Friday , May 10 2024

ዜና

ፊንላንድ ንመስፋሕ መደበር ቻርጅ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ዝውዕል ምወላ ሕብረት ኤውሮጳ ረኺባ።

ፊንላንድ፥ ብመንገዲ ፊንላንዳዊ ትካል “ቴስላ ሮድስተር ፊንላንድ” ንመስፋሕፍሒ መርበብ ቻርጅ ኤሌክትሪክ ተሽከርከርቲ ዝውዕል ምወላ ሕብረት ኤውሮጳ ረኺባ። እቲ ምወላ ኣብ ትሕቲ ፕሮግራም “ምስላጥ ምትእስሳር ኤውሮጳ” (CEF) ዝተዋህበ ኮይኑ፡ ኣካል ናይቲ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ዝገብሮ ወፍሪ እዩ። እዚ ፕሮጀክት ኣብ መርበብ መጓዓዝያ ስግረ-ኤውሮጳ (TEN-T) ኩለመዳያውን ብቐጻሊ ዝሰርሕን መደበር መቸረጂታት ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ ንምቛም ዝዓለመ እዩ። እዞም ናይ ቻርጅ ነጥብታት ኩለን …

Read More »

ንመንእሰያት ዝወሃብ ነጻ ክንክን ስኒ ክስረዝ እዩ።

ድሕሪ ደጊም ካብ 19 ክሳብ 23 ዓመት ዝዕድሚኦም መንእሰያት ኣባጽሕ ክንክን ስኒ ነጻ ኣይክኸውንን እዩ። እዚ ንመንግስቲ ንኣዝዩ ብዙሕ ወጻኢታት የቃልዖ ብምህላዉ ፡ ካብ 2025 ኣትሒዙ ነዚ ከቋርጾ መደብ ኣለዎ። ኣብ ክንድኡ ን ከም ኣረጋውያን ዝኣመሰሉ ጒጅለታት ቀዳምነት ክህብ እዩ።    

Read More »

ፋብሪካ ባትሪ ኖርዝቮልት ብናጻ ተሰናቢቱ።

ኣብ ሽወደን ናይ ምስራሕን ምንባርን መሰል ዘይብሎም ሰራሕተኛታት ብምቑጻር ሕጊ ወጻእተኛታት ሽወደን ብምጥሓሱ ዝተኸሰሰ ኣካያዲ ስራሕ መፍረ ባትሪ ሴል ኖርዝቮልት፥ ሎሚ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ስከለፍቶ ብናጻ ኣፋንዩዎ’ሎ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ እቶም ካብ ሰርብያን ህንድን ዝመጹ፡ ካብኡ ንደሓር ዝተሰጎጉ 12 ሰራሕተኛታት ህንጻ፡ ምስ ንኡስ ኮንትራክተር ኣብ ዝሰርሑ ኩባንያታት ዝተቖጽሩ ስለዝኾኑ ኣብዚ ፍርዲ ምብጽሑ ገሊጹ’ሎ። ስለዚ ድማ ኖርዝቮልት ንሕጋዊ ደረጅኦም ሓላፍነት ከምዘይብሉ …

Read More »

መራሒ ጕጅለ ገበን ራዋ ማጂድ ብጒዳይ ዕጸፋርስ ይኽሰስ።

ጉምሩክ ሽወደን ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ልዕሊ 800 ኪሎ ዝምዘን ኣምፈታሚን፡ ኮኬይንን ሃሽ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ድሕሪ ምውዓሎም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ልዕሊ ማጂድ ራዋ ሰፊሕ መስርሕ ፍርዲ ይካየድ ኣሎ። ራዋ ማጂድ፥ መራሒ ናይቲ ብርክት ዝበሉ ጎነጻዊ ገበናት ዝፈጸመ “ፎክስትሮት” ዝበሃል ጉጅለ ዝመርሕ ምዃኑ ፖሊስ ይገልጹ። ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ራዋ ማጂድ ነቲ ምትሕልላፍ ዕጸፋርስ ከም ዘዳለዎ ይዛረቡ፡፡ ንሱ ግና ነዚ ገበን ኣይወዓልክዎን ክብል …

Read More »

መበል 50 ዓመት ዙፋን ካርል መበል 16 ተባዒሉ።

ንጉስ ሽወደን ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝተፈላለየ ጽምብል ብምክያድ 50 ዓመት ዙፋኑ ኣብዒሉ። ንጉስ ካርል መበል 16 ጉስታፍ ወዲ 77 ዓመት በዓል ዘውዲ ሽወደን ኮይኑ፡ ድሕሪ ሞት ኣባሓጎኡ ጉስታፍ ሻድሻይ ኣዶልፍ ኣብ መበል 27 ዓመቱ ናብ ዝፋን ክድይብ ከሎ ኣብ ዓለም ዝነኣሰ ንጉስ እዩ ነይሩ። ቲቲ ሹልትዝ፡ ሓባራዊት ኣዳላዊት ፖድካስት ሬድዮ ሽወደን 'ዘ ሞናርክስ'፡ ኣቦኡ ወዲ ትሽዓተ …

Read More »

