Tuesday , April 30 2024

ካብዝን ካብትን

ሰደተኛታት፡ ኣብ ገማግም ቱኒስያ፡ ጥሒሎም

ካብ ገማግም ቱኒስያ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝጐዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት ጃላባኦም ብምግልባጣ ብውሕዱ 6 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 30 ዝኾኑ ድማ ሃለዋቶም ከም ዘጥፍኡ ተገሊጹ። 34 ካብቶም ስደተኛታት ብ ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ ኣቢሎም ክድሕኑ ተጌሮም ኣለዉ። 70 ዝኾኑ ካብ ሃገራት ግብጺ፥ ሱዳንን ሞሮኮን ዝመጹ ስደተኛታት፡ ኣብታ ጃልባ ተጻዒኖም ምንባሮም እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ገሊጾም ኣለዉ። እዞም ስደተኛታት፡ ካብ ሊብያ ተገፊዖም …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. እከይ ከም ልምዲ (When Evil Becomes The Norm) … 2ይን ናይ መወዳእታ ክፋል

ኣብዚ ሞራላዊ ተዛማድነት (moral relativism) ሰፊኑሉ ዘሎ ዘመን፡ ስርቂ ከም ንግዳዊ ክኢላነት፡ ቅትለት ከም ጸጥታ ግዴታ፡ ብልሽውና ከም ዲፕሎማስያዊ ኣገባብ፡ ሓሶት ከም ፖለቲካዊ ሜላ፡ ወረራ ከም ምድሓን ሃገር፡ ሃገር ምሻጥ ከም ዞባዊ ምትሕብባር፡ ጥልመት ከም ሃገራዊ ረብሓን ዲፕሎማስያዊ ሽጣራን ወዘተ. ኮይኑ ይውሰድ ስለ ዘሎ፡ ዓለም ናበይ ገጻ ትኸይድ ከም ዘላ ንምፍላጥ ዘሸግር ኣይኮነን። እቲ ሕማም፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰባት ኪፈርድን …

Read More »

28 01 2022 News Harmony ዜና

Read More »

ዴንማርክ፡ ሰራዊታ ካብ ማሊ ስሒባ

ሃገረ ዴንማርክ፡ ሰራዊታ ካብ ማሊ ክትስሕብ ከምዝጀመረት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር፡ የፔ ኮፎድ፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ መግለጺ ዝወጽእ ዘሎ ድሕሪ እቲ ኣብ ሞንጎ ዴንማርክን ወታሃደራዊ ጁንታን ዘሎ ቅርሕንቲ እንዳተጋደደ ምኻዱ ከምዝኾነ ተፈሊጡ’ሎ። እቶም ነቲ ዕልዋ ዘካየዱ ጀነራላት መንግስቲ ማሊ፡ ዴንማርክ፡ ካብ ሃገሮም ንኽትወጽእ ብተደጋጋሚ ግልጺ ዝኾነ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉሎም፡ ኮፎድ፡ ገሊጹ። እዚ ክንጻወሮ ኣይንኽእልን ኢና። ስለዚ …

Read More »

ኣብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ፡ ብዘጋጠመ ነትጒ፡ 3 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም

እቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ሄልሲንቦሪ ዘጋጠመ ነትጒ ዘስዓቦ ሓያል ዕንወት፡ ልዕሊ 4 ዓመታት ኣቑጺሩ ከምዘሎ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ምስ’ዚ መጥቃዕቲ ብዝተተሓሓዘ ኢድ ኣለዎም ብዝብል ጥርጣረታት፡ 3 ሰባት፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ከምዘለው ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም ሰለስተ ሰባት፡ ደቂ 23፡ 26ን ኮምኡ ድማ 32 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኮይኖም፡ ቅሉዕ ህዝባዊ ዕንወት ፈጺምኩም ብዝብል ከምኡ …

Read More »

ኣብ ሃገረ ጣልያን፡ ፕረዚደንት ክምረጽ ኣይተኻእለን ተባሂሉ

ባይቶ ሃገረ ጣልያን፡ ንሳልሳይ ግዜ ፐረዚደንት ንምምራጽ ዝገበሮ ፈተነ ክሳኻዓሉ ከምዘይከኣለ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ሕጂ ዘሎ ፕረዚደንት ሰርጂዮ ማታሬላ፡ ንኻልኣይ ዙር ፕረዚደንትነት ከገልግል ድሌት ከምዘይብሉ’ኳ ኣንተገለጸ፡ እቲ 80 ዝዓመቱ ሽማግለ፡ ካብቶም 1 ሽሕ ዝኾኑ ድምጺ ኣባላት ባይቶ ጣልያን፡ 125 ብምርካቡ፡ እቲ ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸበ ኮይኑ ከምዘሎ ተፈሊጡ። ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ማሪዮ ድራጊ ብወገኑ፡ መዝነቱ ክቕይር ድሌት ከምዘለዎ …

