Sunday , April 28 2024

ጥዕና

ተምላስ ዘስዕብ ቫይረስ ወቕቲ ዊንተር ኣብ ሽወደን ከምዝጀመረ ተሓቢሩ።

በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ዘምልስ ቫይረስ ወቕቲ ዊንተር ንምክልኻል ዘድሊ ቅድመ ምድላው ክግበር ጻውዒት ጌሩ’ሎ። ብመሰረት እቲ ኮሚሽን እዚ ሕማም ዝላብዓሉ ኲነታት ብዛዕባ ምብጽሑ ንምትንባይ ገና ግዜኡ ከም ዘይኣኸለ ድማ ኣመልኪቱ። ኣብ ዝመጽእ ሳምንቲ እዚ መጒዳእቲ እናወሰኽ ክመጽእ ትጽቢት ምህላዉ ን ኣብ ኣእዳው ዝህሉ ጽሬት ክሕሎን፥ ብፍላይ ድማ ኣብ እዋን ክሪስማስ እዚ ክዕቱብ ክቕጽልን ኣተሓሳሲባ። እዚ ቫይረስ ናይ ጨጐራን መዓንጣን …

Read More »

ሰብ ሓዳር ደቀንስትዮን ድቃስን

“ስራሕ ጓለንስተይቲ ኣይውዳእን እዩ” ዝብል ኣበሃህላ ክንሰምዕ እንከለና፡ ክብደት ናይቲ ኣብ ዝባን ደቀንስትዮ ዘሎ ድርብ ጾር ዝገልጽ ብቑዕ ኣበሃህላ ምዃኑ ኢና እንርዳእ። ኣብ ልዕሊ’ቲ ዘቤታውን ናይ ደገን ስርሓት ከኣ፡ ብሰንኪ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ቁጠባውን ሃስያትትን ብስጭትን ዝለዓል ስነኣእምሮኣዊ ነውጽን ጭንቀትን የስዕብ’ሞ፡ እኹልን ጥዕና ዘለዎን ልዋም ድቃስ ከሊኡ፡ ብዝያዳ ኣብ ህይወታን ሓዳራን ኣሉታዊ ጽልዋ ይፈጥር። ሰብ ሓዳር ደቀንስትዮ፡ ግቡእ ድቃስ ምስ ዝስእና …

Read More »

ኣብ ሽወደን ብርቱዕ ጉንፋዕ ኣብዚ ክራማት ምጅማሩ ተገሊጹ።

ብመሰረት በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ኣብዚ ክራማት ዝኽሰት ብርቱዕ ጉንፋዕ ምጅማሩን ኣብ ከባቢ ኖርላንድ ብፍላይ ኣበርቲዑ ክኽሰት ከም ዝኽእለን ገሊጹ። ዛጊት እንታይ ዓይነት ዓባይ ሰዓል ክኽሰት ከም ዝኽእል እኳ እንተዘይተነጸረ ዛጊት ካብቶም 78 ሕሙማት ኢንፍሉዊንዛ ኤ ከም ዝሓመሙ ኣመልኪቱ’ሎ። ስለዚ ድማ ነፍሰጾራትን ልዕሊ 65 ዝዕድሜኦምን ገለ ሕዱር ሕማማት ዘለዎምን ብኣግኡ ክታበት ክወስዱ እቲ በዓልመዚ ጸዊዑ’ሎ። ” እዚ ክታበት ክሰርሕ ክልተ ሳምንቲ …

Read More »

ስቶክሆልም ኣምፊታሚን ዝበሃል መድሃኒት ብምህላኽ ካብ ከተማታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ቀዳመይቲ እያ ተሰሪዓ።

ስቶክሆልም ኣምፊታሚን ዝበሃል መድሃኒት ብምህላኽ ካብ ከተማታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ቀዳመይቲ እያ ተባሂሉ። ኣብ ክልተ ሳምንታት ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ናይ ርስሓት ማያት ክምርመር ከም እተገብረን በዚ ድማ ኣብ ሽወደን እዚ መድሃኒት ብብዝሒ ከም ዝሃልኽ ክረጋገጽ ከም እተኻእለን ውድብ ምቊጽጻር መድሃኒት ኣውሮጳ ገሊጹ። እቲ መርመራ ከም ዘመልክቶ ብማእከላይ ገምጋም ካብ ሽሕ ሰባት 675 ሚሊግራም ኣምፊታሚን መዓልታዊ ከም ዝወስዱን ኣብ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ንጸረ-ነፍሳት ዝቃወም ባክተርያ ከም ዝተራእየ መራኽብታት ህዝባዊ ማእከል ጥዕና ሓቢሮም።

ኣብ ሽወደን ብዙሓት ዓይነት ባክተርያ ንጸረ-ነፍሳት ዝቃወም ዓቕሚ ከምዘጥረዩ ካብ ህዝባዊ ማእከል ጥዕና ዝተዘርግሑ ጽሑፋት ይሕብሩ። ካብቶም ዓሚ ዘጋጠሙ ተርእዮታት ሎሚ ዘመን ክሳብ ወርሒ ጥቅምቲ ብ350 ተርእዮታት ብምዝያዶም ክሳብ 12778 ተርእዮታት ከምዘጋጠሙ እቶም ካብ ማእከል ጥዕና ዝትረኽቡ ኣሃዛት ይሕብሩ። ናብ ዝሓለፉ ዓመታት ምስ እንምለስ እዚ ከምዚ ዓይነት ወስኽ ናይ ተርእዮታት ኣብዚ ሕጂ እዋን ብንጹር ከምዝተራእየን ክቕጽል ከምዝኽእልን ሓላፊ ኣሃዱ ጸረ-ንፍሳትን …

