Monday , April 29 2024

ቁጠባ

ኩባንያ ጉግል፡ ኣብ ኣውስትራልያ፡ ናይ 740 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ክገብር እዩ

ኣብ ዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት፡ ኩባንያ ጒግል፡ 740 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኡ ወፍሪ፡ ኣብ ኣውስትራልያ፡ ክገብር ምዃኑ ተገሊጹ። እዚ ወፍሪ፡ ንምቛም ማእከላት ምርምርን ምስ ውድባት እታ ሃገር ንዘሎ ሽርክነት ንምምዋልን ክውዕል ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ። እዚ Digital Future Initiative ዝተሰምየ ወፍሪ፡ ን 6000 ሰባት፡ ናይ ስራሕ ዕድላት ክፈጥርን ን 28000 ሰባት ከኣ ደገፍ ክህብ እዩ ዝብል ትጽቢት ተጌርሉ’ሎ። ኣውስትራልያ፡ ናይ መጻእ ማእከል ምህዞታት ብምዃን …

Read More »

መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ፡ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ኮይኑ

መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 2.8% ከምዝነበረን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ድማ 3.1% ከምዝበጽሐ ማዕከን CPIF ክሕብር እንከሎ፡ መጠን ወርሓዊ ለውጢ ገንዘባዊ ዝቕባበ ድማ 0.2% ምዃኑ ስታቲስቲክስ ሽወደን (SCB) ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተራእየ መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ፡ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ከምዝነበረን፡ መጠን ገንዘባዊ ዝቕባበ፡ ክሳብ 2.9% ክበጽሕ ዝብል ትጽቢት ከምዝነበረ ሮይተርስ ገሊጹ። መጠን ሓይሊ …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፡ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ

ዓርቢ መዓልቲ፡ ዕለት 12 ሕዳር፡ ናይዚ ዓመት’ዚ ዘይተኸፍለ ዕዳ ግብሪ ዝኽፈለሉ ዕለት ምዃኑ፡ ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር  ኣዘኻኺሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። መንግስቲ ሽወደን፡ ካብ ኣስታት 200 ሽሕ ግብሪ ዘይከፈሉ ሰባት፡ ዕደኦም ንኽኸፍሉ ጻውዒት ኣቕሪቡ ከምዘሎ ሓቢሩ። እቶም ዕደኦም ኣብቲ ዝተወሰነ ግዜ ክኸፍሉ ዘይከኣሉ ሰባት፡ ካብ መጀመርታ ናይ ወርሒ ታሕሳስ፡ ተወሳኺ ክፍሊት መቕጻዕቲ ዝሓዘ ደብዳቤ ክስደዶም ምዃኑ ዝገለጸት …

Read More »

ምስ ኤፕስታይን ርክብ ዝነበሮ ሓላፊ ባርክለይ ስራሕ ክገድፎ

እቲ ናይ ባርክለይ ባንኪ ሓላፊ፡ ጀስ ስታሊ፡ ስርሑ ኪገድፍ ኢዩ፡ ናይዚ ምኽንያት ድማ ንሱ ምስቲ ዝሞተ ጀፍሪ ኤፕስታይን ርክብ ስለ ዝነበሮ ኢዩ። እቲ ቢልዮነር ዝኾነ ኤፕስታይን፡ ብ2008 ብብዕልግና ተኸሲሱ ነይሩ ኢዩ፡ ግን ን13 ኣዋርሕ ጥራይ ኢዩ ተኣሲሩ። ድሕሪኡ ግን ክስታት ምስ በዝሖ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኒውዮርክ ሞይቱ ተረኺቡ። እቲ ሞት ምስ ነብሰቅትለት ዝተኣሳሰረ ከምዝነበረ እዮም ጸብጻባት ዝሕብሩ።     

Read More »

ዝተረፈ ናይ 7,5 ቢልዮን ክሩነር ቀረጽ ኪኽፈል ይግባእ::

ስካተቨርከት

ኣስታት 200,000 ሰባት ዝተረፈ ቀረጾም ኣይከፈሉን። እዚ ድማ ናብ 7.3 ቢልዮን ክሩነር ዚጽጋዕ ኢዩ። እንተ ነውሐ ሕዳር 12 ኪኽፈል ከም ዘለዎ እቲ ናይ ቀረጽ ቤትጽሕፈት ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኡ ይሕብር።  ካብዞም እተጠቕሱ ሓደ ሲሶ ልዕሊ 65 ዕድመ  ዘለዎም ኢዮም። እቶም ካብ 100 ክሩነር ዚውሕድ ተረፍ ዘለዎም ግን ኪሻቐሉ ኣይግባእን። እቲ ተረፍ ክሳዕ ዝመጽእ ዓመት ከም ዕዳ ኮይኑ ኪጸንሕ ይኽእል ኢዩ። 

