Wednesday , May 8 2024

ዜና

ወተሃደራት ኖርወይ ኣብቲ ምስ ሽወደን ዘዳውብ ከባቢታት ተዘጊሖም ኣለዉ ተባሂሉ

ወተሃደራት ኖርወይ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ንምክልኻል፡ ኣብቲ ምስ ሽወደን ዘዳውብ ከባቢታት ተዘርጊሖም ከምዘለዉ ተሓቢሩ። እዞም ወተሃደራት፡ ነቶም ካብ ሽወደን ዝመጹ በጻሕቲ፡ ደው ብምባል፡ መርመራ ኮሮና ከምዘካየዱን ነጻ ምኳኖም ዝሕብር ሰነዳትን ከቕርቡን ብምሕታት፡ ነቶም ሰነዳት ዘየማልኡ ሰባት ድማ ንድሕሪት ንኽመልሱ እዮም ኣብኡ ዘለዉ። እዚ ተርእዮ’ዚ፡ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ንፈለማ ግዜ ዝረአ ዘሎ እዩ። እዚ ተርእዮ፡ ዓቢ ለውጢ እዩ ዝበለ፡ ፒተር …

Read More »

ብሰንኪ ቅልውላው ኮሮና፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣብረርቲ (ፓይሎታት) ስርሖም ምስኣኖም ተገሊጹ

ኢንዱስትሪ መንገዲ ኣየር ሽወደን፡ ብለበዳ ኮሮና ብኸቢድ ስለዝተሃስየ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰራሕተኛታት ኩባንያ SAS ካብ ስርሖም ይመዛበሉ ምህላዎምን ተፈሊጡ። ዛጊት 210 ኣብረርቲ ነፋሪት ኩባንያ SAS፡ ናይ መወዳእታ ወርሓዊ ደሞዞም ንምውሳድ ይሰርሑ ምህላዎምን ድሕሪዚ ድማ ክፋነዉ ምዃኖምን ተሓቢሩ። ብመሰረት ፈደሬሽን ኣብረርቲ ነፈርቲ፡ ለበዳ ኮሮና ኣብ መጀርመታ ዓመት 2020 ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ካብ 1500 ኣብረርቲ ነፈርቲ እቶም 950 ዝኾኑ ካብ ስራሕ ከም እተፋነዉ …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ Svenska nyheter på tigrigna 30 November 2020

Read More »

ኩባንያ ኣስትራዘኒካ ዘፍረዮ ክታበት፡ ዝያዳ መጽናዕቲ ከድልዮ እዩ ተባሂሉ

ሽወደናዊ ብሪጣንያዊ ኩባንያ ኣስትራዘኒካ ምስ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድን ብምትሕብባር ውጽኢታዊ ክትባት  ጸረ ኮሮና ረኺብና ኢሎም ምስ ኣወጁ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ኣብ ፍርያት ጸገም ከም ዘጓነፎም ኣሚኖም። ገለ ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት፡ ተመሳሳሊ ግብረ መልሲ ስለምንታይ ኣይሃቡን ንዝብል ሕቶ ግና ኣይጠቐስዎን ኣለዉ። ካብቶም ክልተ ግዜ ምሉእ ዶዝ ዝወሰዱ ሰባት እቶም ዝወሓደ ዶዝ ዝተዋህቡ ወለንተኛታት እዮም  ዝሓሸ ውጽኢት ኣመዝጊቦም ዘለዉ። ኣብዞም ውሑድ …

Read More »

ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ንምብጻሕ ዝኽልክል መምርሒ ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል፡ ቤት ፍርዲ፡ ከምዝቋረጽ ጌርዎ

ካብ ዕለት 12 ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ 14 ሕዳር ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ናብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ንምብጻሕ ዝኽልክል ብመንገዲ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም ዝወጸ መምርሒ፡ ብቤት ፍርዲ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፡ ዘይሕጋዊ ብምባል ንተግባራውነቱ ከምዝቋረጽ ገይርዎ። ቤት ምኽሪ ከተማ ስቶክሆልም፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝተመሓላለፈ መምርሒ፡ ቤተሰብ ናይቶም ኣረጋውያን ከይተረደኦም ብኮሮና ከይልብድዎም እዩ። እዚ ድማ ትርር ዝበለ መምርሒ ድኣ እምበር፡ ቀያዲ ዝኾነ ትእዛዝ …

Read More »

