Friday , May 10 2024

ስራሕን ቁጠባን

ናስሉንድ ወርቂ መዳልያ ተዓዊታ።

ሽወደናዊት ሳንድራ ናስሉንድ ኣብ በይጂንግ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዊንተር ኦሊምፒክስ ብውድድር ምንሽርታት በረድ ተዓዋቲት ወርቂ መዳልያ ኮይና። 25 ዝዕድሜኣ ናስሉንድ ኣብዚ ውድድር ካብ 11 ነተን 10 ብምዕዋት እያ ናይ መዛዘሚ ግጥም ሓሊፋ። “ንዂሎም ኣብዚ ጒዕዞ ምሳይ ዝነበሩን ዝሓገዙንን ኣዝየ ከመስግኖም እደሊ። ብሓቂ ዘሐብን እዩ” ክትብል ናስሉንድ ሓጎሳ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ኲባንያታት ኣብ ጥዕናን ድሕነትን ሰራሕተኛትት መበጻጽሕቲ ኣቕሑ ሓላፍነት ኣይክወስዳን እየን።

ገለ ኣፕ ካምፓኒስ እናበላ ንገዛእ ርእሰን ዝጽውዓን ንሰራሕተኛታት ብ ዲጂታላዊ ኣገባብ ኣቢለን ብተራ ዘረባታት ክማርኻ ዝፍትናን ኲባንያታት ከም ቁጸርቲ ከም ዘይሕሰባን ኣብ ጥዕናን ድሕነትን ሰራሕተኛትት መበጻጽሕቲ ኣቕሑ ሓላፍነት ከም ዘይወስዳን ተገሊጹ። እዚ ዝበለ በዓልመዚ ኣከባቢ ስራሕ ሽወደን ናብ መንግስቲ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ እዩ። ሕጂ ዘሎ ሕጊታት ኣብ ከምዚ ዝበሉ ኲባንያትታ ንዝሰርሑ ሰባት ውሑስ ኣከባቢ ንምፍጣር እዂል ኣይኮነን ክብል እቲ በዓልመዚ …

Read More »

ሰልፊታት ሽወደን ኣብ ጒዳይ ሓገዝ ዩክሬይን ይፈላለያ።

ኲለን ፖለቲካዊ ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን ነቲ ሩስያ ኣብ ዶብ ዩክሬይን እትገብሮ ዘላ ገዚፍ ምኽታት ሰራዊት ኮኒነን ኣብ ጎድኒ ሃገር ዩክሬይን ደው ከም ዝብላ እየን ዝገልጻ። እንተኾነ ግና እዚ ደገፍ ብኸመይ ክግለጽ ኣለዎ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ከም ዝፈላለያ ተገሊጹ። ገሊኣተን ቊጠባዊን ሞራላዊን ሓገዝ ጥራይ እዂል እዩ ክብላ እንከለዋ ዝተረፋ ድማ ወተሃደራዊ ሓገዝ ምግባር ኣገዳሲ እዩ ዝብል መርገጺ ብምሓዘን ምፍልላይ ከም እተራእየ …

Read More »

ኖርዌጃውያን ናይ ዊንተር በዓላት ኣብ ውሽጢ ሃገር ከሕልፉ ይደልዩ።

15% ኖርዌጃውያን ጥራይ በዓላት ዊብተር ካብ ሃገር ወጻኢ ከሕልፉ ከም ዝደልዩ Response Analyze ን ፍረምቲድ ብምውካል ኣብ ዘካየዶ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ኣብ ኖርዌይን ኣውሮጳን መምርሒታት ኮቪድ ቀጺሉ እኳ እንተሃለወ 85% ኖርዌጃውያን ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም በዓላት ዊንተር ከሕልፉ ድሌት ከም ዘለዎም ገሊጾም ኣለዉ። ኣብዚ መጽናዕቲ ን 230 ሽሕ ሰባት ቃለመሕትት ከም ዘካየደ ዝገለጸ እቲ መጽናዕቲ 5% ናብ ውዕይ ዝበለ ኲነታት …

Read More »

ኖርዌይ፥ ኣብ እዋን ለበዳ ኣባልነት ማሕበር ኮንፈደሬሽን ምዕባዩ ተገሊጹ።

ኮንፈደሬሽን ሞያተኛታት ኖርወይ ኣባላቱ ናብ 390000 ምዕባዩን 8500 ካብዚኣቶም ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ እተጸንበሩን ምዃኖም ተገሊጺ። ዝበዝሐ ወሰኽ ኣባልነት ኣብ ማሕበር ትምህርቲን ማሕበር ነርሲታት ሞርዌይን ከም እተመዝገበ ዝገለጸ መርበብ ሓበሬታ ኖርዌይ ቱደይ ካብዘን ማሕበራት 4500 ከምኡውን 2100 ዝኾኑ ኣባላት ከም እተጸንበሩ እቲ ኮንፈደሬሽን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። “ኣባላትና ምውሳኽ ማለት ኣብዚ ስሉሳዊ ምትሕብባር ዘሎ ዓቕሚ ይውስኽ ኣሎ ማለት እዩ፥ …

Read More »

