Friday , May 10 2024

ዜና

ብዙሓት ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ምስ ፖሊስን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ብሓባር ይሰርሓ የለዋን።

ኣብ ዳርጋ ሲሶ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን፥ ምስ ፖሊስን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ናይ ስራሕ ምትሕብባር ከም ዘየለ ተገሊጹ። ምስ ፖሊስን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ናይ ስራሕ ምትሕብባር ምግባር ኣብ ምክልኻል ገበን ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ እዩ ይንገር። ብተወሳኺ፡ ብግምት ኣብ 3 ካብ ኣርባዕተ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ምስቲ ብቢዩፒ ዝፍለጥ ሕክምና ስነ-ኣእምሮ ህጻናትን መንእሰያትን ኣድላዪ ምትሕብባር ከምዘይብለን ካብ ሃገራዊ ኤጀንሲ ትምህርቲ ዝወጸ ጸብጻብ ይሕብር። እቲ …

Read More »

ንክሊማ ምትዕጽጻፍ ዝግበር ምወላ ኣብ ባጀት ምጉዳል

ንሕብረተሰብ ካብ ዝኸፍአ ሳዕቤናት ጽንኩር ኩነታት ኣየር ንምክልኻል ንክሊማዊ ምትዕጽጻፍ ዝውዕል ፋይናንስ ኣብቲ ን2024 ዝተዳለወ ባጀት ብሲሶ ክጎድል ተጌሩ። ብመሰረት እዚ ቅነሳ፡ እቲ ምወላ ካብ 137 ሚልዮን ክሮና ናብ 90 ሚልዮን ክሮና ተቖሪጹ’ሎ። ዞባታትን ምምሕዳራት ከተማን ንሕብረተሰብ ካብ ሳዕቤናት ጽንኩር ኩነታት ኣየር ንምክልኻል ኣብ ምሕጋዝ ናይ ምቊጽጻር ተራ ዝጻወት ኤጀንሲ ሲቪላዊ ሓደጋታት (MSB)፡ በቲ ዜና ከም እተገረመ፡ ንጋዜጣ ዳገንስ ኒሄተር …

Read More »

ማእከላይ ባንክ ሽወደን ሬት ናብ 4% ከምዘዕበዮ፡ ኣዒንቲ ዝያዳ ክውስኹ

ማእከላይ ባንክ ሽወደን፥ ሎሚ ከምቲ ብሰፊሑ ትጽቢት ዝግበረሉ ናህሪ ዋጋታት ንምግታእ ዕየራ ወለዱ ናብ 4% ከምዘዕበዮ ተገሊጹ። “ሪክስባንክ” ብተወሳኺ ”ጸቕጢ ዋጋታት ኣቕሑ ገና ኣዝዩ ልዑል ብምህላዉ” ተወሳኺ ወሰኽ ክገብር ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ’ሎ። ማእከላይ ባንክ ቁጠባ ሽወደን ኣብዚ ዓመት ብ 0.8% ሚእታዊት ክጎድል ትጽቢት ከም ዘለዎ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ብተመሳሳሊ ዜና፥ ማእከላይ ባንክ ኖርወይ ነቲ ቀንዲ ወለድ ናብ 4.25% ከምዘዕብዮ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጡ። …

Read More »

ሽወደን፥ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኦዲት ንፖሊሲ ​​ጸዓት ይነቅፍ

ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኦዲት (Riksrevisionen) ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት፥ ኣብ ስልጣን መንግስቲ ዘለዉ ፖለቲከኛታት ንፖሊሲ ጸዓት ሽወደን ብጌጋ ምሓዞም ዝገልጽ ቁጥዐ ዝመልኦ ጸብጻብ ኣዳልዩ። ሓያሎ ዓበይቲ ውሳነታት ናይ ሓጺር ግዜ ሽግር ንምፍታሕ ዝተወስዱ ኣብ ልዕሊ ምዃኖም ብደቂቕ ዝተሓስበሎምን ከምዘይነበሩን፡ ዝያዳ ረቛሒታት ኣብ ግምት ውሳነታት ኣትዮም እንተዝነብሩ ቅልውላው ጸዓት ኤለትሪክ ናይ ዝሓለፈ ክቃለል ይኽእል ምንባሩን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ገሊጹ። ”ገለ ካብቲ …

Read More »

ኤውሮጳውያን ክኢላታት “ሰዓል ሓሰማ” ይምርምሩ።

ኤውሮጳውያን ክኢላታት ፥ ነቲ ኣብ ሽወደን፥ ፋገርስታ፥ እተራእየን ብዙሓት ሓሰማን ዝቐተለን “ኣፍሪካን ስዋይን ፊቨር” ኣብ ምምርማር ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ። ሬድዮ ሽወደን P4 Västmanland ከም ዝሕብሮ፡ እቶም ቅድሚ ሕጂ ወይ ኣብዚ እዋን’ዚ በቲ ቫይረስ ካብ ዝተሃስያ ሃገራት ዝመጹ ሰለስተ ክኢላታት፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ምዕጋትን ምሕደራን እቲ ለበዳ መርመራ ክግብሩን ክኢላዊ ምኽሮም ክልግሱ ምዃኖምን ሓቢሩ’ሎ። “ኣፍሪካን ስዋይን ፊቨር” ኣብ ሽወደን ንፈለማ እዋን …

Read More »