Read More »

ሰልፊ ክሪስ ዲሞክራትና፡ ናይ መጓዓዝያ ኣበል ብዝምልከት፡ ሓድሽ እማመ ኣቕሪቡ

ስራሕ ኣልቦ ዝኾኑ ሰባት፡ ስራሕ ንኽቑጸሩ ክብሉ ካብ ዝነብርሉ ቦታ ናብቲ ስራሕ ዝርከበሉ  ቦታ ኣብ ዝንቀሳቐስሉ እዋን፡ ንመጓዓዓዚኦምን ካልእን ዝኸውን ናይ 30 ሽሕ ክሮነር ክፍሊት ንኽወሃቦም ዘኽእል ሓድሽ እማመ፡ ብሰልፊ ክሪስ ዲሞክራትና ከምዝቐረበ፡ ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። እዚ ኣብዚ እማመ ቀሪቡ ዘሎ መጠን ገንዘብ፡ እቲ ሰራሕተኛ ካብቲ ዝነበሮ ሂወት፡ ናብ ካልእ ሂወት ብምስግጋሮም፡ ንዕኡን ንመጓዓዝያን ዝኸውን እዩ ክብል፡ እቲ ሰልፊ …

Read More »

ዋጋታት ቤት ትምህርቲ፡ 308 ቢልዮን ክሮነር በጺሑ

ወጻኢታት ናይተን ካብ መዋእለ ህጻናት ክሳብ ላዕለዋይ ደረጃ ዘለዋ ቤት ትምህርታት፡ ኣብ ዓመተ 2020 ጥራይ፡ ክሳብ 308.5 ቢልዮን ክሮነር ከምዝበጽሐን ምስቲ ኣብ ዓመተ 2019 ዝነበረ መጠን ገንዘባዊ ክፍሊት፡ 130.8 ቢልዮን ክሮነር፡ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ 1.6% ከምዝወሰኸ፡ ኣሃዛዊ ጸብጻብ በዓል መዚ ሃገራዊ ትምህርቲ ሽወደን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። መባእታ ጀረጃ ቤት ትምህርታት ዝለዓለ እጃም ዝሓዛ ኮይነን፡ 130.8 ቢልዮን ክሮነር …

Read More »

ብርክት ዝበላ ኩባንያታት፡ ብሕጽረት ክኢላዊ ዓቕሚ ይሳቐያ

ካብተን ኣብ ሽወደን ዝርከባ ኩባንያታት፡ እተን 78%፡ ብሕጽረት ብቕዓት ዘለዎም ክኢላዊ ዓቕሚ ይሳቐያ ምህላወን ኮንፈደረሽን ማሕበር ኣስራሕቲ ሽወደን ኣብ ልዕሊ 4400 ኩባንያታት ዘካየዶ መጽናዕታዊ ዳህሳስ ብምጥቃስ ጋዜጣ ዳገንስ ኢንዱስትሪ ንዝጸሓፎ ጸብጻብ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ መስርሕ ንግዳዊ ምዕባለ ዓንቃፊ ኮይኑ ዘሎ እንኮ ምኽንያት፡ እቲ ብቕዓት ዘለዎ ክኢላዊ ዓቕሚ ምቑጻር እዩ። ብርክት ዝበላ ኢንዱስትሪታት፡ ነዞም ብቕዓት ዘለዎም ኮይኖም’ሞ ክረኽበኦም …

Read More »

Harmony Media News 15/09/2021

Read More »

ኬንያውያን ብወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ይቚጥዑ  

ዋጋ ነዳዲ ብምውሳኹ ኬንያውያን ቊጥዐኦም ይገልጹ ምህላዎም ቢቢሲ ሓቢራ። ኣብታ ዋጋ ነዳዲ ዝትምን ትካል ኤፕራ ንሊትሮ 130 ሺልን (1.2$) ክሽየጥ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ኬንያ ብሰንኪ ዓለማዊ ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲን ውሽጣዊ ወሰኽ ቀረጽን ዋጋ ነዳዲ ክንህር ጸኒሑ’ሎ። ንዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ናህሪ ዋጋ ሃለኽቲ ንኸይክሰት ብምባል መንግስቲ ንዕዳጋ ነዳዲ ክድጒም እኳ እንተጸንሐ ካብ ትማል ኣትሒዙ ናይ 6% ወሰኽ ዋጋ ነዳዲ ከም እተኣወጀ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com