Read More »

ብምውሳኽ ብዝሒ ደገፍቲ (ህቡብነት) ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ክፍጠር ንዝኽእል ሻቕሎት ኣመልኪቱ መርበብ ሓበሬታ ኣልኮምፒስ ናይ ህዝቢ ርእይቶ ኣኪቡ።

ኣልኮምፒስ ክፍሊ መደብ ዓረብ፡ ብመንገዲ ማሕበራዊ መድያ ፈይስ ቡክ ኣቢሉ ኣብ ዝገብሮ ምእካብ ርእይቶታት ህዝቢ፡ ብዝሒ ናይቶም ህቡብነት ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ዝሻቐሉ ሰባትን ዘይሻቐሉን ሰባት ዝተቀራረበ ከምዝኾነ ሓቢሩ። እዚ ምውሳኽ ቁጽሪ ደገፍቲ (ህቡብነት) ነቲ ናይ የማናዊ ጥሩፍነት ኣተሓሳስባ ከም ዘለዎ ዝንገር ሰልፊ ስቫርያ ደሞክራት ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ሰልፍታት ሽወደን ክኸውን ኣኽኢልዎ ኣሎ። ኣልኮምፒስ ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ርኢቶታት ህዝቢ ንምእካብ ሕትኡ …

Read More »

ቀሳቢ ድርኺት

ብዙሓት ሰባት ምስ ቅሳበ ዝመሳሰል ሓሳባት ከም ንኣብነት፡ እቶን ኣጥፊአዮ`ዶ፡ ማዕጾ ተዓጽዩ`ዶ እንዳበልካ ምቊጽጻር፡ ክህልወኦም ይኽእል። እዚ ቀሳቢ ድርኺታት፡ ነቲ ሰብ ህይወቱ ክሕምሰሉ ኣብ ዝኽእል ደረጃ ምስ ዝበጽሕ ከም ሕማም እዩ ዝቊጸር። እዚ ኸኣ ሕክምናዊ ረድኤት ክርከበሉ ዝኽእል ሕማም እዩ። ቀሳቢ-ድርኺት እንታይ እዩ? ምሒር ምምዝባል ውሽጣዊ ድራኺ (obsessive compulsive disorder) ሕማም ኮይኑ፡ ነቲ ግዳይ ዘይተደልየ ነገራት ክገብር ዝእዝዞ ቀሳቢ ሓሳባት …

Read More »

ህጻናት ኣብ ኢንተርነት ዘሕልፉዎ ግዜ ኣሻቓሊ ይኸውን ኣሎ ይብሉ ኪኢላታት።

ኮመንሰንስ ሚድያ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ውድብ፡ ብመንገዲ ኢንተርነት ቪድዮ ናይ ዝከታተሉ ብዝሒ ህጻናትን ኮተቴን እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ ገሊጹ። እቲ ብህጻናት ዝግደስ ዘይመንግስታዊ ውድብ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ዩቲዩብ ቪድዮታት ዝከታተሉ ህጻናት ካብ 2015 ኣትሒዙ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ኣፍሊጡ። በዚ መሰረት፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ራብዓይ ደረጃ ሒዙ ዝነበረ ብኢንተርነት ዝግበር ምክትታል ቪድዮ፡ ኣብዚ እዋን ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ …

Read More »

ሆስፒታል ካሮሊኒስካ፡ 600 ሓካይምን ነርሳትን ዝርከብዎም ስራሕተኛታት ከፋኑ እዩ።

ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ካሮሊንስካ ሓካይም፡ ነርሳትን ኣብ መዳይ ኣገልግሎት ጥዕና ናይቲ ዩኒቨርስቲ ዝነጥፉን 600 ሰራሕተኛታት ከፋኑ መደብ ከምዘለዎ ሎም ረቡዕ ኣብ ጋዜጣዊ ምግለጺ ኣቃሊሑ። እዚ ውሳኔ ከም ሓደ ክፋል ናይቲ ብሆስፒታል ዝካየድ ዘሎ ዳግማይ ምቛም ቅርጺ ምዃኑ እዩ። ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ ዋጋ 950 ሚልዮን ክሮነር ዝግመት ናይ ጥዕና ትካላት ካብ ሆስፒታል ካሮሊኒስካ ናብ ካልእ ናይ ጥዕና ወገናት ተሰጋጊሩ። ኣብ ዓመተ …

Read More »

ምምሕዳራት ሽወደን ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ክሮነር ንኽሰርሑ ዘይክእሉ ኣባላት ወጻኢ ገይረን።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝተፈላላያ ምምሕዳራት ንዝርከቡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያት ክሰርሑ ንዘይክእሉ ኣባላት ናይ ስራሕ ውዕሎም ንምቁራጽ ተባሂሉ ልዕሊ 1.4 ቢልዮን ክሮነር ከም ዝወጸ ሬድዮ ሽወደን P4 ኦሬብሮ ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ ሓቢሩ። ነዚ ዝተገብረ ዳህሳስ 198 ካብተን 290 ምምሕዳራት ሽወደን ከም እተቀበለኦ ብተወሳኺ ሓቢሩ። እቲ ዳህሳስ ከም ዝሕብሮ፡ እዘን ምምሕዳራት ንልዕሊ 7000 ሰራሕተኛታት ወጻኢታት ከም ዝገበራን ካብኣቶም ድማ 900 ዝኾኑ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com