Wednesday , May 1 2024

ውህደት

ማሕረሰብ LGBTQI፡ ቤተ-ክርስትያን ናይ ቅዋም ለውጢ ክትገብር ይጽውዕ

ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝርከቡ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ናይ ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ‘ንሕና LGBTQ ኢና’ ብምባል ጽገናዊ ናይ ቅዋም ለውጢታት ክታኣታተው ጠሊቦም። እዞም ጠለባት ዝስምዑ ዘለው ብዛዕባ እታ ቤተ-ክርስትያን፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብዝወጹ ጸብጻባት ናይ ብልሽውና ኣብ ትናወጸሉ ዘላን እቶም መንበራት ኮፍ መበሊ ናይታ ቤተ-ክርስትያን ድማ ጥርሖም ክኾኑ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። “ድሕሪ ደጊም ጾታዊ …

Read More »

ኣብ ቤት ትምህርቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብኣይ፡ ናብ ሕክምና ስነ ኣእምሮ ተላኢኹ

ፋስን ካራን ሒዙ፡ ናብቲ ቤት ትምህርቲ ድሕሪ ምእታው ስዒቡ፡ ሓደ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ቀሊል ጉድኣት ዘብጸሐ ሰብኣይ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ናይ ኣእምሮኣዊ ክንክን ንኽግበረሉ ናብ ሕክምና ንኽውሰድ ተወሲኑ ከም ዘሎ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ወዲ 30 ዓመት ዝኾነ ሰብኣይ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ቮርበሪ ዝርከብ ኣብ ሓደ ናይ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብፈተነ-ቕትለት፡ ኮነ ኢልካ ዝግበር ናይ …

Read More »

ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ ዝለዓለ መጠን መልከፍቲ፡ ኣመዝጊባ

መጠን መልከፍቲ ኮቪድ፡ ኣብ ሽወደን፡ ብልዑል ደረጃ ይቕጽል ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ምምሕዳር ቬስትራ ጎትላንድ፡ ቁጽሪ ናይ ሓደሽቲ መልከፍቲ ኮቪድ-19፡ ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ናይዚ ዓመት’ዚ፡ 44,791 ከምዝነበረ ተፈሊጡ። እዚ ማለት ድማ፡ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ካብ ዝጀመረሉ እዋን፡ ኣብ ሓደ ሰሙን ካብ ዝተመዝገበ መጠን መልከፍቲ፡ እቲ ዝለዓለ ከምዝኾነ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ካብ ሓሙስ ጀሚሩ፡ ኣስታት 140,000 ዝኾኑ ሓደሽቲ መልከፍቲታት …

Read More »

ሽወደን፡ ዝለዓለ ብዝሒ ኮታ ናይ ስደተኛታት ከም ዝተቀበለት ተሓቢሩ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሽወደን ዝለዓለ ቁጽሪ ዘለዎ ብዝሒ ናይ ስደተኛታት ከም ዝተቐበለት ተፈሊጡ። እዚ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ከምዘጋጠመ እዩ ተፈሊጡ። እቲ ነዚ ዓቢ ቁጽሪ ናይ ኮታ ዝተዋህበ ምኽንያት ድማ እቶም ኣብ ዓመተ 2020 ናብ ሽወደን ክመጹ ትጽቢት ተገይሩሎም ዝነበሩ ሰባት፡ ብሰንኪ መልከፍቲ ኮቪድ ዝፈጠሮ ዕንቅፋት፡ ክጸንሑ ስለዝተገብሩ ከም ዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ ዘሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ዓመተ 2021፡ …

Read More »

ቡርኪናፋሶ፡ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ስልጣን ምጭባጡ ገሊጹ

ሰራዊት ቡርኪናፋሶ፡ ንፕረዚደንት ሮሽ ካቦሬ፡ ብምዕላው ስልጣን ምጭባጡ ገሊጹ። ሓደ በዓልመዚ ሰራዊት እታ ሃገር፡ ናብ ተሌቪዥን እታ ሃገር ቀሪቡ፡ ኣብታ ሃገር እናበኣሰ ዝኸይድ ጸጥታዊ ኲነታት፡ እዚ ዕልዋ መንግስቲ ንኽፍጸም ምድራኹ ገሊጹ’ሎ። ፕረዚደንት ካቦሬ፡ ሃለዋቱ ዛጊት እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ እቶም ጁንታ ግና፡ ኣብ ውሑስ ቦታ ተሓዪሩ ምህላዉ እዮም ዝገልጹ። ብቕድሚ ትማል ምሸት፡ ኣብ ወተሃደራዊ መደበራት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ዋጋዱጉ፡ ተዂሲ ክስማዕ …

Read More »

