Saturday , May 4 2024

ስራሕን ቁጠባን

ሽወደን፡ ፈተነ ሲረና ተኻዪዱ።

ትማል ሰኑይ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መላእ ሽወደን ፈተነ ግዳማዊ ናይ መጠንቀቓት ሲረና ተኻዪዱ። እዚ ፈተነ ኣብ ዓመት ኣርባዕተ ግዜ ዝካየድ ኮይኑ ኣብ ወርሓት መጋቢት፡ ሰነ፡ መስከረምን ታሕሳስን ሰኑይ መዓልቲ ክካየድ እዩ። “ፈተነ ሲረና ክንገብር ዝደረኸና ኣብ ዓለምና ዝምዕብል ዘሎ ኲነታት እዩ። ሰባት ነዚ ሲረና ናይ ኲናት ወይ ካልእ መጠንቀቕታ ጌሮም ክወስድዎ የብሎምን” ክብል ኣብ ኤጀንሲ ሲቪላዊ ተኽእሎታት ሃኬን …

Read More »

ብሰንኪ ኲናት ዩክሬይን ዕዳጋ ስቶክሆልም የንቈልቊል።

ኣብ ዩክሬይን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሎሚ ንግሆ ምንቊልቋል ብርኪ ሽወደን ኣጋጢሙ ምንባሩን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣውፈርቲ ሻቕላ ፈጢሩ ምህላዉን ተገሊጹ። ዕዳጋ ብርኪ ሽወደን ካብዚ ክሳራታቱ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ እኳ እንተሓወየ ካብ ምጅማር ወራር ሩስያ ጀሚሩ ብቐጻሊ ምንቊልቋል ከአንግድ ምጽንሑ እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እዚ ኩናት ኣብ ዋጋ ነዳዲን ጋዝን ኣስዒብዎ ዘሎ ተወሳኺ ሰከም ኣብ ልዕሊ ነጋዶ ሻቕላ ፈጢሩ ምህላዉ …

Read More »

ኲባንያታት ሽወደን ኣብ ሩስያ ዝነበረን ስራሕ ደው የብላ።

ኣብ ሩስያ ዝዓያ ዝነበራ ኲባንያታት ሽወደን ድሕሪ ዝወረደን ነቐፌታ ብግዜያውነትን ንሓዋሩን ስርሐን ክዓጽዋ ከም ዝወሰና ይግለጽ ኣሎ። ሓደ ካብዚኣቶም እቲ ገዚፍ መፍረ ኣቕሑ ዕንጸይቲ ዝኾነ Ikea ኮይኑ ኣብ ሩስያን ቤላሩስን ዝጸንሖ ስራሕ ክዓጹ ወሲኑ’ሎ። እዘን ኲባንያታት ኣብዚ ውሳነ ዝበጽሓ ድሕሪ ቅሉዕ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ኣብ ሩስያ ከመይ ኢለን ስራሕ ይቕጽላ ዝብል ሰፊሕ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ነቐፌታ ክወርደን …

Read More »

ስታቲስቲክስ ኖርዌይ : ሰደድ ፍሬሽ ሳልሞን ዝለዓለ ዋጋ ኣመዝጊቡ። 

ኣብ ሻብዓይ ሰሙን  ዋጋ ፍሬሽ ሳልሞን ን ኪሎ 87.60 ክሮና ኖርዌይ ምንባሩን ምስታ ቅድሜኣ ዝነበረት ሰሙን እንክነጻጸር ናይ 13% ወሰኽ ምርኣዩን ትማል ረቡዕ ዝወጸ ስታቲስቲክስ ኖርዌይ ኣመልኪቱ። ብመሰረት E24, እዚ ሓድሽ ክብረወሰን ዋጋ እዩ፡ ዋጋ ሳልሞን ሕጂ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ብ 72% ዝለዓለ እዩ። ዝሓለፈ ዝለዓለ ዋጋ ቀዳማይ ሰሙን 2020 ንሓደ ኪሎ 78.20 ክሮና ኖርዌይ እዩ ኔሩ። . …

Read More »

ሩስያ ብዝፈጠረቶ ቅልዉላዉ ናህሪ ዋጋታት ነዳዲ ዝያዳ ይሕይል

እቲ ኣብ ዩክረይን እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ታህዲድን ሩስያ ዋጋ ነዳዲ እናወሰኸ ይኸይድ ስለዘሎ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ዋጋታት ነዳዲ ብሓፈሻ ዋጋ በንዚንን ናፍታን ከኣ ብፍላይ ኣብ ሽወደን ከቢድ ሻቕሎት ይፈጥር ኣሎ ክብል ግልጋሎት ዜና ተተ ሓቢሩ። ብመሰረት እዚ ሓበሬታ ዋጋ ነዳዲ ዘይቲ ኣብ ሓደ ባሬል ልዕሊ 98 ዶላር ኮይኑ ጽንሕ ኢሉ ናብ  99 ዶላር ኣመሪካ ክብ ኢሉ ከምዘሎን፣ እዚ ኸኣ ኣብ …

Read More »

