Saturday , April 27 2024

ኩነታት ኣየር

190 ሃገራትን ውድባትን: ከሰል ከይጥቀማ ይመባጸዓ

ኣብ ዓለምና ከሰል ብብዝሒ ካብ ዝጥቀማ ሃገራት ዝኾና ፖላንድ፥ ቬትናምን ቺለን ሓዊስካ 190 ሃገራትን ውድባትን ነዚ ኣገባብ ክሓድጋ ከም እተመባጸዓ ዋዕላ COP26 ዘአንግድ ዘሎ መንግስቲ ብሪጣንያ ኣፍሊጡ። እዘን ሃገራት ኣብ ከሰል ዝገብራኦ ሃገራዊን ኣህጒራዊን ወፍሪ ከቋርጻ ቃል ኣትየን ኣለዋ። “ዓለምና ንጒዳይ ከሰል ዓጽያ ብጽሩይ ጸዓት ዝዝወር ቊጠባዊ ረብሓ ኣብ ምንዳይ ምትኳራ ናብ ቅኑዕ ኣንፈት ትኸይድ ምህላዋ ዘርኢ እዩ” ክብል ጸሓፊ …

Read More »

ህንዲ፡ ኣብ ዓመተ 2070፡ መጠን ካርቦን፡ ናብ ዜሮ ከተውርድ ቃል ትኣቱ

ህንዲ ኣብ ዓመተ 2070፡ መጠን እትፍንዎ መጠን ካርቦን ናብ ዜሮ ንምውራድ ትሰርሕ ምህላዋ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ፡ ናሬንድራ ሞዲ፡ ኣብ ጒባኤ COP 26 ቃል ኣትዩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዝበዝሓ ኣብዚ ጒባኤ ዝሳተፋ ዘለዋ ሃገራት፡ እዚ ዝገብራሉ ዓመት 2050፡ ምዃኑ ክገልጻ እንከለዋ ህንዲ ግን፡ 20 ዓመታት መጢጣ ኣብ ዓመተ 2070፡ ነዚ ምውጣና ኣዛራቢ ኣርእስቲ ኮይኑ’ሎ። እዚ ይዂን እምበር፡ ሞዲ፡ መጠን …

Read More »

COP 26: መራሕቲ ዓለም፡ ኣብ 2030 ምብራስ ኣግራብ ከብቅዕ ቃል ይኣትዉ

ኣብ ጒባኤ COP 26፡ ልዕሊ 100 መራሕቲ ዓለም ኣብ ዓመተ 2030፡ ምብራስ ኣግራብ ደው ምባልን ዳግመ ምግራብ ዓለምና ንኸሳልጡን ከም ዝሰርሑ ቃል ኣትዮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እታ ሰፊሕ ካብ ጫካ ኣማዞን ዝበረሰላ፡ ሃገረ ብራዚል፡ ሓንቲ ካብተን ነዚ ውዕል ዝፈረማ ሃገራት ክትከውን እያ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ጒዳይ፡ ናይ ልዕሊ 19 ቢልዮን ዶላር ህዝባዊን ግላዊን ማዕከን ዝሓትት እዩ። ክኢላታት ነዚ ተበግሶ …

Read More »

ኣብ ዓለምና: ጽንኲር ኲነታት ኣየር: ብቐጻሊ ክኽሰት ይኽእል እዩ ተባሂሉ

ኣብ ዓለምና ጽንኲር ኲነታት ኣየር ብቐጻሊ ክኽሰት ይኽእል እዩ ተባሂሉ። ኣብ ዓለምና ክቱር ሃሩርን ምዕልቕላቕን ሓዊስካ ጽንኩራት ኲነታት ክሊማ ብቐጻሊ ክረኣዩ ከም ዝኽእሉ ውድብ ሜትሮሎጂ ዓለም ኣፍሊጡ። State Of the Climate ኣብ ዘዳለዎ ጸብጻብ ዓመተ 2021 “ዓለምና ኣብ ቅድሚ ዓይንና ትቕየር ኣላ” ኢሉ። ካብ 2002 ክሳብ ዘለናዮ ዓመት ዝነበረ ማእከላይ ኲነታት ሙቐት ብ 1°C ክውስኽ ምዃኑ እውን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ …

Read More »

ግሬታ ቱንባሪ፡ ኣብ ኣኼባ ክሊማዊ ብከላ ሚላኖ

ሽወደናዊት ኣክቲቪስት ክሊማዊ ብከላ፡ ግሬታ ቱንባሪ፡ እትርከበሉ ኣኼባ ሚኒስተራት ኣብ ከተማ ሚላኖ ይካየድ ኣሎ። እዚ ኣኼባ ቅድሚ እቲ ኣብ ግላስጎው፡ ስኮትላንድ፡ ዝካየድ ናይ UN ኮንፈረንስ ይሳለጥ ምህላዉ እውን ተመልኪቱ። ግሬታ፡ ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስምዓቶ መደረ፡ ፖለቲከኛታት ብዛዕባ ብከላ ክሊማ ንሰላሳ ዓመታት ዓዘር ቆዘር፡ ካብ ምባል ሓሊፎም ትርጒም ዘለዎ ምንቅስቓስ ዘይምግባሮም ወቒሳ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተኻየደ፡ ኮንፈረስን ክሊማዊ ብከላ መንእሰያት፡ እውን …