ዩክሬይን . . . ሰራዊት ኣመሪካ፡ ኣብ ተጠንቀቕ ምህላዉ ተገሊጹ

ኣብ ዩክሬይን ዘሎ ወጥሪ እናዓበየ ኣብ ዝመጸሉ ዘሎ እዋን፡ 8500 ዝኾኑ ወተሃደራት ኣመሪካ፡ ተበገስ ዝብል ትእዛዝ ንምስማዕ ኣብ ተጠንቀቕ ምህላዎም ፔንታጎን ገሊጹ። ሩስያ፡ ናብ ዶብ ዩክሬይን 100 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ኣጸጊዓ’ኳ እንተሃለወት፡ ነታ ሃገር ናይ ምውራር መደብ ከም ዘይብላ ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ ኣላ። ሃገራት ምዕራብ፡ ንተጻብኦ ሩስያ፡ ብናይ ሓባር ስትራቴጂ ንምምካት ኣብ ዝንቀሳቐሳሉ ዘለዋ እዋን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ትማል …

Read More »

ማሊ . . . ሰራዊት ደንማርክ ካብ ሃገራ፡ ብህጹጽ ክወጽእ ሓቲታ

መንግስቲ ማሊ፡ ነቲ ኣህጒራዊ ግብረመልሲ ንግብረሽበራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ብዝብል ምስምስ ናብ ማሊ ዝኣተወ ሰራዊት ደንማርክ፡ ብህጹጽ ክወጹ ሓቲቱ። ኣብ ዓመተ 2020 ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ዝጨበጠ ወተሃደራዊ መንግስቲ፡ እዞም 90 ዝኾኑ ሰራዊት ደንማርክ ብዘይ ፍቓድ እታ ሃገር ምእታዎም ድሕሪ ምጥቃስ፡ ብህጹጽ ክለቁ ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ’ሎ። ደንማርክ ብወገና፡ ምስ ኣብ ርእሰ ከተማ ማሊ፡ ባማኮ፡ ዝርከብ መንግስቲ ብዛዕባዚ ጒዳይ መብርሂን ንምሃብ …

Read More »

ዋንጫ ኣፍሪቃ . . . ኣብ ስታድዬም ካሜሩን ብዘጋጠመ ጽቅጥቅጥ፡ ሰባት ይሞቱ

ኣብ ስታድዬም ካሜሩን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጥም ዋንጫ ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ ጽቕጥቅጥ፡ ብውሕዱ 8 ሰባት ምሟቶምን ብዓሰርተታት ዝቚጽሩ ድማ ከም እተጐድኡን ተገሊጹ። ኣብ ርእሰ ከተማ ካሜሩን፡ ያውንዴ፡ ኣብ ዝርከብ ፖል ቢያ ስታድዬም ንምእታው፡ ሰባት ክጸቓቐጡ ዘርኢ ናይ ቪድዮ ምስሊ ተፈንዩ’ሎ። ብሰንኪ እዚ ትራጀዲ ካብ ዝሞቱ ሰባት ሓደ ህጻን ምዃኑ ንሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ብምጥቃስ AFP ጸብጺቡ’ሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ብዓሰርተታት ዝቚጸሩ ካልኦት ህጻናት …

Read More »

ሱዳን . . . ኣብ ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ክልተ ሰባት ሞይቶም

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን፡ ብሰኑይ መዓልቲ፡ ናብ ጽርግያታት እታ ርእሰ ኸተማ፡ ኻርቱምን፡ ካልኦት ከተማታትን ብምውጻእ ኣንጻር እቲ ቅድሚ 3 ኣዋርሕ ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ወታሃደራዊ ጁንታ ተቓውሞ ኣስሚዖም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፡ ነቶም ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ናይታ ከተማን ኣብ ዙርያ እቲ ብሓለዋ ተሓጺሩ ዘሎ ፕረዚደንታዊ ቤት ጽሕፈት ዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን፡ መንብዒ ጋዝ ከም ዝተኮሱ ተፈሊጡ። ኣብ …

Read More »

ኣብ ሓደ ናይ ጀርመን ዩኒቨርሲቲ ብዘጋጠመ ተዂሲ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ

ሓደ ወዲ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ መንእሰይ፡ ኣብ ጀርመን ኣብ ዝርከብ ሄይደልበርግ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዩኒቨርሲቲ ብዝኸፈቶ ተዂሲ፡ እንተወሓደ ሓደ ሰብ ከምዝሞተ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ መንእሰይ፡ “ሰባት ክቕጽዑ ይግባእ” ዝብል ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ ዝሰደደ ኮይኑ ብድሕሪኡ ህይወቱ ከም ዘጥፈአ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ንውልቁ ዝነበረ ብዓል ጠበንጃ፡ በታ ሒዝዋ ዝነበረ ብረት ኣብ ውሽጢ እቲ መምሃሪ ኣዳራሽ ናይቲ ኣብ ደቡባዊ- ምዕራብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com