ኦስትራልያ ዶባታ ን ኣህጒራዊ በጻሕቲ ከፊታ።

ኦስትራልያ ንኽልተ ዓመት መመላእታ ተዓጽያ ድሕሪ ምጽናሕ ዶባታ ንኣህጒራውያን በጻሕቲ ከፊታ’ላ። እዚ ውሳነ ነቶም ምስ ስድራኦም ተፈላልዮም ዝጸንሑ ሰባት ዓብዪ ሓጎስ ፈጢሩሎ። ብዘይካዚ ጽላት ቱሪዝም ኣብ ምብርባር እውን ተወሳኺ ኣወኦታዊ ስጒምቲ ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። ኦስትራልያ ብምኽንያት ኮቪድ ካብ መጋቢት 2020 ኣትሒዛ ኣዝዩ ጽንኲር ናይ ጒዕዞ መምርሒታት ኣጽኒዓ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። ኦስትራልያውያንን ካልኦትን ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሕዞም ክምለሱ እኳ እንተተፈቒደሎም ወጻእተኛታት ግና …

Read More »

ኢንዱስትሪታት ብ ናህሪ ዋጋ ሞተረ ዲዝል ይጥቅዓ።

ኣብ ሽወደን ዋጋ ነዳዲ ሞተረ ዲዝል ብቕልጡፍን ዘይነዓቕን መጠን ክውስኽ ምጽንሑን እዚ ድማ ብ ሓይሊ ሞተረ ዲዝል ዝንቀሳቐሳ ተሽከርከርቲ ኣብ ዝግልገላ ቢዝነሳት ጸቕጢ ፈጢሩ ምህላዉ ተገሊጹ። በዚ ድማ ሚኒስተር ጒዳያት ገጠር ኣና-ካረን ሳዘርበሪ ኣብ ኩባንያታት ሕርሻን ፍሩስታለን ንዝውዕል ዲዝል ዝስላዕ መጠን ቀረጽ ክጐድል እማመ ኣቕሪባ’ላ። ዋጋ ነዳዲ ዲዘል ካብቲ ዓሚ ዝነበሮ ብ 40% ብምውሳኹ ዘወርቲ ዓበይቲ መካይን ኣብ ዓብዪ ጸቕጢ …

Read More »

ቅልውላው ዩክሬይን ኣብ ልዕሊ ሽወደን ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለዎ ተባሂሉ።

ኣብ ዩክሬይን ሰፊኑ ዘሎ ወጥሪ ኣብ ፖሊሲ ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ቀጥታዊ ጽልዋ ኣለዎ ክብል ሓደ ክኢላ ገሊጹ። ሰብመዚ ሽወደን ኣብ ጒዳይ ምኽታት ሩስያ ጽንክር ዝበለ መርገጺ ዝወሰዱሉ ምኽንያት በዚ እዩ ክብል እቲ ክኢላ ወሲኹ ኣብሪሁ። ኣባል ትካል ኣህጒራዊ ጒዳያት ሽወደን ዝኾነ ያን ሃለንበርግ ነቱ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኔቶ ዘቕረበቶ ጠለብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሩስያ ነቲ ወተሃደራዊ ጥምረት ክትጽንበሮ ምንም …

Read More »

ሚኒስተር ባህሊ ኖርዌይ ንኢንዱስትሪ ፊልምን ተዋሳእቲን እታ ሃገር ክሕግዝ እየ ይብል።

ሚኒስተር ባህሊ ኖርዌይ ኣኔት ትሬተበርግስቱወን ኣብ ዓመታዊ ስነስርዓት ኦስካር ይሳተፉ ንዘሎ ኢንዱስትሪ ፊልም ኖርዌይ ንምትብባዕ ናብ ሆሊዉድ ክትከይድ እያ ተባሂሉ። Verdens Verste Menneske (ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰብ) ዘርእስታ ፊልም ኖርዌይ ኣብ እትሽለመሉ ኣጋጣሚ እትርከብ ዘላ ትሬተበርግስቱወን ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ እተረኽበት ፋልመይቲ ሚኒስተር ኖርወይ ክትከውን እያ። እዛ ፊልም ብኽልተ ረቛሒታት–ማለት International Feature Film ከምኡውን “ዝበለጸ መበቈላዊ ጽሑፍ ፊልም” ን ኦስካር …

Read More »

ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን ን ውሳነ ስወዳቭያ ክምርምሮ እየ ኢሉ።

ስወዳቭያ ን መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንድ ኣመልኪቱ ምስ መንግስቲ ቻይና ጥቡቕ ዝምድና ምስ ዘለዎ ኲባንያ ቻይና ውዕል ብምፍጻሙ ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን ንውሳነ ስወዳቭያ ክምርምሮ ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ውዕል ናይ Xray ማሽናት፥ ስካነራትን ነተጒቲ ዝፍትሽ መሳርሒታትን ብሕስር ዝበለ ዋጋ ዝቕርብ ብምዃኑ ጸጥታዊ ኣገልግሎት ንምድንፋዕ ተመራጺ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ 10 ኣዝየን ንጡፋት መዓርፎ ነፈርቲ ሽወደን ዘመሓድር ኲባንያ ስወዳቭያ ገሊጹ’ሎ። ኤጀንሲ መጓዓዝያ ሽወደን እዚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com