Wednesday , May 1 2024

ውህደት

ኩባንያ ኪያ (KIA)፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸራ መካይን ክምለሳ ይጽውዕ

ኪያ (KIA) ተባሂሉ ዝፍለጥ መካይን ዘፍርይ ዓቢ ኩባንያ፡ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ካብ ዘለዋ መካይን ብሰንኪ ኣብቲ ብንፋስ ዝተመልአ ናይ ሓደጋ መከላኸሊ ጎማታትት (airbags) ዝተረኣየ ጸገማት፡ እተን 410,000 ዝኾና መካይን ናብቲ ኩባንያ ክምለሳ ከምዝጸወዐ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ መጸዋዕታ ብኣውርኡ ነተን ፎርተ (Forte) ተባሂለን ዝፍለጣ ኣብ ዓመተ 2017ን 2018 ዝተሰርሓ ፍርያት ዝምልከት ከም ዝኾነ’ውን ተሓቢሩ’ሎ። እተን ሴዶና (Sedona) …

Read More »

ሩስያ፡ ኲናት ዩክሬይን ከም ዘይትደሊ ገሊጻ

ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ሩስያ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ንዩክሬይን ክትወርር ትኽእል እያ ብምባል መጠንቀቕታ ድሕሪ ምትሕልላፉ፡ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሩስያ፡ ሰርጌይ ላቭሮቭ’ ምስ ዩክሬይን ዝኾነ ኲናት ከም ዘይደሊ ገሊጹ’ሎ። ላቭሮስ ብዓርቢ ንማዕከናት ዜና ሩስያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክረምሊን ምስ ኪዬቭ ኣብ ኲናት ክትኣቱ ድሌት ከም ዘይብላ እንተኾነ ግና እዚ ማለት ሩስያ ንጸጥታዊ ረብሓኣ ሸለል ክትብል እያ ማለት ተጌሩ ክውሰድ ከም …

Read More »

ሩዋንዳ፡ ምስ ኡጋንዳ ዘራኽባ ዶብ፡ ከፊታ

ሩዋንዳ፡ ምስ ኡጋንዳ ዘራኽባ ዶብ ካብ 2019 ጀሚራ ዓጽያቶ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዝመጽእ ሰኑይ ክትከፍቶ ምዃና ገሊጻ’ላ። ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ብሰንኪ ዝተኸስተ ምስሕሓብ፡ ኣብ ነቚጣታት ዶብ ጋቱና-ካቱና ዝግበር ዝነበረ ምልውዋጥ ኣቕሑን መገሻን ተቛሪጹ እዩ ጸኒሑ። እዚ ይዂንምበር፡ ብዓቐኑ ውሕድ ዝበለ ፍርያት ብ ችያኒካን ካጊቲምባን ኣቢሉ ክመሓላለፍ ምጽንሑ ጸብጻብ ቢቢሲ የመልክት። እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት፡ …

Read More »

ኤምባሲ ፈረንሳ ኣብ ኬንያ፡ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ

ኣብ ልዕሊ ኣብ ኬንያ ዝቕመጡ ዜጋታት ምዕራብ፡ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክግበር ከም ዝኽእል ሓበሬታ ከም ዝረኸበ ኤምባሲ ፈረንሳ ኣብ ኬንያ ገሊጹ። እቲ ኤምባሲ፡ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መጠንቀቕታ፡ ዜጋታቱ ተወሳኺ ጥንቃቐታት ክገብሩን ምዕራባያን ብብዝሒ ዝረኣዩሉ ከባቢታት፥ ብፍላይ ድማ ኣብያተ መግቢ፥ ሱፐርማርኬታትን ዕዳጋታትን ናይሮቢ ቀንዲ ሸቶ እዚ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲታት ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣታ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ኤምባሲታት ኔዘርላንድስ ከምኡውን …

Read More »

ሰደተኛታት፡ ኣብ ገማግም ቱኒስያ፡ ጥሒሎም

ካብ ገማግም ቱኒስያ ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ዝጐዓዙ ዝነበሩ ስደተኛታት ጃላባኦም ብምግልባጣ ብውሕዱ 6 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 30 ዝኾኑ ድማ ሃለዋቶም ከም ዘጥፍኡ ተገሊጹ። 34 ካብቶም ስደተኛታት ብ ሓይሊ ባሕሪ ቱኒዝያ ኣቢሎም ክድሕኑ ተጌሮም ኣለዉ። 70 ዝኾኑ ካብ ሃገራት ግብጺ፥ ሱዳንን ሞሮኮን ዝመጹ ስደተኛታት፡ ኣብታ ጃልባ ተጻዒኖም ምንባሮም እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ገሊጾም ኣለዉ። እዞም ስደተኛታት፡ ካብ ሊብያ ተገፊዖም …

Read More »

