Monday , April 29 2024

ሕግን ሕብረተሰብን

ሰልፍና ምስ SD ክዘራረብ ድሉው’ዩ ክብል መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ Ulf Christerson ገሊጹ።

ሰልፍና ምስ SD ክዘራረብ ድሉው እኳ እብተኾነ ናብ ዝኾነ ቀጽሪ ወይ ምምስራት መንግስቲ ግና ኣይንኣቱን ኢና ክብል መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ Ulf Christerson ገሊጹ። “ምስ ኲሎም ሰልፊታት ክንዘራረብ ድሉዋት ኢና–እዚ ማለት ግና ሓድሽ ቀጽሪ ክነቕውም ኢና ማለት ኣይኮነን” ክብል ኣብ ናይ ፌይስቡክ ገጹ ኣስፊሩ’ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ መሻርኽቱ ዝኾነት ፕረሲደንት ክርስትያናዊ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ Iba Bosch Tor ትማሊ ምስ Sverige Domkraterna ክትተሓባበር …

Read More »

መልእኽቲ ሞባይል Tele2 ክጥለፍ ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

ናይ Tele2 መልእክቲ ድምጺ ብዝኾነ ካልእ ሰብ ክስማዕ ይኽእል እዩ ክብል ሎሚ ዝተዘርግሐ ዜና ኣቃሊዑ። እዚ ናይ ሞባይል ኦፐሬተር ነዚ ንምጽጋን ምሉእ መዓልቲ ይሰርሕ ምህላዉ ድማ ተገሊጹ’ሎ። ስርዓተ መልእኽቲ ድምጺ Tele2 ብዙሕ ኣበራት ከም ዘለዎ ይፍለጥ እዩ፡ ምኽንያቱ መልእኽቲ ዝኾነ ሰብ ብኻልእ ሰብ ክጥለፍን ክስማዕን ስለዝኽእል። መዓስ ምዃኑ ብልክዕ እኳ እንተዘይሓበሩ እዚ ብህጹጽ ክፍታሕ ዘለዎ እዩ ክብሉ ኦፐሬተራት ሞባይልት ኣፍሊጦም …

Read More »

ቴክኒካዊ ጸገም ምድንጓይ በረራታት የስዕብ።

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ዝርከብ ኣገባብ መቆጻጸሪ ፓስፖርትታት ብልሽት ስለዘጋጠሞ ገያሾ ነዊሕ ሪጋ ክጽበዩ ከምዘገደደን ነፈርቲ እውን ኣብ ዝተወሰነለን ሰዓታት ክበራ ከምዘይከኣላ ተፈሊጡ። ወሃቢት ቃል ትካል ስወደቭያ (Swedavia) ዝኾነት ኢሊን ሎሬን ከምዝሓበረቶ ሰራሕተኛታት ምቁጽጻር ፓስፖርት ብሰንኪ ብልሽት ቴክኒክ ንዘጋጠመ ሽግር ንምፍታሕ ብናይ ቀደም ኣገባብ ክሰርሑ ስለዘተገደዱ ብዙሕ ምድንጋይ ከምተፈጥረ ሓቢራ።

Read More »

ሽወደናዊ ትካል ክንክን ጥዕና ድሕሪ ዝመጾ ምቅላዕ መርመራ ምጅማሩ ተገሊጹ።

ኩባንያ ክንክን ጥዕና GHP ኣብ ኢማራት ዓረብ ዘለዋ ሆስፒታላት ዘሎ ኣገባብ ሰብኣዊ መሰላት ከመይ ምዃኑ ዝከታተል ሳልሳይ ኣካል ክረቁሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ካሊበር ዝተባህለ መደብ ኣብ ረድዮ ሽወደን ድሕሪ ዘውጽኦ መቃልዒ ጸብጻብ ምዃኑ ይንገር ኣሎ። ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን ጸብጻቡ ካሊበር ዘይተመርዓዋ ደቅርንስትዮ ብጒዳይ ጥንስን ሕርስን ዝተላዕለ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይኣትዋ ምህላወን፡ ምኽንያቱ ድማ ስጋዊ ርክብ ቅድመ-መርዓ ብሕጊ …

Read More »

ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ ዓርቢ 22 መጋቢት 2019 Swedish News on Tigrigna

Read More »

ኣብ ዓመተ 2019 5000 ናይ ኮታ ስደተኛታት ክትቅበል ምኻና ተፈሊጡ።

ኣብ ዓመተ2019 ሸወደን 5000 ስደተኛታት ብኮታ ደረጃ ክትቅበል ምኻና ሓላፊ ጉዳይ ምስግ ጋር ሰደተኛታት ኣብ በዓል መዚ ኢመግረሽን ዝኾነ ኦስካር ኤክብላድ (Oskar Ekblad) ሓቢሩ። ብዝሕን ዝመጽሉ ከባቢን ድማ ከምዚ ዝስዓብ ክኸውን ምኻኑ ተሓቢሩ ኣሎ። (ዝመጽሉ ከባቢ ) Uttagningsområde (ብዝሒ)Platserሶርያን ከባቢኡን / Syrien och dess grannländer2 000 ምብራቕ / ቀርኒኣፍሪቃ / Östra Afrika och Afrikas horn1 300ሰሜን ኣፍሪቃ (ማእከላይ ባሕሪ ተጓዓዝቲ …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ን 6 ሰባት ከሲሱ።

ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ከባቢ ፍሩዊንገን (Fruängen) ብዘጋጠመ ሓደጋ ዓባይ መኪና መራሒ እታ ዓባይ መኪና ብኡ ንብኡ ክመውት ከሎ ብዙሓት በቲ ከባቢ ዝሓልፉ ዝነበሩ ዘወርቲ መካይንን ብእግሮም ዝጉዓዙ ዝነበሩ እግረኛታትን ነቲ ሓደጋ ብሞባይል ቴለፎን ክስእልዎ ምርኣዩ ኣዝዩ ከምዘሕዘኖን ን6 ካብቶም ሰባት ከኣ ክሲ ከምተመስረተሎም ሓላፊ ፖሊስ እቲ ከባቢ ዝኾነ ፊሊፕ ሩንድበርግ፣ ገሊጹ። ካብዞም ክሲ እተመስረተሎም 6 ሰባት 3 መኪና እንዳዘወርካ ሞባይል …

Read More »

ፌይስቡክ ጽልኢ ዘሳውር መልኽቲታት ምቅላስ ኣበርቲዑ ከም ዝቕጽለሉ ኣፍሊጡ’ሎ።

ድሕሪ ኣብ መሳጊድ ኒውዚላንድ ዝበጽሐ ጃምላዊ ህልቂት ኣስላም ፌይስቡክ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጽልኢ ዘሳውር መልኽቲታት ምቅላስ ኣበርቲዑ ከም ዝቕጽለሉ ኣፍሊጡ’ሎ። እቲ ኩባንያ ኣብ መላእ ዓለም ንዝርክርባ ኣብ ልዕልና ጸዓዱ ዝኣምና ልዕሊ 200 ዝኾና ውድባት ኣብ ፌይስቡክ ዝልጥፋኦ ዓሌታዊ መልእኽቲ ባዕሉ ብዝዓዪ ናይ ምቊጽጻር ቴክኖሎጂ ጌሩ ክቃለሶ ይፍትን ምህላዉ ኣፍሊጡ’ሎ። እዚ ባዕሉ ዝዓዪ ናይ መቈጻጸሪ ቴክኖሎጂ ኣብ እዋን መጥቃዕቲ መሳጊድ …

Read More »

ልዕሊ 100 ዝኾኑ ጾታዊ መጥቃዕቲታት ኣብ ኣባይቲ ማሕበራዊ ክንክን (HVB)ምግጣሙ ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ልዕሊ 100 ዝኾኑ ጾታዊ መጥቃዕቲታት ኣብ ኣባይቲ ማሕበራዊ ክንክን ምግጣሙ ተገሊጹ። መጽሄት Vicorevi ኣብ ዘካየዶ ሓድሽ ዳህሳስ ከም ዘረጋግጾ ኣብ ኣባይቲ ክንክን 106 ዝኾኑ ካብ ጾታዊ ምድፋር ክሳብ መጥቃዕቲ ዝብጽሑ ዓመጻት ምክያዶም ተፈሊጡ። ብመሰረት እዚ ዳህሳስ 133 ዝኾኑ ትሕቲ 25 ዝዕድሜኦም መንእሰያት ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ ኣባላትን ሰራሕተኛታትን ኣባይቲ ክንክን ጥዕና (HVB) ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። ጠበቓ ጾታዊ ገበናት …

Read More »

ቆንስል ሕጊ ሽወደን Lagrådet ን “ሓድሽ ሕጊ ግብረሽበራ” ይነጽጎ።

ቆንስል ኣማኻሪ ሕጊ ሽወደን Lagrådet ሎሚ መንግስቲ ንዘቕረቦ ንሓድሽ ንድፊ ሕጊ ግብረሽበራ፡ ገሊኡ ዓንቀጻቱ ብሕጊ ንዝጸደቐ ናጽነት ምውዳብ ዝጻረር እዩ ብምባል ውዱቕ ጌርዎ ኣሎ። ብተወሳኺ እቲ ቆንስል ኣብያተ ፍርዲ እቲ ሕጊ “ሓፈሻዊን ዘይንጹር ገበናዊ ጒዳያት” ዘለዎን ብምዃኑ ብመሰረት እቲ ቆንስል ውሳነታት ከመሓላልፋ ክሽገራ እየን ኢሉ። ብመሰረት እዚ ኣብ መወዳእታ ለካቲት ብ Stephan Leuven ዝቐረበ ሓድሽ ንድፊ ሕጊ ግብረሽበራ ኩሎም ዓይነታት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com