Thursday , May 9 2024

ስራሕን ቁጠባን

Harmony News 21/07/2021

Read More »

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዕግርግርን ናዕብን ይቕጽል

ንማእሰርቲ ፕረዚደንት ነበር፡ ጃኮብ-ዙማ፡ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ኣብ ኣውራጃ ክዋዙሉ ናታል ጥራይ፡ ናይ 1 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ምዕናዉ ተገሊጹ። በዚ ተላዒሉ ዘሎ ዕግርግርን ናዕቢን ኣብ ክዋዙሉ ናታል ጥራይ ክሳብ 40 ሽሕ ዝበጽሕ ናይ ንግዲ ቦታታት፡ ተዓጽዮም ምህላዎም ኣብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ዝሰርሕ ሓደ ሚኒስተር ገሊጹ’ሎ። ልዕሊ 200 ዱኳናት ከም እተዘርፈን ኣብ ደርባን ጥራይ ልዕሊ 1 ሚልዮን ዶላር …

Read More »

ሃገረ ሀይቲ፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ቃለ ማሕላ ፈጺሙ

ወዲ 71 ዓመት፡ ኣርየል ሄንሪ፡ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሃገረ ሀይቲ ብምዃን ቃለ ማሕላ ፈጺሙ ክብል ንጸብጻብ ሮይተርስ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ናይ ቀደም ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዝነበረን ድሕሪ መቕተልቲ ፕረዚደንት’ታ ሃገር ዝነበረ፡ ጆቬነል ሞይሲ፡ ንነብሱ ከም ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝሾመ፡ ክላውድ ጆሰፍ፡ ንረብሓ እታ ሃገር ብምቕዳም፡ ካብ መዝነቱ ከምዝተኣልየ ድሕሪ ምሕባሩ እዩ እዚ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝሽየም ዘሎ …

Read More »

ትግራይ፡ ቃፍላያት መካይን ረድኤት ተጠቒዐን

ሰብኣዊ ረድኤት ጽዒነን፡ ናብ ትግራይ ዘምርሓ ዝነበራ ቃፍላይ ዓበይቲ መካይን፡ ናብቲ ክልል ከይበጽሓ መጥቃዕቲ ከም ዝወረደን ጸብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። እዚ መጥቃዕቲ ነቲ ኣብ ትግራይ ክሳለጥ ዘሎ ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዛት ተወሳኺ ሽግራት ዝፈጥር እዩ ተባሂሉ’ሎ። 10 ረድኤት ዝጸዓና ዓበይቲ መካይን፡ ኣብ ዶብ ትግራይ ዓፋርን መጥቃዕቲ በጺሕወን ኣሎ ክብል፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ትግራይ ንሽሞንተ ኣዋርሕ ክካየድ ዝጸንሐ ኲናት፡ ኣብዚ እዋን …

Read More »

ካቲ ሃፕኪንስ፡ ካብ ኣውስትራልያ ተሰጒጋ

ብሪጣንያዊት ሕልፍቲ የማናዊት ኮመንታተር፡ ካቲ ሃፕኪንስ፡ ሕጊ ውሸባ ሆቴል ምጥሓሳ፡ ብጃህራ ክትዛረብ ስለ እተሰምዐት ካብ ሃገረ ኦስትራልያ ክትስጎጒ ከም እተገብረት ተገሊጹ። ዓሌታዊ ዘረባታት ብምውጻእ ብዙሕ ተቓውሞ ዝቐርበላ፡ ካቲ ሃፕኪንስ፡ ነቲ ቢግ ብራዘር ኣውስትራልያ ዝተባህለ ፕሮግራም ንምጅማር እያ ናብ ኣውስትራልያ ኣትያ። ንሳ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ካብ ሆቴላ ብቐጥታ ኣብ ዝመሓላለፈቶ መልእኽቲ፡ ንጥብቂ ሕጊ ውሸባ ሆቴል እታ ሃገር “ብምሽክዓ” ብሓበን ክትገልጽ ከም እተሰምዐትን …

Read More »

Harmony News 19-07-2021

Read More »

ህንዳዊ ሳኣላይ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ተቐቲሉ

ተሸላሚ ፑሊትዘር ዝኾነ ህንዳዊ፡ ደኒሽ ሲዲቂ፡ ኣብ ኣፍጋኒስታን ከም እተቐትለ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ገሊጹ። ወዲ 41 ዓለት ደኒሽ ንዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ሰኣላይ ሮይተርስ ምንባሩ ዝገለጸ ጸብጻብ ቢቢሲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዜናዊ ስእሊታት ከዳሉ ኣብ ተልእኾ እናህለወ ምሟቱ ኣረጋጊጹ። ንሱ ጥቓ ዶብ ፓኪስታን ኣብ እትርከብ ዓዲ ብጒጅለ ጣሊባን ብዝተገብረ ድብያ እዩ ተቐቲሉ። ኣብቲ መጥቃዕቲ ክንደይ ካልኦት ሰባት ምሟቶም ኣይተሓበረን። ኣብ ሙምባይ …

Read More »

ፍርያት ኣይስክሬም፡ ንኽምለስ ተሓቲቱ

ስያ (Sia) ዝዕላመቱ ኩባንያ ኣይስክሬም፡ ብሰንኪ ኣብ ትሽዓተ ካብ ፍርያታቱ ዝተረኽበ ኢታይሊን ኦክሳይድ ዝተባህለ ቀመም፡ ካብ ዕዳጋታት ክእክብ ምዃኑ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ብመሰረት ኩባንይ ስያ ኣይስክሬም፡ መጠን ናይቲ ኣብ ፍርያቱ ዝተረኽበ ቀመም ብጣዕሚ ውሑድ’ኳ እንተኾነ፡ ነቶም ናይ ለሚንን ማንጎን መቐረት ዘለዎም፡ ኣብ ናይ ሓሙሽተ ሊትሮ መትሓዚ ዝሽየጡ ፍርያቱ፡ ካብ ምፍራይ ጠጠው ኣቢልዎም ከም ዘሎ ገሊጹ። እቶም ነዚ …

Read More »

Harmony News 16/07/2021

Read More »

ኣመሪካን ጀርመንን ንተጻብኦ ሩስያ ብሓባር ክምክታ ተሰማሚዐን

ቻንስለር ጀርመን፡ ኣንገላ መርከል፡ ንዋሺንግተን ኣብ እትበጽሓሉ ዘላ እዋን፡ ፕረሲደንት ጆ ባይደን፡ ክልቲአን ሃገራት ንተጻብኦ ሩስያ ብሓባር ክምክታ እየን ምባሉ ተገሊጹ። ኣንገላ መርከል ብወገና፡ ሩስያ፡ ነቲ ካብ ሞስኮ ናብ ጀርመን ዝዝርጋሕ ምንጪ ጸዓት ጋዝ፡ ከም መሳርሒ ኲናት ክትጥቀመሉ ክንፈቅድ የብልናን ክትብል ገሊጻ’ላ። ብዘይካ’ዚ፡ ክልቲአን ሃገራት፡ ንዘይ ዲሞክራስያዊ ተግባራት ቻይና ከም ዝዂንና ገሊጸን ኣለዋ። “ብወገን ምብራቕ ዝርከብ መሻርኽትና ክንፊ ኔቶ ካብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com