ብስም ዞባ; ናይ ሓሶት ደብዳቤታት ተላኢኹ

ኣብዚ ሰሙን ዚ ብዛዕባ ኮቪድ-19 ዝምልከት ግጉይ ሓበሬታ ዝሓዘ ደብዳቤታት እንተወሓደ ናብ ሓደ ኣብ ሸለፍቲዮ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ ከም ዝተላእከ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ መራኸቢ ብዙሃን ጸብጺቡ፡፡ ዋላ `ኳ እቲ ለኣኺ ካብ ዞባ ቨስተርቦተን እንተመሰለ፡ ሓሶት ምዃኑ ግን ተረጋጊጹ እዩ ክብል እቲ ማዕከን ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ እቲ ብግልጺ ናብ ናይ`ቲ ከባቢ ርእሰ-መማህራንን ናይ ቤት-ትምህርቲ ኣለይቲ ሕሙማትን ብናይ`ቲ ዞባ ናይ …

Read More »

ብዛዕባ ኣንጻር ኦሚክሮን ዘገልግል ክታበት፡ መጽናዕቲ ተጀሚሩ

ኩባንያ ፋይዘር ባዮንቴክ፡ ኣንጻር እቲ ልዑል ናይ ምልባዕ ዓቕሚ ዘለዎ ጅር ኦሚክሮን ዘገልግል ሓድሽ ክታበት ንምርካብ ዘተኮረ እዋናዊ መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ከምዝርከብ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም ኣቐዲሞም ዝተኸትቡ ሰባት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ካብቶም ኣቐዲሞም ዝነበሩ ዓይነታት ጅር ኮቪድ ዘስዕብዎ መልከፍቲ ዝያዳ ብጅር ኦሚክሮን ይልከፉ ከምዘለዉ ይፍለጥ። ይኹን ምበር፡ ኣቐዲሙ ዝነበረ ክታበት ሕጅ ውን ገና ካብ ከቢድ ሕማምን …

Read More »

ኤውሮጳዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ንናይ ኮቪድ ከኒና፡ ኣፍልጦ ሂቡ

ኤውሮጳዊ በዓል መዚ መድሃኒት (European Medicines Agency-EMA)፡ ብኩባንያ ፋይዘር ዝፈረየ ፓክስሎቪድ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ሕማም ኮቪድ፡ መድሓኒት ዝኾነ ከኒና፡ ኣፍልጦ ከምዝሃበ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ተፈላጥነት ረኺቡ ዘሎ መድሃኒት፡ ነቶም ጽኑዕ ምልክታት ኮቪድ ዘርእዩ ልዕሊ ዕድመ ዝኾኑ ሰባት ንኽወሃብ እቲ በዓል መዚ ምኽርታቱ ሂቡ ከምዘሎ ገሊጹ። እዚ መድሃኒት፡ ብኤውሮጳዊ በዓል መዚ መድሃኒት፡ ኣንጻር ኮቪድ-19 ዝተፈቕደ እቲ ናይ …

Read More »

ፕሮፌሰራት . . . ድሕሪ ደጊም፡ ኮቪድ ንዓለምና፡ ሓደጋ ኣይክኾናን እዩ ክብሉ ገሊጾም

ሽሕ’ኳ እቲ ኦሚክሮን ተባሂሉ ዝፍለጥ ጅር፡ ከም ባርዕ ሓዊ ተላባዒ እንተኾነ፡ ኮቪድ-19 ግና ድሕሪ ደጊም ንማሕበረሰብ ዓለም ከም ሓደገኛ ሕማም ክቑጸር ኣይክእልን እዩ ክብሉ ኣንደሽ ብዮርክማን፣ ማግኑስ ጂስሌንን ጆኒ ሉድቪሶን ዝተባህሉ ፕሮፌሰራት ኣብቲ ናይ dn’s debate page ዝባሃል ገጽ ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዞም ፕሮፌሰራት፡ ኣብ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ስነ-ሕክምና ቆልዑን ዝነጥፉ ክኢላታት ኮይኖም፡ ኣብ ፈለማ እዋን ናይ ለበዳ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. እከይ ከም ልምዲ (When Evil Becomes The Norm) … 2ይን ናይ መወዳእታ ክፋል

ኣብዚ ሞራላዊ ተዛማድነት (moral relativism) ሰፊኑሉ ዘሎ ዘመን፡ ስርቂ ከም ንግዳዊ ክኢላነት፡ ቅትለት ከም ጸጥታ ግዴታ፡ ብልሽውና ከም ዲፕሎማስያዊ ኣገባብ፡ ሓሶት ከም ፖለቲካዊ ሜላ፡ ወረራ ከም ምድሓን ሃገር፡ ሃገር ምሻጥ ከም ዞባዊ ምትሕብባር፡ ጥልመት ከም ሃገራዊ ረብሓን ዲፕሎማስያዊ ሽጣራን ወዘተ. ኮይኑ ይውሰድ ስለ ዘሎ፡ ዓለም ናበይ ገጻ ትኸይድ ከም ዘላ ንምፍላጥ ዘሸግር ኣይኮነን። እቲ ሕማም፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰባት ኪፈርድን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com