Read More »

ኣመሪካ፡ ንጠለብ ሩስያ ነጺጋ

ሩስያ ንጐረቤታ ዩክሬይን ክትወርር ትክእል እያ ዝብል ስግኣት ኣብ ዝሰፈነሉ ዘሎ እዋን፡ ኣመሪካ፡ ነቲ ዩክሬይን ኣባል ኔቶ ክትከውን የብላን ዝብል ጠለብ ሩስያ ነጺጋቶ። ብኻልእ ወገን፡ ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልዋላው ዩክሬይን ንምፍታሕ፡ ንሩስያ፡ ወግዓዊ መልሲ ከም ዝሃባ ድማ ተፈሊጡ። ብሊንከን፡ ንሩስያ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ኣመሪካ ዝኾነ ሕድገታት ከም ዘይትገብር እንተኾነ ሩስያ ክትስዕቦ ዝግባኣ ዲፕሎማስያዊ ጎደና …

Read More »

ኩርዳውያን ሓይልታት፡ ኣብ ከበባ ኣትዩ ዝነበረ ቦታታት፡ ተቖጻጺሮም

ብኲርዳውያን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ጥምረት፡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ዝርከብን ቅድሚ ሽዱሽተ መዓልታት ኣብ ምሉእ ከበባ ዳዕሽ ኣትዩ ዝነበረን ቤት ማእሰርቲ፡ ዳግማይ ከም እተቘጻጸሮ ገሊጹ። ኣፈኛ ናይዚ ብኣመሪካ ዝሕገዝ ጥምረት ዴሞክራስያውያን ሓይልታት ሶርያ፡ ብትዊተር ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ፡ ኲሎም እቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዓሪዶም ዝነበሩ ኣባላት ዳዕሽ ኢዶም ከም ዝሃቡ ኣመልኪቱ’ሎ። ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ኣማኢት ትሕቲ ዕድመ መንእሰያት፡ በዚ ከበባ …

Read More »

ኡጋንዳ . . . ሓደ በጻሒ፡ ብሓርማዝ ተቐቲሉ

ኣብ ኡጋንዳ፡ ናብ መካነ እንስሳ ዘገዳም ምብጻሕ ዝፍጽም ዝነበረ ቱሪስት፡ ካብ መኪናኡ ብምውራዱ ብሓርማዝ ተረጊጹ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ተገሊጹ። እዚ ዜጋ ናይ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነ በጻሓይ፡ ምስ ብጾቱ ብምዃን ኣብ ኣሩዋ ኣብ ዝርከብ መንጫዕጫዕታ ሃገራዊ ፓርክ ጸኒሖም፡ ዕረፍቲ ኣብ ዝወስዱሉ ዝነበሩ እዋን እዩ እቲ ድንገት ኣጓኒፍዎ። ዕስለ ሓራምዝ፡ ናብ መዋታይን ብጾቱን ሓደጋ ምስ ወደቕዎም፡ ፋሕ ኢሎም ክሃድሙ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን …

Read More »

ባይደን፡ ንሓንቲ ጸላም ኣመሪካዊት፡ ኣባል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንኽትከውን ሓጽይዋ

ጆ ባይደን፡ ንሓንቲ ጸላም ኣመሪካዊት፡ ኣባል ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንኽትከውን ከም ዝሓጸያ ዋይት ሃውስ ኣፍሊጡ። እዛ ሓዳስ ተሰያሚት፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሰነ ጡረታ ክወጽእ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ሊበራላዊ ዳኛ፡ ስቲፈን ብራየር፡ ከም እትትክእ ተገሊጹ’ሎ። እንተኾነ ብራያን፡ ናይ ጡረታ ውጥኑ ገና ብዕሊ ከም ዘይተረጋገጸ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። 51 ዓመት ዝዕድሜኣን ናይ ሚስተር ብረየር ክኢላ ሕጊ ዝነበረትን፡ ኬታንጂ ብራውን ጃክሰን፡ ነዚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com