Read More »

ወቕቲ ቀውዒ፤ ኣቐዲሙ ምእታዉ ኣበሲሩ

ካብ ዝቕጽል ሰሙን ጀሚሩ፤ ወቕቲ ቀውዒ ቅድሚ እዋኑ ከምዝኣተወ ዝሕብር ኩነታት ኣየር፤ ክህሉ ከምዝኽእል ማእከል ሜትሮሎጂ ሽወደን ትምቢታቱ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብዚ ቅንያት፤ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋላት ሽወደን ክነፍስ ዝቐነየ ዝሑል ንፋስ፤ ንምምጻእ ወቕቲ ቀውዒ ዝሕብሩ ኮይኖም፤ ድሕሪ ረቡዕ ኣብ ዘሎ እዋን ድማ፤ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ቫርማላንድን ከባቢ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆሎምን ንፋስ ዝተሓወሶ ዝናብ ክህሉ ከምዝኽእል ክኢላ ኩነታት …

Read More »

ዓለምና ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ መጠን ሙቐት ትኸይድ ኣላ ተባሂሉ

መጠን ሙቐት ንምጒዳል ብተደጋጋሚ ቃል እኳ እንተተኣትወ: እቲ ሓቂ ግና ዓለምና ናብ ኣዝዩ ሓደገኛ መጠን ሙቐት ትኣቱ ምህላዋ እዩ ክብል BBC ን ዳህሳስ UN ብምጥቃስ ኣመልኪቱ። እዚ ዳህሳስ UN ንውጥን ክሊማ 100 ዝኾና ሃገራት ድሕሪ ምጽናዕ ዓለምና ናብ ግጒይ ኣንፈት ትኸይድ ምህላዋ ኣጠንቂቑ’ሎ። እዚ ሓደጋ ክውገድ እንተደኣ ኮይኑ ምፍናው ካርቦን ኣብ 2030 ናይ 45% ምጒዳል ከርኢ ኣለዎ ክብሉ እዞም ክኢላታት …

Read More »

ህቦብላ Ida፡ ዓቢ ዕንወት ኣስዒቡ

ኣብ ሉዊዝያና (ደቡባዊ ክፋል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ) ብዝተኸስተ ኢዳ ዝተሰምየ ህቦብላ፡ ዓቢ ዕንወት ከም ዝወረደ ተገሊጹ። ዝዓበየ ክፋል እታ ስቴት (እንተላይ እታ ብሙዚቃ ጃዝ እትፍለጥ ኒው ኣርሊስን) ብሰንኪ እቲ ህቦብላ ብማይ ኣዕለቕሊቐን ብዘይ ኤሌክትሪካዊ ጸዓት ምትራፈን እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ጎደቦ ሉዊዝያና ኣብ ዝኾነት ሉሲደል፡ ብሰንኪ እቲ ህቦብላ ሓደ ሃይወይ ዓንዩ’ሎ። እዚ ዕንወት ብዝፈጠሮ ጒድጓድ፡ መካይን ኣብ ሓደጋ ኣትየን፡ ብውሕዱ ክልተ …

Read More »

ህቦብላ ዝተሓወሶ ዝናብ፡ ክረአ ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ

ኣብተን ዝሓለፈ ሰሙን ብሓያል ምዕልቕላቕ ዝተሃስያ ከባቢታት የስትሪክላንድን ኡፕላንድን (Gästrikland and Uppland) ሎሚ ለይቲ ረቡዕን ጽባሕ ሓሙስ ንግሆን ኣብ ዘሎ ግዜያት፡ ዳግማይ ህቦብላ ዝተሓወሶ ዝናብ ክዘንብ ከምዝኽእል፡ ካብ SMHI ቀዳማይ ደረጃ መጠንቀቕታ ተመሓላሊፉ ኣሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብዘን ከባቢታት እዚኣተን፡ ኣብ ሓጺር እዋን፡ ክሳብ ክንድ’ዚ ዓቐን ዘለዎ ዝናብ ክዘንበን፡ ዳርጋ ናይ መጀመርያ እዋን እዩ። ይኹን እምበር፡ ዝያዳ መጠን …

Read More »

ድሕሪ ሓያል ዝናብ፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ኩባንያታት መድሕን የምርሑ

ድሕሪ’ቲ ኣብ ከባቢ ያቭለን ዳላርናን ዝዘነበ ሓያል ዝናብ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ብዛዕባ ዘዕለቕለቑ መኻዚኖታት፡ መካይን፡ በርታትን ማይ ዘልሗኸ ናሕስታት ብዝምልከት፡ ናብ ኩባንያታት መድሕን፡ ጥርዓኖም ንምትሕልላፍ ክድውሉ ከምዝተራእዩ እተን ኩባንያታት ሓቢረን ክብል ማዕከን ዜና ተተ ገሊጹ። ብዘይዕረፍቲ፡ ብመንገዲ ኢንተርኔትን ናይ ተሌፎን መስመርን እንክድወለና፡ ንሕና ድማ ኩሉ ሰብኣዊ ዓቕምና ኣሰሊፍና፡ ጥርዓናት ክንሰምዕን እኳ እንተወዓልና፡ ሪጋ ሒዞም ዘለዉ ሰባት ግን ነይሮም ክብል ኣብ መድሕን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com