ሓደ ዳህሳስይ ኖርወይ ጥንታዊ ናውቲታት ወርቂ ረኺቡ።

ቤተ መዘክር ስነ ጥንቲ ዩኒቨርሲቲ ስታቫንገር ብዓርቢ ነቲ “ናይዚ ክፍለ ዘመን ወርቂ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ግምጃ ንምርኢት ንምቕራብ በሩ ከፊቱ’ቶ። ኣብ ከባቢ 500 ዓመት ኣብ ኣገልግሎት ይውዕሉ ምንባሮም እተኣምነሎም ትሽዓተ ናይመብራህቲ መንጠልጠሊታት፡ 10 ወርቃዊ ኣዕናቚን ሰለስተ ቀለቤትን ብሓደ ሰብ ተዳህሲሶም ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ። ኤርለንድ ቦር ንኖርወጅያን ብሮድካስቲንግ (NRK) ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቲ ሆቢ ንምዝንጋዕን ካብቦታ ናብ ቦታ ንምንቅስቓስን ኢሉ ዝጀመሮ ምዃኑ …

Read More »

ሰልፊ ሞደራትና በቲ ናይ 11 ቢልዮን ምጉዳል ግብሪ ዝያዳ ሕጒሳት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ።

መንግስቲ ንዝመጽእ ዓመት ዘውጽኦ ባጀት ኣርባዕቲአን ውድባት ከም እተላዘባሉ ዝሕብር ምዃኑ፡ ወሃቢት ርእይቶ ፖለቲካ ሬድዮ ሽወደን ሄለና ጊሰን ትገልጽ። ኣብቲ ልዝብ ብዝያዳ እተዓወተ ንምውጻእ ዘሸግር እኳ እንተኾነ፥ ሰልፊ ማእከላይ በዚ ናይ 11 ቢልዮን ክሮና ምጉዳል ግብሪ ኣታዊ “ዝያዳ ሕጉስ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢላ ከም እትኣምን ወሲኻ ገሊጻ’ላ። ብኣንጻሩ ተቓወምቲ ናብ ድሕነት፡ ክንክን ጥዕናን ኣብያተ ትምህርቲ፡ ከምኡ’ውን ንምክልኻል ጎነጽ ጕጅለታት ዝያዳ ገንዘብ …

Read More »

ፊንላንድ፥ ግብሪ ደሞዝተኛታት ኣብ ኲሉ ኣታዊታት ክጎድል እዩ።

ግብሪ ደሞዝተኛታት ፊንላንድ፥ ብመሰረት እቲ ብመንግስቲ ብቕድሚ ትማሊ ሰሉስ ዘቕረቦ እማመ ባጀት ኣብ ኲሉ ኣታዊታት ክጎድል እዩ። መንግስቲ እታ ሃገር፡ ብፍላይ ኣብ ትሑትን ማእከላይን እቶት ዘለዎም ሰባት ኣተኲሮ ብምግባር፡ ግብሪ ኣታዊታት ናብ 100 ሚልዮን ዩሮ ክወርድ ከምዝወሰነ ኣፍሊጡ’ሎ። ግብሪ ናይቶም ልዑል እቶት ዘለዎም ሰባት ብግዲኡ፡ ብምኽንያት እዚ ናይ ምትሕግጋዝ ግብሪ፡ ብዝወሓደ መጠን ክጎድል እዩ። ማሕበር ከፈልቲ ግብሪ ፊንላንድ ዝተገብረ ቅመራ …

Read More »

ገበነኛ ጒዳዩ ብ ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ ክረኣየሉ ይሓትት።

ኣብ ሽወደን ብኸቢድ ገበናት ዕጸፋርስ ንነዊሕ እዋን ማእሰርቲ ዘሕልፍ ዘሎ ሰብኣይ፡ ብኤፍ.ቢ.ኣይ ዝመሓደር ምስጢራዊ መልእኽቲ ዝልእኽ ኣፕ ብምጥቃም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ፡ ን ጉዳዩ ናብ ቤት ፍርዲ ኤውሮጳ ከብጽሖ ከም ዝደሊ፡ ፖድካስት ሬድዮ ሽወደን ፒ 3 ዶኩመንታሪ ጸብጺቡ። ጠበቓኡ፡ እቲ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 800 ጥርጡራት ገበነኛታት ክእሰሩ ምኽንያት ዝኾነ ትሮጃን ሺልድ ዝተጠቕመሉ ሜላታት፡ እቲ ANOM ኣፕ ብኤፍ.ቢ.ኣይ ዝተፈጥረ …

Read More »

ሓድሽ ደረት ደሞዝ ፍቓድ ስራሕ ክሳብ ባሕቲ ሕዳር ተናዊሑ።

ሓድሽ ዝተሓተ ደረት ደሞዝ ናይቶም ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝኾኑ ፍቓድ ስራሕ ዘመልክቱ ሰባት፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኣብ ክንዲ ካብ ኣብ ባሕቲ ጥቅምቲ፡ ካብ ባሕቲ ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምዃኑ ተሓቢሩ። ካብቲ ግዜ ኣትሒዙ፡ እዞም ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝመጹ ሰባት ዘእትዉዎ ፍቓድ ስራሕ ብቑዕ ኮይኑ ንኽርከብ፥ ብውሕዱ 80% ናይቲ ኣብ ሽወደን ዘሎ ማእከላይ ደሞዝ ክረኽቡ ምዃኖም ክረጋገጽ ከድልዮ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com