ሓላፊ ፖሊስ ሽወደን 'ተራእዩ ዘይፈልጥ' ማዕበል ጎነጽ ጉጅለታት ገበን ክህሉ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ኣብ መንጎ ጕጅለታት ገበን ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፥ ኣብ ሽወደን "ተራእዩ ዘይፈልጥ" ማዕበል ጎነጽ ይኽሰት ምህላዉ ሓላፊ ሃገራዊ ፖሊስ ኣንደርሽ ቶንበሪ ገሊጹ። ንሱ ነዚ መግለጺ ዝሃበ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሳምንታት ድሕሪ ዝተፈጸመ መቕተልቲ እዩ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ሽወደን፡ ብረትን ነታጒን ዘጠቓልል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋርን ዕጸፋርስን እናተጋደዱ ክመጹ ጸኒሖም ኣለዉ። ቶንበሪ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ተራእዩ ዘይፈልጥ …

Read More »

ነባሪ ፋገርስታ “እቲ ገደብ ኣዕናዊ ኣዕቤናት” ንምክልኻል ኣገዳሲ እዩ።

እታ ኣብ ሽወደን ቫስትማንላንድ ካውንቲ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ፋገርስታ፡ ዋና ማእከል ናይቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተራእየ ለበዳ ኣፍሪቃዊ ሰዓል ሓሰማ ኮይና ጸኒሓ። ኣብ ኣውራጃታት ቫስትማንላንድን ዳላርናን፥ ኣብ ከባቢ 1000 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ዝስፍሓቱ ከባቢ ጫካታት ዝካየድ ኩሉ ንጥፈታት ብፍላይ ድማ ምእካብ ቃንጥሻ ብሰንኪ እዚ ለበዳ፡ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ደው ኢሉ እዩ ጸኒሑ። እዚ ወቕቲ ምህርቲ ቃንጥሻ ዝእከበሉ ብምንባሩ እቲ ገደብ …

Read More »

ኣፍረይቲ ኣልኮላዊ መስተ፥ ካብ 2025 ኣትሒዞም ብቐጥታ ንዓማዊል ክሸጡ ክኽእሉ እዮም።

መንግስቲ ሽወደን፡ ናእሽቱ ኣፍረይቲ ብቐጥታ ናብ ዓማዊል መስተ ክሸጡ ዝፈቅድ፡ “መሸጣ ሕርሻ” ዝበሃል ኣልኮላዊ መስተ ንምፍቃድ ዝሕግዝ እማመ ንምሕላፍ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ። ኣብ ሽወደን መሸጣ ኣልኮላዊ መስተ ጽኑዕ ቊጽጽር ከም ዝግበረሉ ዝፍለጥ እዩ። እቲ ብመንግስቲ ዝውነን ሞኖፖሊ ኣልኮላዊ መስተ–ሲስተምቦላጌት– ልዕሊ 3.5% ትሕዝቶ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎም መስተታት ክሸይጥ ዝኽእል እንኮ ድኳን እዩ። ሚኒስተር ህዝባዊ ጥዕና ከምኡ’ውን ኣባል ሰልፊ ክርስትያናዊ ዲሞክራሲ ጃኮብ …

Read More »

ኖርወይ፥ ብገበን ተፈሪዶም ዝጸንሑ ሰባት ኣብ ዝርዝር ሕጹያት ውድባት ይኣትዉ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ኖርወይ ኣብ ዝካየድ ምርጫ ኮም፥ እቶም ኣስታት 500 ሕጹያት መዝገብ ገበን ከምዘለዎም ጋዜጣ ኣፍተንፖስተን ኣቃሊዓ። ደርዘን ካብኣቶም’ውን ኣብ ልዕሊ ህጻናት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ተፈሪዶም’ኳ እንተነበሩ፡ ውድባቶም ንባዕለን ብዛዕባ ድሕረ ባይታኦም ኣፍልጦ ከም ዘይነበረን ተሓቢሩ። ኣፍተንፖስተን ቅድሚ’ቲ ናይ ትማሊ ምርጫ ኣብ ዝዘርግሖ ተኸታታሊ ጽሑፋት፡ እዞም ሕጹያት “ስልጣንን እምንቶን መራጽቲ ይደልዩ ምህላዎም” ጽሒፉ’ሎ። እዞም ሕጹያት ካብ ጎነጽ ክሳብ ፋይናንሳዊ ዓሎቕን …

Read More »

ኣብ ኡፕሳላ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብረት ጉጅለታት ሓደ ሰብ ተቐቲሉ።

  ፖሊስ ሽወደን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ ብዝተፈጸመ ቶኽሲ ሓደ መንእሰይ ድሕሪ ምሟቱ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ብጉጅለታት ዝፍጸም ጎነጽ ንምፍሻል ይሸባሸቡ ኣለዉ። ኣብ መፋርቕ 20ታት ዝርከብ መንእሰይ ኣብ ኡፕሳላ ወረዳ ሳላ ባከ፡ ትማሊ ሰሉስ ንጉሆ ብጥይት ተሃሪሙ ከም እተረኽበን ኣብ ሆስፒታል ምስ በጽሐ ምሟቲን ተረጋጊጹ። ህዝባዊ ፈነወ SVT ኣብ ዝዘርግሖ ዘይተረጋገጸ ሓበሬታ፡ እቲ ሰብኣይ ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ከም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com