Saturday , April 27 2024

ዜና

ፊንላንድ፥ ኣብ ውልቃዊ ኮድ መንነት ሓደስቲ ፊደላት ተተኣታቱ

“ኤጀንሲ ዲጂታላዊ ኣገልግሎትን ሓበሬታ ህዝብን ፊንላንድ” ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ስርዓት ውልቃዊ ኮድ መንነት ሓደስቲ ፊደላት ብምትእትታው ኣብ መጻኢ ኣብ ጠቕሚ ክውዕሉ ከም ዝኽእሉ ኣረጋጊጹ። እቲ ፊደል Y ዝሓዘ ፈላማይ ሓድሽ ኮድ መንነት ብ 19 ታሕሳስ 2023 ዝተዘርግሐ እዩ። እዚ እዋናዊ ሓበሬታ ከም ግብረ መልሲ ናይቲ ኣብቲ ብሉይ ኣገባብ ንዝተወሰኑ ዕለታት ልደት ዝጸንሐ ድሩት ኮድ መንነት ምኽንያት ብምግባር ዝወጸ እዩ። …

Read More »

ንጉስ ጉስታፍ “ዓመተ 2023 ብብዙሕ መዳይ ጸልማት ዓመት ኮይና’ያ ትሓልፍ ዘላ”

ንጉስ ሽወደን ካርል ጉስታፍ መበል 16 ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ስቶክሆልም ካብ ንጉሳዊ ቤተ መንግስቲ ስቶክሆልም ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዘስምዖ ወግዓዊ መደረ፡ 2023 ንሸወደን ይዂን ሃገራት ወጻኢ ጸላም ዓመት እያ ኔራ ክብል ገሊጹ። “2023 ብብዙሕ መዳይ ጸልማት ዓመት’ያ ነይሩ። ኣብ ከተማ ብራስለስ ሕብርታት ሃገሮም ብዂርዓት ዝወደዩ ሽወደናውያን ናብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ እናተጓዕዙ ተቐቲሎም። እዚ ዘስካሕክሕን ዝዂነንን ተግባር እዩ” ኢሉ’ሎ። …

Read More »

“ሓድሽ ስትራቴጂ ክሊማ መንግስቲን ሰልፊ ደሞክራትና ሓደ ስጉምቲ ንድሕሪት እዩ” ሓደ ክኢላ

ሎሚ መንግስትን ሰልፊ ዲሞክራትናን ስትራተጂ ክሊማኦም ኣቕሪቦም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ ቀጻልነት ዘለዎ ውጽኢት ንምምጻእ ንፖሊሲ ክሊማ ዳግማይ ይቐርጽዎ ከምዘለዉ፡ ኒዩክለራዊ ሓይሊ ድማ እቲ እንኮ ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑን ገሊጹ’ሎ። እቲ ውጥን ግን ኣብዚ ሕጂ እዋን ፈነወ በካሊ ጋዝ ንምንካይ ህጹጽን ጭቡጥ እማመታት ብዘይምህላዉ ይንቀፍ ኣሎ። ኣብ 2045 ዜሮ ፈነወ በካሊ ጋዝ ሸቶ ብምግባር ዝወጸ ሓድሽ ክሊማዊ ስትራቴጂ መንግስቲን ሰልፊ ደሞክራናን …

Read More »

ኣብ ድኳናት ግብረ ሰናይ ህያባት ልደት ብናጻ ዝቕበሉ ህጻናት ክብረወሰን ይሕዙ

ንቤት ኣልቦ ኣባላት ሕብረተሰብ ሓገዝ ብምግባር ዝፍለጥ ትካል ግብረ ሰናይ ስታድስሚሽን ሽወደን፡ ኣብዚ ዋዜማ በዓል ልደት ድሌት ዘለዎም ስድራቤታት መጺኦም “ሰከንድሃንድ” ህያባት ብነጻ ዝዕድሉ ድኳናት ሓገዝ ክግበረሎም ከም ዝግባእ ገሊጹ። ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ውሽጢ ፍርቂ ሰዓት ሸሞንተ ስድራቤታ ንህጻናት ደቆም ህያብ ንምውሳድ ናብዚ ድኳን ይመጹ’ለዉ። ብምኽንያት ዝቕባበን ክብሪ መነባብሮን ብርክት ዝበሉ ስድራቤታት ንሃገዝ ናብ ሲቪላዊ ማሕበረሰባት የቛምቱ ምህላዎም ነዛ ዓመት …

Read More »

መንግስቲን ሰልፊ ደሞክራትናን “ባህላዊ ቀኖና” ሽወደን ንምፍጣር ይጽዕሩ

መንግስቲን ሰልፊ ደሞክራትናን ኣገዳሲ ክፋል ባህሊ ወይ ድማ ብሓፈሻ ን ህዝቢ ሽወደን ይውክል እዩ ዝበሃል “ባህላዊ ቀኖና ሽወደን” ንምፍጣር ዝካየድዎ ዘሎ ስራሕ ኣብዚ ሰሙን ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ሰጊሩ’ሎ። ኣባል ሰልፊ ሞደራትናን ሚኒስተር ባህሊን ፓሪሳ ሊልጀስትራንድ፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ነቶም ኣብ ባህላዊ ቀኖና ክኣትዉ ዝግበኦም ስርሓት ንምምራጽ ንዝተመዘዘት ክኢላታት ዝሓቖፈት ኮሚተ ዝተዋህበ መምርሒታት ኣቕሪባ። እዚ ቀኖና፥ ሕብረተሰብ ሽወደን …

