Monday , April 29 2024

ዜና

ስዊድን ብደረጃ ወሰኽ ግብሪ 4ይቲ ካብ ኤውሮፓ ኮይና::

ኣልኮምፒስ:ስቶክሆልም – ብመሰረት ናይ ዓመተ 2017 ጸብጻብ ቀረጽ ዩሮስታት ሽወደን ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት መበል ራብዐይቲ ተሰሪዓ’ላ። ቀዳመይቲ ዝተሰርዐት ፈረንሳ ኮይና 48.4 ሚእታዊት ሓፈሻዊ ኣታዊ ቀዳመይቲ ተሰሪዓ’ላ። ቤልጀም ብ47.3 ሚእታዊት ዴንማርክ ድማ ብ 46.5 ሚእታዊት ካልኣይቲን ሳልሰይቲን ደረጃ ሒዘን ኣለዋ። ደረጃ ቀረጽ ሽወደን ንቡር ቀረጽን ማሕበራዊ ውሕስነትን ዘጠቓልል ኮይኑ ዓሚ ካብ ሓፈሻዊ እቶት እታ ሃገር 44.8 ሚእታዊት እዩ ኔሩ። ዝትሓተ ዘመዝገበት …

Read More »

ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ማቱሳላ ኣብራሃም ብማሕነቅቲ ሂወቱ የሕልፍ።

ኣብ ሺስታ ዝበሃል ከባቢ ዝነብር ዝነበረ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ማቱሳላ ኣብራሃም  ሂወቱ ብማሕነቅቲ ከምዘሕለፈ ተፈሊጡ። ስነስርዓት ቀብሩ ሎሚ መዓልቲ 29 ሕዳር 2018 ኣብ ቤተክርስትያን ስፖንጋ ክካየድ እዩ። ብዛዕባ እዞም ተደጋገምቲ ተርእዮታት ርእይቶኦም ክህቡና ዝተወከስናዮም ሰባት ተመሳሰልቲ ሓደጋታት ይበዝሑ ከምዘለውን ክኢላታት ስነኣእምሮ ነዚ ጉዳይ ብጥልቀት ከጽንዕዎ ከምዝግባእ  ሓቢሮም።  

Read More »

መጠንቀቅታ ካብ ክፍሊ ሜትሮሎጂ ስዊድን

ኣልኮምፒስ- ኩነታት ኣየር ትካል ሜትሮሉጂ ስዊድን SMHI ትማሊ ረቡዕ መዓልቲ አብ ዘውጽኦ መጠንቀቅታ ንሰብ መካይን ጎማ መኪና ከይቀየሩ ከይዝውሩ ኣተሓሳሲቡ:: እዚ ዝተዋህበ መጠንቀቅታ ብፍላይ ኣብ ከባቢታት ሃላንድ ጎትላንድ ቨርምላንድ ከምኡውን ኣብ ሰፊሕ ክፋላት ስሞላንድ ኮይኑ መካይን ክንሸራረታ ከምዝኽእላ ሓቢሩ:: ከምዝፍለጥ ካብ 1 ታሕሳስ 2018 ጀሚሩ ምቅያር ጎማ ናይ ክራማት ግዴታ ክኽውን ምኻኑ ተፈሊጡ ኣሎ::

Read More »

ሂትለር ኣይሁዳዊት ቈልዓ ሓቚፉ ዝተሳእሎ ስእሊ ንጨረታ ወሪዱ ብ11 ሽሕን 520ን ዶላር ተሸይጡ

እቲ ጨረታ ዝተኻየደሉ ትካል ከም ዝሕብሮ ሂትለርን እታ “ጓል’ቲ መራሒ” ዝብል ሳጓ ጠቢቕዋ ዝነበረ ቈልዓን ኣብ 1933 ብወዝቢ ኣብ ኣፍደገ ገዛ ሂትለር እዮም ተራኺቦም። ኒናን ኣዲኣን ከም ሰበን ምስቲ ዕለተ ልደት ሂትለር ከኽብር ኣብ ኣፍደገ ገዛ ሂትለር ዝተኣከበ ህዝቢ ኣብ ዝነበራሉ እዋን ሂትለር ዕለተ ልደቱ ምስ ዕለተ ልደት እታ ቘልዓ ኣብ ሓደ መዓልቲ (ማለት 20 ሚያዝያ) ከም ዝውዕል ምስ ፈለጠ …

Read More »

“ደቂተባዕትዮ ኣብ ማዕከናት ዜና ሽወደን ብብዝሒ ይስምዑ”

ሓድሽ መጽናዕቲ ኣስታት 70 ሚእታዊት ትሕዝቶ ናይቲ ማዕከናት ዜና ሽወደን ኣብ ዜናዊ ጸብጻባተን ብጥቕሲ ይዂን ብድምጺ ወይ ብምስሊ ዘቕርባኦ ርእይቶታት ናይ ደቂ-ተባዕትዮ ምዃኑ ሓድሽ መጽናዕቲ ኣረጋጊጹ። እቲ ነቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ኢኳሊስተርስ ዝስሙ ጉጅለ ኣብ ዜናዊ ጸብጻባት ንዝረአ ጾታውን ኤትኒካውን ዘይምዕሩይነት ንምቕያር ዝሰርሕ ኣካል ኮይኑ ኣብ 11 ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ሽወደን እንተላይ ሬድዮ ሽወደን ንዝተፈነው ዜናታት ብምጽናዕ ኣብዚ መደምደምታ እዚ ከም …