ኣብ ወርሒ ጥሪ ሰደድ ኖርወይ ዝነኣድ ዕብየት ኣርእዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ሰደድ ኖርወይ ብ 91.8 ቢልዮን ብምውሳኽ ካብቲ ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ኣታዊ ብዕጽፊ ክዛይድ ምኽእሉን ናብ 160.4 ቢልዮን ምዕባዩን ተገሊጹ። ብመሰረት ካብ ስታቲስቲክስ ኖርዌይ እተረኽበ ሓደስቲ ኣሃዛት ሰደድ ናብ ሃገራ እተእትዎ ኣቕሑ ብ 23.3% ወሲኹ ናብ 68.6 ቢልዮን ዶላር ዓብዩ’ሎ። ሰደድ እታ ሃገር ምስ ተመሳሳሊ ወርሒ ናይ ዝሓለፈ ዓመት እንክወዳደር ብዕጽፊ ብምዕባዩ መኽሰብ …

Read More »

ብቢልዮናት ዚቝጸር ክሮነር ህጹጽ ሓገዝ ንሓረስቶት

መንግስቲ ምስቲ ኣብ ሪክስዳግ ዘለዉ ሰልፍታትን ምስ ሃገራዊ ማሕበር ሓረስቶትን ብተደጋጋሚ ክሕተት ዝጸንሐ ህጹጽ ሓገዝ ከምኡ እዉን ፣ መብዛሕትኦም ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዋጋታት ነዳዲ ንምምላእ ብ700 ሚልዮን ደገፍ ከም እተገብረሎም ጸብጻብ ተዋሂቡ ኣሎ ። ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሪክስዳግ ንሕርሻ ዝግበር ናይ ቅልውላው ደገፍ ጽዑቕ ምይይጥ ተገይሩ ኢዩ ። ሚኒስተር ፋይናንስ ሚካኤል ዳምበርይ ሚኒስተር ገጠራት ኣና-ካረን ዛርበርግ (ኤስ) ሎሚ …

Read More »

ሰራሕተኛታት ዝያዳ ናጽነት ይደልዩ ኣለዉ ።

ድሕሪ እቲ ብሰንኪ ለበዳ ተነቢሩ ዝነበረ ኩሉ ቀይድታት ምልዓሉ እቲ ህይወት ኣብያተ ጽሕፈት፣ ከምቲ ቕድሚ እቲ ለብዒ ዝነበረ ኣይኪኸውንን እዩ ክብል ሓደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ብመሰረት እቲ ወግዓዊ ዝኾነ መጽናዕቲ ከምዘመልከቶ፣  ሰራሕተኛታት ኣበይ ከም ዚሰርሑን መዓስ ከም ዚሰርሑን ባዕሎም ኪውስኑ ስለ ዚደልዩ እቲ ለብዒ ንጹር ጽልዋ ገሩ ከምዘሎ ዘመልክት ከምዝኾነ ይሕበር ። ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ገኒኖም ዘሎዉ ጠለብ ወሃብቲ ስራሕ ተዓጻጻፍነት …

Read More »

ሆላንድ፥ KLM ናብ ዩክሬይን ዝገብሮ በረራታት ደው ኣቢሉ።

መንገዲ ኣየር KLM ናብ ሃገረ ዩክሬይን ዝገብሮ በረራታት ደው ከም ዘበለ ን መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ብምጥቃስ NOS ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኔዘርላንድስ ጸብጺቡ። ብመሰረት እቲ ማዕከን ዜና እዚ ምቊራጽ በረራ ዝሓለፈ ቐዳም ዝነበረ ፕሮግራም ብምስራዝ እዩ ተጀሚሩ። እቲ መንገዲ ኣየር ኣብ መዓልቲ ክልተ ሳዕ ናብ ዩክሬይን በረራታት የአንድግ ምንባሩ ኖርዌይ ቱደይ ዝተባህለ ማዕከን ዜና ወሲኹ ገሊጹ። ብምኽንያት ኣብ ዩክሬይን ተኸሲቱ …

Read More »

ምስ ምልዓል እገዳታት ሕጽረት ሰራሕተኛታት ኣብያተ-ምግቢመሰተን የጋጥም።

ኣብያተ መግብንመስተን  ቐይድታት ብምልዓሉ ዓቢ ዜና እንተኾነ፣ እቲ ምልዓል እገዳ ንበይኑ ናይ ባዕሉ ጸገም ሕጽረት  ጽቡቕ ክእለትን ተመክሮን ዘለዎም ሰራሕተኛታት ሕጽረት ከምዘጋጠሞ ተሓቢሩ። ድሕሪ ምሎዓል ኩሎም ማሕበራዊ እገዳታትን መምርሕታትን ኮሮና ተኸቲሉ ኣብ ኣብያተ መሸጣ መግብን መስተን ሓያል ሕጽረት ብቑዓትን ሰብ ተመኩሮን ሰራሕተኛታት ሕጽረት ከምዘጋጠመ ግልጋሎት ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ዛጊት ተራእዩ ዘሎ ሕጽረት ተመኩሮ ብዘይብሎም ተማሃሮን መንሰያትን ክትካእ እኳ እንተተፈተነ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com