Tuesday , April 30 2024

ካብዝን ካብትን

ሽወደናውያን ንዩክሬናውያን መጽለሊ ይቕርቡ ኣለዉ ተባሂሉ።

ኣብ ዝቕጽላ ኣዋርሕ ካብ ዓሰርተትት ኣሽሓት ክሳብ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ዩክሬይን ናብ ሽወደን ዕቚባ ክሓቱ እዮም ዝብል ትጽቢት ከም ዘለዎ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ገሊጹ’ሎ። ዛጊት እዞም ዩክሬናውያን ብ ስድራቤትን ኣዕሩኽን መጽለሊ ይቕረበሎም ከም ዘሎን እቲ ኲነታት ነቲ ኣብ 2015 ዘጋጠመ ዋሕዚ ስደተኛታት ከም ዘዘኻኽርን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ሽወደናውያን ነዞም ቅድሚ ሕጂ ዘይፈልጥዎም ሰባት ኣብ ቤቶም ከም ዘጽልሉ ብምግባር ይሕግዝዎም ምህላዎምን …

Read More »

ስቶክሆልም፥ ኤምባሲ ሩስያ ዝርከበሉ ከባቢ ስሙ ክቕየር ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ ስቶክሆልም ኤምባሲ ሩስያ ዝርከበሉ ጎደና ንኽብሪ ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ብምባል ብስሙ ክጽዋዕ ከም ዝግባእ ዝጠልብ ወፍሪ እናበርከት ይመጽእ ኣሎ ተባሂሉ። ኣብ ርእሰ ከተማ ሽወደን ስቶክሆልም ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ነቲ ኤምባሲ ሩስያ ዝርከበሉ ከባቢ ግዮርቨልገተን ስሙ ናብ ዘለንስኪገተን ክቕየር ሕቶኦም ኣቕሪቦም ኣለዉ። ኮሚተ ምስያም ስቶክሆልም ሎሚ ሰኑይ በዚ ጒዳይ ክእከብ እዩ ተባሂሉ’ሎ።    

Read More »

ዩክሬናውያን ስደተኛታት ብብዝሒ ናብ ሽወደን ኣትዮም።

ብሰንኪ ወራር ሩስያ ካብ ዓዶም ዝተሰዱ ዩክሬናውያን ብብዝሒ ናብ ሽወደን ክኣትዉ ምጅማሮም ተገሊጹ። ካብ 400-500 ዝኾኑ ስደተኛታት ዩክሬይን ምሉእ ለይቲ ክጉዓዙ ሓዲሮም ካብ ፖላንድ ናብቲ ኣብ ኒናሻምን ዝርከብ መርሳ ብጃልባ ክኣትዉ ምዕዛባ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። “ኣዝዩ ዘሰቅቕን ኣድካሚን ጒዕዞ ኢና ወዲእና” ክትብል ሓንቲ ምስ ስድራኣ ናብ ሽወደን ዝኣትወት መንእሰይ ነታ ሬድዮ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ሓቢራ። እዚ እናኾነ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን …

Read More »

ኖርዌይ፡ መፍረ መግቢ ኦርክላ ኣብ ሩስያ ዝነበሮ ስራሕ ደው ኣቢሉ’።

ኦርክላ ኣብ ሩስያ ዝነበሮ ቢስዝነስ መፍረ መግቢ ሃሜ ደው ከብሎ ምውሳኑ እቲ ኲባንያ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እዚ ኲባንያ ኣብ ሩስያ 367 ሰራሕተኛታት ዘለዉዎ ኮይኑ ኣብ 2021 ክሳብ 184 ሚልዮን ክሮና ኣታዊ ከም ዝነበሮን ኣብ ዕዳጋ ሩስያ ንነዊሕ ዝጸንሑ መግቢታት ይቕርብ ምንባሩን እታ ኩባንያ ወሲኻ ገሊጻ። “ድሕሪ ነዊሕ ናይ ውሳነ መስርሕ ኣብ ሩስያ ክንሰርሕ ኣይግባእን እዩ ብዝብል ኲባንያና ክንዓጹ …

Read More »

ሊበራላውያን፡ ናብ ኔቶ ምጽንባር ንጸጥታ ሰሜናዊ ኣውሮጳ ኣይጽልዎን እዩ።

ኣብዚ ሰሙን መንግስቲ ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ግዜኡ ከም ዘይኣኸለ ምግላጹ ዝዝከር ኮይኑ እቲ ብ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ዝተዋህበ ስነመጎት ድማ ሽወደን ናብ ኔቶ እንተተጸንቢራ ጸጥታ ሰሜናዊ ኣውሮጳ ክዝረግ እዩ ዝብል እዩ።. እንተኾነ ግና ባይቶ ሽወደን ኣብዚ ጒዳይ ኣብ ክልተ ከም እተመቕለን ብርክት ዝበላ ሰልፊታት ናብ ወተሃደራዊ ሽርክነት ኔቶ ምጽንባር ከም ዝድግፋን ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ’ላ። ሓደ ካብዚኣቶም ሊበራላዊ ሰልፊ …

