Friday , April 26 2024

ባህሊ

ብኤርትራዊ ስነ ጥበበኛ ዝተጻሕፈት ሓዳስ መጽሓፍ ኣብ ሃገረ ሽወደን ተመሪቓ

ብደራስን ጋዜጠኛን ጸጋብርሃን ጎይትኦም ዝተደርሰት “ኣብ ሊብያ’የ ጠኒሰ” ዘርእስታ ሓዳስ መጽሓፍ፡ ብቐዳም 29 ጥሪ 2022 ኣብ ከተማ ኡምዮ ሃገረ ሽወደን ተሓቲማ ብወግዒ ተመሪቓ። እዛ 216 ገጻት ዘለዋን ብደራሲ ጸጋብርሃን ጎይትኦምን ዝተደርሰት መጽሓፍ፡ ብምምሕዳር ኡምዮ ኮመን ተመዊላ እያ ንሕትመት በቒዓ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ነታ መጽሓፍ ተመልኪቱ ኣብ ዝቐረበ ገምጋም “ኤርትራውያን ጸሓፍቲ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ቛንቑኡን ባህሉን ኣብ ምዕቓብ ልዑል ተራ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. እከይ ከም ልምዲ (When Evil Becomes The Norm) … 1ይ ክፋል

ኣብ ናይዛ ዓለም ነዊሕ ጻንሒት፡ እኩይነት ወይ እከይ፡ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ ኢዩ። ምስ ስልጣነን እተሓላለኸ ማሕበራዊ ንጥፈታት እናማዕበለ ከይዱ (spiraling upward)፡ ኣብ መጠረስታ ድማ ናብ ልምዲ ተለዊጡ። መልሓስ ተበራቢሩ፡ ሕልና ግን ሞይቱ። ሕልና ዘይብሉ ህዝቢ ድማ ካብ ኣራዊት ምንም ፍልልይ ኪህሉዎ ኣይክእልን። ሃና ኣረንት እተባህለት ብዛዕባ እቲ ብግዜ ሂትለር ሓላፊ ዝነበረ ህቡብ ጨካን ናዚስታዊ ኣይኽማን ዚምልከት መጽሓፍ ዝጸሓፈት ኣይሁዳዊት ደራሲት፡ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ባህላዊ ግጥሚ ትግርኛ፡ መልቀስ (Tigrinya Folk Poetry, Dirge) … Part 1

ሓንቲ ሰበይቲ ነበራ፡ ኣቕላስያ ኢዩ ስመን፡ ካብ ጭዋታትን ዓበይትን ሰባት ከም እተወልዳ ንሰብ ከእምና ምሉእ ህይወተን ዘሕለፋኦ። እቶም ዚፈልጡወን ግን ኣይተገደሱለንን። ንሰን ሓደ እዋን ጥዕናአን እናኣንቆልቆለ ይኸይድ ከም ዝነበረ ስለ ዘስተብሃላ፡ ናብ ሓደ ኣልቃሳይ ከይደን ኣብ ግዜ ቀብረን ብዛዕባ ጭውነተን ጠቒሱ ከልቅሰለን ይውከሳኦ። ንሱ ድማ ተሰማምዐ። ይኹንምበር ኣብታ ንሰን ዝሞታላ መዓልቲ፡ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ድማ ይመውት። ብድሕሪኡውን ናይቲ ኣልቃሲ ዘመድ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብ ኣማኑኤል ሳህለ …. ተኣምራትን ምስጢራቱን (The Anatomy Of The Miraculous) …. ሳልሳይን ናይ መወዳእታ ክፋልን

ብኻልእ መገዲ ኪረአ ከሎ፡ ኣብ ፍጥረት ፍልይ ዝበለ፡ ካብቲ ልሙድ ሕጊ ዝወጸ ፍጻመታት ወይ ክስተታት ወይ ባህርያት ኪህሉ ግድን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ድማ ኣብቲ ደረት ዘይብሉ ዩኒቨርስ፡ እቲ ሕጊ’ውን ከምኡ ደረት ኪህሉዎ ኣለዎ ኪብሃል ኣይከኣልን። ነዚ ኣብነት ዝኾነና ድማ እቲ ከም  ብላክ ሆል (Black hole ) ዚፍለጥ ኮዝሚካዊ ክስተት ኢዩ። ገለ ተመራመርቲ ከም ዚብሉዎ፡ ኣብ ብላክ ሆል ኩሉ ነገራት ብግልብጥ ኢዩ …

Read More »

