣብ ከተማ ስቶኮልም ብምንገዲ ሰልማዊ ሰልፊ ሓቲቶም። ሓካይም ስቶክሆልም ብሰንኪ ድኻምን ወጥሪ ኣእምሮን ስርሖም ብግቡእ ክሰርሑ ይጽገሙ ገሊጾም ኣለዉ። ኣካየድቲ ስራሕ ሓካይም ስቶክሆምን ኣማኢት ካብዚኣቶም ካብ ስርሖም ከቛርጹ ከም ዘለዎም ወሲኖም ኣለዉ። ብመሰረት ዶክተር ካምጅካ ማልም እዚ ንኣኣቶም ነቶም ሕሙማትን ሓደገኛ ሳዕቤን ክህልዎ ይኽእል እዩ፡ ዛጊት ብወጥርን ሕማምን ዝሳቐዩ ሓካይም ብጾት ኣለዉኒ። ገለ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com