ሚኒስተር ኢሚግሬሽን፡ ትሑት ሞያዊ ዓቕሚ ዘለዎም ወጻእትኛታት ሰራሕተኛታት ምቕባል ከነውሕድ ኢና

መንግስቲ ሽወደን፡ ነቶም ካብ ወጻኢ ሃገራት ናብ ሽወደን ብምምጻእ ብመልክዕ ስደተኛታት ይኹን ናይ ስራሕ መንበሪ ንዝሓቱ ሰባት፡ ልዑል ዓቕምን ሞያን ክህሉዎም ጥራይ ዝጠልብ ሕጊ ክህሉ ከምዝደልይ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ሕጊ ሽወደን፡ ዝኾነ ዋሃቢ ስራሕ፡ ሞያን ክእለትን ብዘየገድስ ብምኽንያት ስራሕ ሰባት ብምምጻእ መንበሪ ፍቓድን ስራሕን ብምድላዉ ሰባት ካብ ደገ ከምጽኡ ዝኽእልሉ ሕጊ ከምዝጸንሐን፡ ሕጂ ግን እዚ ሕጊ ልዑል ምህሮን ሞያን ንዘሎዎም ሞያተኛታት …

Read More »

ኣብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ፡ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ

ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ሰዓት 8 ናይ ምሸት፡ ኣብ ቦርሊንኘ (Borlänge) እትርከብ ቤት ትምህርቲ ይለ (Gylle) ዘጋጠመ ናይ ባርዕ ሓደጋ ተኽቲሉ፡ ፖሊስ፡ ነቲ ፈጻሚ ናይቲ ሓደጋ ዝበሎ ጥርጡር ኣብ ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዮ፡ መባእታዊ መርመራታት ከምዘካየደ ሓቢሩ። ሓሙሽተ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ኣብ ምቕሃም ከምተሳተፋን ንሎሚ ሰኑይ ንጥፈታት ትምህርቲ ኣቛሪጹ ከምዘሎን ተፈሊጡ። እቲ ሓደጋ …

Read More »

ብሰንኪ ቫይረስ ኮሮና ዝተሃስያ ሸውዓተ ርእሰ ከተማታት ኤውሮፓውያን ሃገራት

ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ዝተሃስያ ርእሰ ከተማታት ንምውድዳር፡ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ኣብ መንጎ ዓበይቲ ርእሰ ከተማታት ኤውሮፓ ዝገበሮ ምንጽጻር ምርኩስ ብምግባር፡  ከተማ ስቶክሆሎም፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ ከምትርከብ ተፈሊጡ። እቲ ዝተገብረ ምንጽጻር፡ ካብ 100 ሽሕ ሰባት ክንደይ ሰባት ከምዝሞቱ ዝወዳድር እዩ። እተን ኣብ ምንጽጻር ዝኣተዋ ዓበይቲ ርእሰ ከተማታት ኤውሮፓ፡ በርሊን፡ ለንደን፡ ማድሪድ፡ ኦስሎ፡ ፓሪስ፡ ሮማን ስቶክሆሎምን እየን። ኣሚስተርዳም፡ ብራጋን ብሮክስሊን ኣብቲ ምንጽጻር …

Read More »

ኣብ ቡደን (Boden)፡ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ ተዓጽያ

ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ቡደን እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ስቫትቢያርንሽቢን (Svartbjörnsbyn) ከም ተዓጽወት ተፈሊጡ። ብመሰረት እታ ቤት ትምህርቲ፡ ብዝሕ ዝበለ ቑጽሪ ኣባላታ ብሕማም ስለ ዝተጠቕዑን፡ እኹል ቁጽሪ ተካእቲ ብዘይምህላዎምን ነቲ ውሳነ ክትወስድ ከምተገደደት ትሕብር። እዛ ቤት ትምህርቲ፡ ካብ ቅድመ ትምህርቲ ክሳብ 6ይ ክፍሊ ትምህር ኮይና ኣስታት 150 ተማሃሮ ኣለውዋ።

Read More »

ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝተራእየ ጉድለት፡ ዘሰንብድ እዩ፡ ትብል

ብበዓል መዚ ተቖጻጻሪ ሓለዋን ጥዕናን (IVO) ዝቐረበ ጸብጻብ ድሕሪ ምዕዛብ፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ዝርከባ 98 እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝርከቡ ሕሙማት ኮቪድ-19 ዝተፈጸመ ጉድለት ኣመልኪታ፡ ዘሰንብድን ዘሕዝንን እዩ ክትብል ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝካየደቶ ርክብ ገሊጻ። እቲ ዝተፈጸመ ጉድለት፡ ዘሰንብድን ዘይቅቡልን እዩ። ዕድመ ሰብ ይኹን ኣበየናይ ክፋል ናይዛ ሃገር ይሃሉ ብዘየገድስ፡ ግቡእን ምዕሩይን ዝኾነ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com