Read More »

ተጣበቕቲ መሰላት ደቀንስትዮ ንኢማኑኤል ማክሮን ይነቕፍኦ

ፕረሲደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ን ተዋሳኣይ ጀራርድ ዲፓርድዮ ደጊፉ ብዝብል ካብ ሸነኽ ተጣበቕቲ መሰል ደቀንስትዮ ከቢድ ነቐፌታ ይወርዶሎ። ፕረዚደንት ማክሮን ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ዲፓርዲዮ ቀንዲ ሸቶ ሃደንቲ ከምኡውን “ሓበን ፈረንሳ ዝኾነ ዓቢ ተዋሳኣይ ምዃኑ፥ ፈረንሳ ንኡድ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ዜጋታታ እትህቦ ዝለዓለ ክብሪ ዝኾነ ሌጅዮን ኦፍ ኦነር ካብኡ ክስሓብ ከምዘይብሉ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ዲፓርዲዮ ብ13 ደቂ ኣንስትዮ ብጾታዊ መጥቃዕቲ …

Read More »

ሄልሲንኪ ኣብ ሓፈሻዊ ደረጃ ትምህርቲ ህዝባ ርኡይ ወሰኽ ብምርኣያ፡ ምሁር ዓቕሚ ሰብ ትስሕብ

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ሄልሲንኪ ኣብ ሓፈሻዊ ደረጃ ትምህርቲ ህዝባ ርኡይ ወሰኽ ብምርኣያ፡ ልዑል መጠን ምሁር ዓቕሚ ሰብ ምስሓባ ተፈሊጡ። ይኹን እምበር እዚ ኣንፈት ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት እታ ከተማ ተመሳሳሊ መጠን ዝርግሐ የብሉን ይበሃል ኣሎ። ካብ ቤት ጽሕፈት ከተማ ዝወጸ ሓድሽ ሕታም ከምዘመልክቶ፡ ዋላ’ኳ ነዚ ፍልልያት ንምጽብባብ ይስራሕ እንተሎ፡ ኣብ መንጎ ዝለዓለን ዝወሓደን ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ከባቢታት ዘሎ ፍልልይ …

Read More »

ሽወደናዊት ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ንስምምዕ ጒዳይ ስደተኛታት ዘለዋ ደገፍ ትገልጽ

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሓድሽ ስምምዕ ጒዳይ ስደተኛታት ከም ዝሰማምዕ ገሊጹ። ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ እቲ ስምምዕ፡ ንሕብረት ኤውሮጳ ዝያዳ ፍትሓዊ፡ ስሉጥን ዘላቕን መስርሕ ስደትን ዑቕባን ከም ዝፈጥር ብምግላጽ እዩ ምስቲ መትከላት ከም ዝሰማማዕ ገሊጹ ዘሎ። ኮሚሽነር ውሽጣዊ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነት ሽወደናዊት ይልቫ ጆሃንሰን “እዚ ዓወትና እዩ” ክትብል ሓጎሳ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ኣብ ሽወደን ገበነኛታት ጕጅለታት ገበን ዝነጥፋ ደቂ ኣንስትዮ 500 ይበጽሓ ተባሂሉ

ኣብ ሽወደን ምስ ገበናዊ መርበባት ጕጅለታት ዝነጥፋ ኣስታት 500 ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋ ፖሊስ ሎሚ ኣብ ዝፈነዉኣኦ ሓበሬታ ገሊጾም። ኣስታት ርብዒ ካብዘን ደቀንስትዮ ኣብዞም መርበባት ጒጅለታት ገበን መሪሕ ተራ ከም ዘለወን እዩ ዝንገር። ሓንቲ ኣባል እዞም መርበባት ጒጅለታት ገበን ዝነበረት ጓለንስተይቲ ምስ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት ፥ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ፖሊስ ክሃድማ ዝቐለለ ምዃኑ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ኣብ ኖርሾፒንግ ወዲ 17 ዓመት ኮተቴ ብጥይት ተቐቲሉ

ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ኖርሾፒንግ ብዝተፈጸመ ተኹሲ ወዲ 17 ዓመት ቆልዓ ሞይቱ። እቲ ኮተቴ ጥቓ ግሮሰሪን ቤት ትምህርቲ ህጻናትን ኣብ ዝርከብ ጽርግያ ብጥይት ተሃሪሙ። ብዘይካዚ ዝሓለፈ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ብዝተፈጸመ ተኹሲ ሓደ ሰብኣይ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሖ ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሓደ ጥርጡር ብፈተነ ቅትለት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com