Read More »

ሕቡራት ሃገራት ዝርዝር ኣማውታ ሽወደናዊት ሰራሕተኛኡ ሓቢኡ ተባሂሉ::

ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ኣማውታ ናይታ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ተልእኾ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብዕጡቓት ዝተቐትለት ሽወደናዊትን ኣሜሪካዊ መሳርሕታን ዝምልከት መርትዖ ኮነ ኢሉ ከም ዝሰወሮ ማዕከናት ዜና ሽወደን ምስ ኣህጒራውያን መራኸቢ ብዙሓን ብምዃን ብሓባር ዘካየድዎ መርመራ ይሕብር። እቶም ናይ ሕቡራት ሃገራት ክኢላታት ብምዃን ኣብ ኮንጎ ኣንጻር ሰላማውያን ሰባት ንዝካየድ ግፍዕታት ኣብ ምጽራይ ዝነበሩ ሽወደናዊት ዛይዳ ካታላንን ኣሜሪካዊ ማይክል …

Read More »

ዜግነት ሽወደን ንምርካብ ዝሕተት ረቛሒ ክተረር ሓሳብ ናብ ፓርላማ ቀሪቡ።

ኣባል ባይቶ ሽወደን ዝኾነት ኣባል ሰልፊ ዓቃባውያን ቦርያና በርግበርግ ኣብ ሽወደን ቀዋሚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንዘለዎም ሰባት ዜግነት በዛዕባ ምሃብ ዝምልከት ሓድሸ እማመ ናብ ባይቶ ኣቕሪባ’ላ። ብመሰረት ዌብሳይት ባይቶ ሽወደን እቲ እማመ ከምኒ ምልከት ቋንቋ ሽወደን፥ ነብስኻ ምኽኣልን ካብ ትካላት መንግስቲ እተዋህበካ ዕዳ ምኽፋልን ዝብላ ረቛሒታት ኣብቲ እማመ ምርካብ ዜግነት ክጠቓለላ እየን። “ዘይከም ካልኦት ሃገራት ኣብ ሽወደን ዜግነት ምርካብ እቲ …

Read More »

መሓመድ ኣል፡ዓሙዲ ካብ ኣቦመንበር ቦርድ ኩባንያ ነዳዲ ፕሬም ተላዒሉ።

ኩባንያ ፕሪም ሽወደን ንጄሰን ሚላዞ ሓድሽ ኣቦመንበር ቦርድ ከኸውን መሪጻቶ ኣላ። ቦርድ ነቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ተሓዪሩ ዝጸንሐ መሓመድ ኣል-ዓሙዲ ብምትካእ እያ ነዚ ሓድሽ ኣቦ-መንበር ዝመረጸት። “ኣብዚ ንዕስራ ዓመታት ዝሰራሕኩሉ ትካል ብመሪሕነት፥ ብቕዓትን፥ ተወፋይነትን መሓመድ ኣል-ዓሙዲ ኣዚየ ሕጉስ እየ” ይብል ዋና ኣካያዲ በዓልመዚ ፒተር ሆላንድ። መሓመድ ኣል-ዓሙዲ ሓደ ካብቶም ምንጪ ሃብቶም ክምርመር ከምኡ’ውን መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ካብ ሃብቶም …

Read More »

ናብ ስዊድን ንምምጻእ ብዙሓት ግዳያት ይኾኑ ኣለው::

ኣብ ዓመተ 2017 ጥራሕ 444 ሰባት ግዳያት መሸጣ ደቂ ሰባት ከምዝኾኑ ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ኣፍሊጡ:: ሐደ ካብ ሰለስተ ከዝገለጽዎ ናብ ስዊድን ክመጹ ከለዉ እቲ ሽግር ከምዝገጠሞም ገሊጾም:: እቲ ዝበጽሖም በደላት ስርቂ ኣካል ወዲሰብን: ግዱድ ምንዝርናን ብኣስገዳድ ምስራሕን ከምዘጣቃልል ቤት ጽሕፈት ኢመግረሽን ሓቢሩ:: ብተዛማዲ ዜና ኣብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ስዊድን ሓላፊት ጎዳያት ገበንመሸጣ ደቂ ሰባት ዝኾነት ካይሳ ዋህልበርግ ከምዝበለቶ ብዝሒ ናብ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ኣባይቲ ምሻጥ ካብ ዓሚ ሎሚዘበን ከም ዝኸብድ ተገሊጹ::

ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር ኸሎ ጽኑዕ ሕግታት ልቓሕን ተጣራጣርነት ዓደግትን፡ ንኲነታት መሸጣ ኣባይቲ ኣጸጋሚ ከም ዝገበሮ ዝበዝሑ ሰብ ዋኒን ዕድግን መሸጣን ኣባይቲ ይገልጹ። ብመሰረት ኣብ ሓደ ሄምነት ዝተባህለ ኣባይቲ ዝሻየጠሉ መርበብ-ሓበሬታ ዝተኻየደ ዳህሳሳዊ መጽናዕቲ፡ ኣስታት 60 ሚእታዊት ዝኾኑ ሰብ ዋኒን ዕድግን መሸጣን ኣባይቲ ኣብዚ እዋን ገዛ ወይ ኣፓርታማ ምሻጥ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ይዛረቡ። ብኣገላልጻ እቶም ሰብ ዋኒን፡ ዕዳጋ ኣባይቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com