Read More »

ነዊሕ መስርዕ ንምሕዳስ ፓስፖርት።

ኣብ ሽወደን ብፍላይ ድማ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ፓስፖርት ንምሕዳስ ነዊሕ መስርዕ ተፈጢሩ ምህላዉ ተገሊጹ። ፓስፖርቶም ክሕደሰሎም ዝደልዩ ሰባት ኣብ ከባቢኦም ብዝርከብ መደብር ፖሊስ ኣቢሎም ቦታ ክሓዝኡ ከም ዝኽእሉ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ እንተኾነ ግና ኣብ ገሊኡ ቦታታት ሕዙእ ቦታ ኣዝዩ ብምውሓዱ ንምርካብ ኣሸጋሪ እንኾነ ይመጽእ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ።

Read More »

ማዕከናት ዜና ሽወደን ብዛዕባ ኲናት ዩክሬይን ናይ ቆልዑ ፕሮግራም ይፍንዋ።

ካብ ምጅማር ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ንደሓር ቆልዑ ነቲ ኲነታት ብግቡእ ንኽርድኡዎ ብምባል ከምኒ ጁንዬርንሂተርናን ኤስቪቲን ዝበላ ፕሮግራማት ክፍንዋ ምጽንሐን ተገሊጹ። ካብ ከምኒ ሊላ ኣኩቴልት ዝመሰላ ክኢላታትን ስነልቦና ብዝተረኽበ ሓገዝ ኣቢሉ ብቐጥታ ዝካየድ ናይ ዕላል ፕሮግራም ብምድላው ካብ ቆልዑ ልዕሊ 60 ሽሕ ዝኾኑ ሕቶታት ምቕባሉ እውን ተመልኪቱ። ገለ ካብዞም ብቖልዑ ዝቐረቡ ሕቶታት “እዚ ኲናት ናብ ሽወደን ክመጽእ ድዩ?”፡ “ኔቶ …

Read More »

መንግስቲ ን ወጻኢታት ምክልኽል ብ 2% ሓፈሻዊ እቶት ሽወደን ከዕብዮ እዩ።

መንግስቲ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ን ወጻኢታት ምክልኻል ብ 2% ሓፈሻዊ እቶት ሽወደን ከዕብዮ ድሌት ከም ዘለዎ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ገሊጻ።. ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ሽወደን ንምክልኻል እትገብሮ ወጻኢታት ክውስኽ ምጽንሑ ዝገለጸ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን ኣንደርሾን ትማል ሓሙስ ንባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዘቕረበቶ እማመ ንምክልኻል ዝወጽእ ባጀት ናብ 108 ቢልዮን ክሮና ክብ ክብል ምሕታታ ወሲኹ ኣረዲኡ’ሎ። ብዘይካዚ መንእሰያት ኣብ ዝመጽእ ዓመታት …

Read More »

ሽወደን ሓንቲ ካብተን ን ሰራዊት ዩክሬይን ሓገዝ ዘበርከታ ሃገራትን ህዝብታትን እያ ተባሂሉ።

ዝተፈላለዩ ህዝብታትን ኲባንያታትን ዓለምና ንሰራዊት ዩክሬይን ዝውዕል ኣስታት 3.5 ቢልዮን ዶላር ምውፋየን ማእከላይ ባንክ ዩክሬይን ገሊጹ። ብመሰረት ሓበሬታ እዚ ባንክ እዚ ገንዘብ ካብ ከምኒ ሽወደን፡ ፊንላንድ፡ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን እዩ ተረኺቡ። ሰራዊት ዩክሬይን ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ኲናት ንዕጥቂ ስንቂን መግቢን ዝኸውን ገንዘብ ከም ዘድልዮ ካብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ፒተር ሊደን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ”ሎ።

Read More »

ኖርወይ፡ ንስደተኛታት ዩክሬይን ኣስታት 8,000 ናይ ህጹጽ እዋን መጽለሊ ይድለ ኣሎ።

ቊጽሪ ሓተትቲ ዕቚባ ዩክሬይን ወሲኹሉ ኣብ ዘለወሉ ኣብዚ ሕጂ እዋን ንስደተኛታት ዩክሬይን ኣስታት 8,000 ናይ ህጹጽ እዋን መጽለሊ ይድለ ከም ዘሎ ዳይረክቶሬት ኢሚግሬሽን ኖርወይ ኣፍሊጡ። “ምስቶም ኣቐዲምና መቓን ስምምዕ ዝጸንሓና ኣቕረብቲ ኣብ ምርድዳእ በጺሕና ኣለና” ክብል እቲ ዳይረክቶሬይት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብሪሁ’ሎ። እቲ መጽለሊ ተዳልዩ ንጠቕሚ ክፉት ክሳብ ዝኸውን ገለ ግዜያት ከድሊ እዩ ዝበለ እቲ ዳይረክቶረይት ክሳብ 25 ለካቲት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com