ኣብ ሓቀኛ ዛንታ ዝተሞርኮስት፣ ነዊሕ ጉዕዞ ብጸጋብርሃን ጎይቶም l Newih Guezo Xegabrhan Goytom I Based On True Story

Read More »

ABBA: ዘይምነዉ ባንድ

ሽወደናዊ ጒጅለ ሙዚቃ: ABBA: ሓዳሽ ደርፊ ሒዞም ተቐልቂሎም ኣለዉ። እዞም ብ Mama Mia! Here we go again.. ዝብላ ደርፍታት ዝፍለጡ ጒጅለ: ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ዳግማይ ናብ መድረኽ ምምጽኦም ኣብ ደገፍቶም ዓብዪ ምንቕቓሕ ፈጢሩ’ሎ። “ABBA ን 2021 ኣድሒኖማ!” “ህይወተይ ኣድሒንኩሟ! ሕጂ ኣብዛ ሰዓት ብሓጎስ እነብዕ ኣለኹ” ዝብልን ካልእን ርእይቶታት ነታ ኣበሳሪት ናይ ቲክቶክ ቪድዮ ኣስንይዋ ኣሎ። ኣብ ሒደት መዓልታት ጥራይ ኣብ …

Read More »

ተስፋ. . . ሓቐኛ ዛንታ . . . ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

ቀዳማይ ክፋል   ሸበድበድ እናበልኩ’የ ናብ ቦታ ቖጸራ በጺሐ፣ ዝተቃጸርናሉ ቦታ፣ ካብ ዝነብረሉ ከባቢ ርሕቕ ዝበለ ብምኻኑ፣ ነታ ንፈለማ እዋን እትረኽበኒ ዝነበረት ጋሻ፣ ከየቐይማን ከይድንጉያን ብምሕሳብ፣ ዳርጋ ናብ ጉያ ዝገማገም ኣሳጉማ ኣኸቲለ’የ፣ ኣብ ቦታ ቖጸራ ደበኽ ዝበልኩ።  ክንራኸበሉ ዝመረጽናዮ ሰፈር፣ መታን ብሕትው ኢልና ከነዕልል፣ ብጽምዋ ዝትዓብለለ ኣብ ከፋት መአንገዲ ዓማዊ ሳን ሻይን ሆቴል’ዩ፣ ከባቢ ሰዓት ሰለስተ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ብምንባሩ፣ ናብ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ፍልስፍናዊ ዋዛ (Philosophical Humor) …. ናይ ህጻናት ዓለም ………..

ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ኣመሪካዊት ቁሸት፡ ሓደ ካህን ኣብቲ ህጻናት ዚሳተፉሉ ናይ ሰንበት ትምህርቲ፡ ነቶም ህጻናት ነቲ ናይ ርህሩህ ሳምራዊ ዛንታ በቲ ንኣታቶም ዚርድኦም መገዲ ገይሩ ከዘንትወሎም ይውስን። ከምዚ ድማ ይብሎም፥   ”ገለ ጎሓሉ ንሓደ ሰብኣይ ገንዘቡ ንኺወስዱ ይሃርሙዎ፡ ንብረቱ ወሲዶም ድማ ኣብ መገዲ ደርቢዮምዎ ይኸዱ። ቅሩብ ጸኒሑ፡ ሓደ በዓል ማኪና በቲ መገዲ ይሓልፍ፡ ነቲ ዝወደቐ ሰብኣይ ርእዩዎ ድማ መገዱ ይቕጽል። …

Read More »

ኣብ ፖምፔይ: ዕሙር ባህላዊ ህይወት ምንባሩ ዘርኢ ምስክር ተረኺቡ

ኣብ ዓመተ 1979 ብባህርያዊ ሓደጋ ካብ ገጽ ምድሪ: ዝጠፍአት ከተማ ፖምፔይ: ዕሙር ባህላዊ ህይወት ከም ዝነበራ ዝምስክር መቓብር ከም እተረኽበ ተገሊጹ። እዚ ብጽቡቕ ከም እተዓቀበ ዝንገረሉ መቓብር: ኣብ ዕድመ 60ታት ናይ ዝነበረ ሰብኣይ ዓስከሬን ከም እተረኽቦን ስም መዋታይ ድማ ማርኩስ ቫነሬስ ሰኩንድዮ: ምንባሩ ዘመልክት ብቋንቋ ግሪኽ ዝተጻሕፈ ጽሑፍ ከም እተረኽበ ተሓቢሩ። እዚ ሰብኣይ ፍሉጥ ናይ መድረኽ ተዋሳኣይ ምንባሩ እውን ተፈሊጡ። …

Read More »

Entay Meslekum . . . Integration

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com